Basic

Fwd: መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ብክብ ዝበለ ሕድሪ ኣብ ግብሪ ብዝብል ጭርሖን ተግባርን ከቢሩ

Posted by: Alem Habte

Date: Thursday, 21 June 2018


---------- Forwarded message ---------
From: Alem Habte <alemelete@gmail.com>
Date: Tue, Jun 19, 2018, 5:12 PM
Subject: መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ብክብ ዝበለ ሕድሪ ኣብ ግብሪ ብዝብል ጭርሖን ተግባርን ከቢሩ
To: Eritv <shabait_news@yahoo.com>


ተቀማጦ ፊላደልፊያን ከባቢኣን ብዕለት 16/06/2018 ሕድሪ ስዉኣት ብጉዕዞን ብግብሪን ኣኽብሮም ዉዒሎም።

ቀዳም ንግሆ ካብ ስዓት 7፣00 ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኤርትራዉያን ካብ ፊላደልፊያን ካብ ደላዋርን ደቡብ ኒው ጀርስን ከባቢ ፊላደልፊያ ጴንስይልቫንያን ብመንእስያት ህግደፍ ዝተመርሐ ሕድራዊ መስርዕ ናይ 7 ማይል ጉዕዞ ድሕሪ ምፍጻም ኣብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን ፊላደልፊያ ናይ ዝኽሪ ዜማታትን ብግጥምን ከምኡዉን ቃል መልእኽቲ  ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስሜን ኣመሪካ ሕድርና ብግብሪ ምስ ድሮ ዝተበገሰ ስሙር ቃል ድሕሪ ምስማዕ ቅድሚ ብሽምዓን ዝኽሪ ሰማእታት ምዝዛሙ ወትሩ መዓልቲ መዓልቲ እንዝክሮም ስዉኣትና ብሓላፍነት ስድራ ስዉኣት ንምእላይ ብሓደ ግዜ $6609 ክዋጻእ ከሎ ዝቅጽል ምኴኑ ኮሚቴ በዓላት ሽማግለ ሓቢሮም።ከምዝዝከር ከተማ ፊላደልፊያ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ነብስ ወከፍ ዓመት $9000 ብምዉፋይ ልዕሊ 23 ስድራ ስዉኣት ከምዝናበየ ንምዝካር ብቀጻሊ ክሰርሓሉ ከኣ መብጽዓ የሕድስ።



--

ዓወት ንሓፋሽ!

النصر  للجماهير

Victory to the Masses!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events