Basic

VoaNews.com: "ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ተኣሲሮም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብሰበብ ኣስባብ ተኣሲሮም"ዓረና ትግራይን ስድራ እሱራትን

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 13 April 2018

ከተማ ሻሸመኔ
ከተማ ሻሸመነ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝርከቡ ተጋሩ ብሰበብ ኣስባብ ግዳያት ኮይኖም ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ገሊኦም ድማ ዝተፈርዶም ከምዝርከቡን ተቓዋሚ ዓረና መድረኽ ሓደ ጉጅለ ሰዲዱ ከምዝረጋገፀ ገሊፁ።ስድራ እሱራት እውን መንነት ዒላማ ዝገበረ እዩ ይብሉ ኣለው።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ መድረኽ ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ከተማ ሻሸመኔን ከባቢኣን ዝርከቡ ተጋሩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተትሓዙ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ’’ልዕሊ 73 ሰባት ተኣሲሮም እቶም 71 ተጋሩ እዮም’’ ኮነ ተባሂሉ ብብሄሮም መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም እዮም እውን ኢሎም።

ኣቶ ዓምዶም ብተወሳኺ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ናብ ሻሸመኔ ልኢኹ ምስቶም እሱራትን ስድራ እሱራትን ብምርኻብ ብከምዘፃረየ ገሊፆም።ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እውን ብሽም ዓረና ከይኮነስ ከም ናይ ስድራ ሓተቲ ገይሮም ከምዘፃረዩ ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሃበን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት ንዑደት ናብ ትግራይ ይመፁ ስለዘለው ምስኦም ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ግዜ ክትሓዘሎም ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ሕቶ ከምዘቕረቡ ገሊፆም ኣቶ ዓምዶም።

ኣብዘምፅሉ እዋን ምስኦም ንምርኻብ ዕድል እንተሃሊዩ ዴሞክራሲያዊ ሃውህው ክሰፍሕን ከም ቦርድ ምርጫ ዝኣመሰሉ መሓውራ ዴሞክራስን ክስፍሓፍሑ ክንሓትት ኢና ኢሎም።

ወላዲ ኣቡኡ ንሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲን ናይ 150 ሽሕ ብር መቕፃዕትን ተፈሪዱዎ ኣብ ይግባይ ከምዝርከቡ ነባሪ ከተማ ሻሸመኔ ሃብቶም ገብረስላሴ ገሊፁ። ሽዱሽተ ኣሕዋት ከምዘለውዎን ወላዲት ኣዲኦም ናብ ትግራይ ሒዘንኦም ከምዝኸዳን እቲ ናይ ንግዲ ትካል ግን ተዓፅዩ ከምዝርከብን ገሊፁ’ሎ።

ብዛዕባ እዚ ምላሽ ንምርካብ ንሓላፊ ቢሮ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋን ንከንቲባ ከተማ ሻሸመኔን ፈቲና ኣይቀንዐናን።ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ኣ/ፈ ኮማደር ፖሊስ ከተማ ሻሸመኔ ኣለማየሁ ታደሰ ንቪኦኤ ኣፋን ኦሮሞ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ግን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ብገበናት ቕትለትን ዘረፋን ዝተኣስሩ ሓሙሽተ ሰባት ተፈርዲዎም ፍርዶም ወዲኦም ምስ ወፁ መሊሶም ገበን ብምፍፃሞም ሰለስቲኦም ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክልተ ድማ ብዝፈፀምዎ ቕትለት ብ23 ዓመት ማእሰርቲ ክቕፅዑ ቤት ፍርዲ ምእዛዙ ምግላፆም ክፍሊ ኦሮሚኛ ፀብፂቡ ነይሩ።

ይከራኸረሎም ናይ ዘለኹ ተኸሰስቲ ብሄራዊ መንነት ምግላፅ ይፅግመ እየ ዝበሉ ካብቶም ዝተኣስሩ ንገሊኦም ይከራኸሩሎም ዘለው ጠበቓ ኣቶ ቢኒያም እስጢፋኖስ ን16 ሰባት ይከራኸሩ ከምዘለውን ዝቐረቦም ክስታት ክልተ ክስታት ብዘይ ንግዲ ፍቓድ ብምንጋድን ብሓለፍቲ መንግስቲ ዝተዓሸገ ገዛ ብሓይሊ ምኽፋትን ዝብል እዮም ተኸሲሶም ኢሎም።

ክልል ትግራይ ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ እንተሃሊዩ ዝተሓቱ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ቀንዲ መሳርሕታት ናይቶም ዝሓለፉ ሕንፍሽፍሻት ኣብ መንጎ ህዝብታት እምነት ክጠፍእ ምስራሕን ኣብ ኣባላት ኢህወዴግ ምጥርጣራት ክሰፍንን ምስራሕ እዩ ነይሩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ስልቲ እዚ ተጋሩ እውን ከም ኦሮሞን ሶማሊያን ግዳያት ኮይኖም እዮም ኢሎም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ብተወሳኺ ብቐጥታ ዝቐረበ ጥርዓን እንተሃሊዩ ግን ዝፈልጦ ነገር የለን ኢሎም ።

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events