Basic

ገጽ-መጽሓፍ: ባዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ካብ ተላዕለ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 30 November 2018

 
 
ወርሒ ሕዳር ዕለት 30, 2018 ዓም ፈረንጂ

1. ምሕንጻጽ ዶብ ክሉ-መዳያዊ ፍታሕ ናይ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ኮይኑ ኣይኮነን ዝጥለብ ዘሎ። ምሕንጻጽ ዶብ ዝጥለብ ዘሎ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ናይ'ቲ ብምስምስ ዶብ ዝተካየደ ኣዕናዊ ኲናትን ድሕርኡ ዝሰዓበ መህለኺ ምትፍናን እዩ። ንሰላም ኣበርክቶ እኳ እንተለዎ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ክነረጋግጽ እንተኰንና፡ ምሕንጻጽ ዶብ ሕጋዊ ግደታ እዩ። ግድን ክግበር ዘለዎ እዩ።

2. ዘላቒ ሰላም ብምሕንጻጽ ዶብ ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። ልቢ ክነጽህ ኣለዎ። ናይ ጎበጣን ምስፍሕፋሕን ምዕንታርን ሕልምታት ክሰባበሩ ኣለዎም።

3. ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን በይን ኮሚሽን ዶባትን ብዕሊ ተቐቢሉ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ እዚ ሕጋዊ መኸተምታ ክግበረሉ ብዓውታ ኣብ ፓርልያመንትኡ ተኻቲዕሉ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሓንጊዱ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ብወያነ ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ እዩ። ነዚ ንምክልኻል ወይ ንምጽብባቑ ዝግበር ምድንጋር ከንቱ እዩ።

4. ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ውሽጣዊ ምጽራይ ስራሕ፡ ናብቶም ንቅዋም ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ዘለዉ መራሕቲ ወያነ ከይበጽሐ ኣይክተርፍን እዩ። እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ክሳብ ሕጂ ወያነ ብዘይለመዶ ኣገባብ፡ ማለት ብቕዋማውን ሕጋውን ስርዓታውን ኣገባብ ነቶም ቀንዲ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዝኾኑ ቀለስቲ መሕንቖታት ሓደ ብሓደ ከም መሸላ እንዳ ቐንጠበ እዩ።

5. ወያነ ብደዉ እዩ ተማሪኹ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝጸሓፍክዎ ዓንቀጽ፡ "ኢህወደግ ኣስከሬን ጥራይ እዩ ተሪፉ፡ ደሙን ኣንግዑን ተቐዪሩ እዩ" ኢለ ነይረ። ብቕድምኡ ኣብ ዝጸሓፍክዎ ካልእ ሓተታ እውን፡ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ፡ እቲ ናብ ስልጣን ዘምጸኦ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምበር መራሕቲ ኢህወደግ ከምዘይኮኑ ፈሊጡ ኣብ ጽላታት ምኽልኻልን ጸጥታን ቅልጡፍ ናይ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝነበሮ ሓቢረ ነይረ። መሰረታዊ መዋቕራዊ ለውጥታት ከምጽእ ከምዝነበሮ እውን ተንቲነ ነይረ።

በዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣንፈት ትጽቢተይ ዝሰማማዕ ግን ከኣ ካብ ዝሓሰብክዎ ዝቕልጥፍ ለውጥታት የካይድ ኣሎ። ንስርዓት ወያነ ውሽጡን ደግኡን ዝፈልጥን ኣብ ክፍሊ ጸጥታኦም ዝዓበየን ብምዃኑ፡ ምስቲ ኣብ ጸጥታን ምሕደራን ምፍታሕ ግርጭታትን ዘተኮረ ትምህርቱ ተደሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንወያነ ካብ ሃዳናይ ናብ ተሃዳናይ ከምዝቕየር ገይርዎ እዩ። እቲ ኣብ ጠበንጃን ዘመደይ-ዘመድካን (cronyism) ዝተሰረተ መዋቕር ወያነ ኣብ ሰሙናት ሃደሽደሽ ካብሎን ናብ መቐለ ከባርሮን ኣየጸገሞን። ወያነ ምስ'ቲ ሞያ ውትህድርናን ዘመናዊ ትምህርትን ኣረኣእያን ዘገማደሐ መንእሰይን ምስ'ቲ ንሱ ዝኽተሎ ረቂቕ ሜላን ክገጥም ኣይከኣለን (They messed with the wrong person)።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንወያነ በቲ ዘካይዶ ዘሎ ሰልፍታትን ዝህቦ ዘሎ መደረን ክንፈርዶ እንተኰንና፡ ናብ ከላሽንን ድፋዕን ገጹ ዘድሃበ ይመስል። መቐለ ድማ ደጀን ናይ'ቶም ብፈደራላዊ ገበናት ዝድለዩ ሰባት ኮይና ኣላ።

