Basic

ንኺድ ደኣ *ብገዲም ተ/ ኣሸናፊ ኣብርሃም - 2018 ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 30 November 2018




 *ንኺድ ደኣ*

   ማዕጽኦም ኳሕኩሕና ፣ዕተቑና ክንብል
ኣብ እግሮም ሰጊድና፥ ንዑኦም ክንመስል
ንትኳቦ ቁልመጻ ፥ ኢድና ጢል ስለዘየበልና ንምጽወታ
ሓድሽ ዳማ ዝምህዙ፣ምስ ተወደኤ ገበጣ
        
       እንታይ ኣቢስና ፣ክንድዚ ኩርንዒት
ክንዲ ሰላም ከባቢ ፥ ጽምዶና ንቕድሚት
ወጽዓ ትማሊኦም ከይኣክል ፥ ዓመጾም ዝደጋግስ
ጨበል ነስኡ፥ ኣረብሪብናዮም ኢና ሎምስ

       ኣብነት ሰናይ ጉዕዞና ፥ኮሶ ጥዒምኩም
ፍቕሪ ከባቢና  ፥ከም ዓንዴል ተፍኒግኩም
ንሶም ሰለ ዘይባረኽዎ፣ውህደት ከባቢ
ናጤባ ዶ ኮይንዎም፥ዘይተጸበይዎ ወዝቢ
          
           ዝሓለፈ መከራ፣ ዝባኑ ኣብ ምሃቡ
ንዕብየት ብልጽግና ፥ብኡሳት ሕድሕድ ክላዘቡ
ብኮምፓስኩም ስለ ዘይተማእዘዝና ፥ጉራቔን ሲንክሳር ትጥጅኡ
ኣበይ ደኣ ኔርኩም ትማሊ ፣ ኣህዛብ ክዋድኡ

         ኣባትር ዘቐብሉ ንእንባጋሮ፥
ዘረግቲ ሰላም ዘዕስቡ
ከደምቲ ጸፊኹም ዘሳስዩ፥ጸሓይና ከዕርቡ
ሕጂ ከውታና ምስ ቀተረ፥ድርኩኺት ሰላም ከተገፍትኑ
ዋግዋግታ ምስ ኮነ፥ገበታ ትግዕሩ ከተምስሉ

        ባዕሎም ከሳሶ፥ባዕሎም ፈራዶ ባዕሎም ዝብይኑ
ባዕሎም ቀጻዖ ፥ንሶም ጠቐነ ትቓንዩ
ግርምቢጥ ኮይኑ ፥ኮር ተገልበጥ ዘበኑ
ብሰላምና ትሕመሱ፥ ክብሉና ዝበልናኩም ኩኑ

        ይኣክል ምብጫው፥ክሳብ መዓስ ላግጺ 
ይኣክል ዝረባሕኩሞ፥ ብናይ ኣህዛብ ነውጺ
ኣይንኸውንን እባ ደኣ ሎምስ፣ መለበሚ ዓራቖ
ሰላምና ኣውሒስና ኢና ፣ዝጨነቐ ይጭነቆ

      ጸለመ ይነዛሕ ፥ እቲ ከልቢ ይንባሕ
ጉዕዞ ገመል ነይተዓናቐፍ ፥ክርሁ እዩ ጽባሕ
ምዕራፍ ኣለዎ፥ናይ ሎሚ ሸፋሕታ ዘጓሕ
ግዲ ኣይንግበረሎም ፥ከም ትማሊና ንኺድ ጥራሕ

       ኪነው ምስይጣን፥ሕብርና ምድዋን
ኪነው ምውንጃል፥ ኪነው ምኹናን
እንታይ ከይትገብሩ፥ ዘይሰብ ለይትና 
ደም ደኣ ይጥዓምኩም እንበር፥ ሰብ ሓራ መስመር ኢና

      ኣይናትናን እዩ፥ጥልዕ  ጉንብሕ ድንን ስግድ 
ብገዛእ ቅልጽምና ኢና፥ከውታ ነጽብሕ ህውከት ነብርድ
ኣይውርስናን እዩ ምምሽኻን፥ ኢደ ነይንነስእ
ግብታ ኣውጊሕና ፣ጽልግልግ ወቕቲ ኢና ንትርግእ 

       ንኺድ ጥራይ፣መንገዲ ቀደምና ንቕጽል
ዝገዓረ ይግዓር ፥ንሕና ንዓና ኢና ንመስል
እቲ ትማሊ ውን እኮ ፥በይንና ኢና ኣብቲ መሪር ጉዕዞ
ዘይበዛ ጽፍርናን ጽንዓትናን ኢና፥ ሕሰም እዋን ንገንዞ

     ንኺድ ጥራይ ዋኒን ኣለና፥ ዋኒን ዘየዛኒ
ብሓድነትናን ሃገራውነትናን፥ መንፈስና ንቓኒ
ብሩህ እዩ መጻኢና፥ትስፉው ርሁው ዘበን እንሆ የብረቕርቕ
ሰጊርናዮ ኢና እቲ ገሃነም፣ ኣውጊሕናዮ ኢና ጸላም ድቕድቕ 

    ንኺድ ጥራይ
   ኣሸናፊ ኣብርሃም 
        2018
     ጀርመን
https://docs.google.com/document/d/1OwM6QVy1mSfqfmyrShcDTe1ArX3EbdfZWpylYukQOfY/edit?usp=sharing


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events