Basic

ገጽ-መጽሓፍ: ሰንዓ ፎርም ሕቡእ ህያብ ንህግደፍ ዝበልክዎ እዚ ዶ ኣይዝን!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 21 June 2018

 
 
 
 
Cherunnet Tesfazghi
ወርሒ ሰነ20, 2018 ዓም ፈረንጂ
 

ጽን እንተበልኩስ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎርም ጌና ተኾዲሙ ኣሎ ኣብ ቦትኡ ኣካ በሉኒ። ወይለይ ኢትዮጵያ ኣብ ህልም ዝበለ paradigm shift በዓል ለማ መቀርሳን ዶር. ኣቢ መሓመድን (ኦሮሞ) ዝመርሕዎ እናሃለወት፡ ነቲ ብ27 ዓመት ዝተነድቀ ናይ ወያነ ሌጋሲ፡ ኣብ 70 መዓልቲ ዘፍርስ “መዓር ኣፉ” ስልጣን ተቀቢሉ ከም ዘሎ እናፈለጠ ጀነራል መስፍን ኣማረ (ሓላፊ ሰንዓ ፎርም) ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ (ብያሳ) ኮፍ ኢሉ እንታይ የቦቅጥ ኣሎ? እቲ The game over ዝተባህለ እኮ ንዓኻ እዩ ንዓኻ ዝውክል እዩ እባ በሉለይ። ህግደፍ ብኮፍካ ኣላጊጾምልካ እባ በሉለይ። ሻዕብያ ደኣ ኣብ ዝደለይዎን ዝኾነሎምን ምስ ዘይፈልጥዎምን ዘይመቃልስቶምን ኢዶም ክነስኡ ይመጹኻ ኣለዉ እባ በሉለይ።

 

ንደንበ ተቃውሞ እናመቃቀለ፣ ብናይ ሓሶት ፖለቲክ ዛንታ እናሰርሐ፡ ንሞቆሚታት ኤርትራ ዝሰብሩ ሑሱራት እናሰልጠነን እናመወለን፡ ንደንበ ተቃውሞ ኣብ ደውታ የእትዩ ንሱ ዝሰገመ ዝመሰሎ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎርም እነሀለ ኬይዱ ኬይዱ “ንህግደፍ ህያብ” ኮይኑ።

 

ኣተሓሳስባ ወያነ ኣብ ጉዳይ ደንበ ተቃውሞ ኣካል ናይቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ስትራቴጅኦም ከም ዝነበረ ኣቀዲመ ኣብ ከብዱ (ኣዲስ ኣበባ) ከለኹ ተዛሪበ ነይረ እየ። እሞ ሕጂ እንታይ ይኹን? እቶም ኤርትራ ትምውሎም ዝነበረት ኢትዮጵያውያን ተቃወምቲ (ኦነግ፣ ጉንበት 7 ዝኣመሰሉ) ኣብ ሃገሮም ዘሳፍሕሉ ባይታ ትንፋስ ዝህብ ተስፋ ረኺቦም ኣለዉ። ስለዚ ኣብዚ ናይ ሰላም ዘተ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ኤርትራ ንኽቀርብ ቦታ የብሉን። እዚ ናትና ናይ ደንበ ተቃውሞ ኩነታት ኸ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ቦታ የብሉን፡ ኢትዮጵያ ከ ኣብ ኣጀንድኣ (ዘተኣ) ቦታ ክትረኽበሉ ዲያ?

 

ንሙዃኑ! እዚ ዶር. ኣቢ ዝመርሖ መንግስቲ ካብ ሳላሳ ዝበዝሑ ኣብ ሰንዓ ፎርም ዝተመዝገቡ ውድባት ትቃወምቲ ኤርትራ ከም ዘለዉ ይፈልጥ ዶ ትብልዎ?

 

ኣንቱም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለኹም ተቃወምቲ ካብ ጀነራል መስፍንን ለኣኺኡ ወያነን ዝተረፈ የለን ቦኺርኩም ኢኹም። ብሓሳብ ንህግደፍ የሕሊፉም ሂቦሙኹም እዮም። “ዶርሆ እንተ ዘይፊሒራ ኣይትበልዕን እያ” ከም ዝበሃል ኣይትዘንጉዑታየ! ሻዕብያ እናፋሓረ እናፋሓረ ኣብ ቀረባኹም እዩ በጺሑ ዘሎ! ደንበ ተቃውሞ ንሰንዓ ፎርም ገዲፍካ መገድኻ ድለ።

 

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ዝረገጸላ መዓልቲ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎርም ተዓጽዩ ክርእዮ በዓል ምልእ ተስፋ እየ…..

ቤተ ቸሩ
ኣምስተርዳም

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events