Basic

(MOI Eritrea) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 14 October 2018

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።

MOI Eritrea 
14-10-2018





ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር - ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ሰንበት 14 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሙፈርያት ካምልን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።




ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ብዛዕባ ገስጋስ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ዝተኸተመ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ምዕባለታት፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክዝቲ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ቦታታት ቊጠባዊ ልምዓት ዑደት ከምዝገብር ተፈሊጡ’ሎ።





ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ’ቲ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ካብ 14 ክሳብ 16 ሓምለ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ መጀመርያ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events