Basic

EriGazette.org: ካብ ቤት ጽሕፈት 4 ኪሎ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ውሽጢ ወረ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 17 June 2018

17/06/2018
 

ነቲ ወያነ ጸዊዓቶ ዘላ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ዝሃቦ ኣቃልቦ ንግዚኡ የለን። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ኣዋሳ ክልል ደቡብ ተኸሲቱ ዘሎ ተቃውሞ ኣንጻር መራሒ ደቡብ ህዝቦች (ሸፈራው ሽጉጤ) ቀዳምነት ኣለዎ ተሃቢሉ። 

እዚ ወያነ ብኢዳዙር ንህዝባ ሰላማዊ ሰልፊ ግበር ትብሎ ዘላ፡ ኣንጻር ሰላማዊ ፍታሕ ክልቲኡ ሃገራት ዝኾነ ናብ ሓደገኛ መገዲ ንኽዓቢ ባይታ ዘንጽፍ ዘሎ ጉዳይ እዩ ተባሂሉ። እዚ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ንዘይመሬቱ ከም መሬቱ ንኽጥቀመሉን ክሰፍሮን ዘተባበዐ ባዕሉ ሕወሓት ምዃኑ ርዱእ እዩ ይበሃል ኣሎ። ከምዚ ኣናተባህሉ ኣብ እዚ 4 ኪሎ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ዘለዉ ተጋሩ መልሓሶም ተሎጊሙ ብግልጺ እናተሓመዩ ስቅ ኢሎም ይሰምዕዎ ከም ዘለዉ እውን ናይ ዓይኒ ምስክር ዝኾኑ ሰባት ይዛረብሉ ኣለዉ።

ገለ ሓለፍቲ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን (ርእሶም ዘቅንዑ) ካብ ዝዛረብዎ ዘለዉ ሕራይ ንትግራዋይ ንሰላማዊ ሰልፊስ ዓድምዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ኩነታቱ ተመቃቂሉ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ክኸውን ባዕልኹም ትዕድምዎ ኣሎኩም ማለት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰቡ ንመሬቱ ዘቀድም ህዝቢ እንዲኹም ትብልዎ ዝነበርኩም ገዲ፡ ስለዚ ዋላ ኣብ ውሽጡ ነንሕድሕዱ እንተተባእሰ ንስለ መሬቱ ግን ኣብ ሓደ ከም ዝዓስል ኣይትረስዑ። ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ኤርትራ ወሲድዎ ዘሎ ፍታሕ ዘይተርፍ እዩ። ዝቅየር ነገር የሎን። እንተ ከምዚ ቁጭምጭምን ግልብጥብጥን ቀጺልኩም ግን ንበይንኹም ትተርፉ እንበር ንዓኹም ንተጋሩ ሓጊዙ ኣብ ኲናት ዝኣቱ ኣምሓራይ ኮነ ኦሮመታይ የሎን።

(ካበ ሩጡባት ምንጭታት ከባቢ 4 ኪሎን ተጋሩን

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events