Basic

መራሒ ናይ ሃገር ጥልያን ንኤርትራ የምርሕ – ኣብ ዓበይቲ ቁጠባዊ ዕድላት ኣብ ኤርትራን ዞባናን ምስታፍ ስትራተጂካዊ ምዃኑ ሰበስልጣን ጥልያን ይሕብሩ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 12 October 2018

11 ጥቅምቲ 2018

ቀዳማይ ሚንስተር ናይ ጥልያን ጂሰፐ ኮንተ ጽባሕ ናብ ኤርትራ ክኣትው ከምዃኑን ብዛዕባ ክልትኣዊ ርክባትን ዞባውን ኣሁጉራዊ ጉዳያት ምስ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ከም ድዛራረቡ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ብወገን መራሕቲ ጥልያን ናይዚ ጉዕዞ ናብ ኤርትራን ኢትዩጵያን ኣገዳስነቱ ክገልጹ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ ሰላም ስምምዕ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽእ ሰፊሕ ቁጠባዊ ዕድላት ኩባንያታትን ኣብ ዝግበር ጨረታት ከሳትፋ ከምዝደልያ ጥልያንን ጀርመንን ክገልጻ ጸኒሐን።

ሃገር ጥልያን ኣብ እገዳ ናይ ኤርትራ ምልዓል ድሮ ተራኣ ንምጽዋት እገዳ ክልዓል ብትሪ ጻዊዒት ተቕርብ ኣላ። ሃገር ጥልያን ሓንቲ ካብተን ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ዘለወን  ኤውሪፓ ሃገራት ብምዃና ነዚ ርክባት ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ከደይቦ ሓጋዚ ረቛሒ ኽኸውን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራ ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ናይ ማሽነሪ ንብረት ካብ ጥልያን ከምዝገዘአት ድዝኸር እዩ።

ጥልያን ዋላዃ ምስ ናይ ዞባና ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኤርትራን ሶማልያን ሓያል ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር እንተኾነት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዕልቕልቕ ዓመታት ተረኣ ከምዝግባእ ኣይተጻወትን። በዚ መንጽር እዚ ሕጂ በደረጃ ዝለዓለ መራሒ ዝግበር ዘሎ ምብጻሕ ጥልያን ኣብዚ ዞባ ብዝሓየለ ክትዋሳእ ተበጊሳ ከምዘላ እዩ ዘርኢ።

ቅድሚ ሕጂ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ናይ ጥልያን ንኤርትራ ዝበጸሐ ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ናይ ጥልያን ንሕብረት ኤውሮፓ ወኪሉ ዝገበሮ እዩ ኔሩ። ካብ ኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ እቲ ምዕራባውያን ሒዘነኦ ዝነበራ ፖሊሲ ናይ መንግስቲ ምቕያር ኣብ ኤርትራ ከምዘይክኣል ሓቢሩ ከምዝነበረ ድዝከር እዩ።

ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰራውር.ኮም


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events