ብሓቂ ክንዛረብ እንተኴንና፡ ወያነ ኣብ ኢህወደግ እንተጸንሐን እወታዊ ኣበርክቶ እንተገበረን ይሕሾ። ምኽንያቱ፡ ወያነ ንኢህወደግ ንዓመታት ንጸቢብ ረብሕኡ ከምዘይተጠቐመሉ፡ ሎሚ ኢህወደግ ጽላል ኮይንዎ ኣሎ። ወያነ ካብ ኢህወደግ እንተ ወጺኡ፡ ሎሚ ምስ ወያነ ክላፈን ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ሰልፊ ዝህሉ ኣይመስለንን። ስለ'ዚ፡ ነቲ ፈኸራን ፈንጨራዕን ገዲፉ፡ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣህዛብ ይኹን ውድባት፡ ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዝጠመተ እስትራተጂ እንተሰኣለ ይሓይሽ።

6. ከም ኤርትራዊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ድሌተይ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ብቐጥታ ንዓይ ዘገድሰኒ ምጥራር ዶብ እዩ። ድሕርኡ እንተደለና ተኸባቢርና ንተሓባበር፡ እንተዘይደሊና ድማ ተኸባቢርና መመግድናን መመሓዛናን ንደሊ። እዚ ንምግባር ድማ ልቢ ወያነ ክነጽህ ኣለዎ። ሓሳቡ ከስምርን ክጠምርን ኣለዎ። ወያነ ናበይ ገጹ ከብል ከም ዝደለየ ክውስን ኣለዎ። ወይ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ናብ ረፓብሊክ ትግራይ፡ ኣብ ሓደኡ ክረግእን ክውግንን ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ኢትዮጵያ ኣሚኑ ክጓዓዝ እንተወሲኑ፡ ብመሰረት እቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍርሞ ውዕላት ክቕየድ እዩ። ላዕሊ ዘይብላ ታሕቲ ዘይብላ። ውዕል ኣልጀርስን በይን ዶባትን ብዘይ ምዕጥይጣይ ክቕበል ኣለዎ። እንተደኣ ረፓብሊክ ትግራይ ክእውጅ ኮይኑ ድማ፡ ሓንቲኣ ኣላ። ከም ተኽእሎ ግን፡ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል እንተወሲኑ፡ እቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ውዕላት ክነጽግ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ረፑብሊክ ትግራይ ናይ ምእዋጅ ተኽእሎ ኣዝዩ ድኹም እዩ። ብዝኾነ፡ ልቢ ኣንጽህ ጥራይ እየ ዝብሎ፡ ልቢ ኣንጽህ።

7. ገለ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ወያነ ዝተባህለ፦
1. "ዶ/ር ደብረጼን (ኣቦ ወንመብር ወያነ) ወደ ኣዲስ ኣበባ ሲሄዱ ይደመራሉ፡ ወደ መቀለ ሲመለሱ ደግሞ ይቀነሳሉ." ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ መሳይ መኮነን ነቲ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጼን ዘርእዮ ዘርባዕባዕ ክገልጽ እንከሎ።
2. " ኣጻፍር ግዳያት ክምዝሕቑ እንከለዉ ንብሄሮም ዘይሓወሱስ፡ ምምዝሓቚ ኣጻፍር ሰባት ገበን እዩ ምስ ተባህሉ ግን ብሄሮም ክሕውሱ ይደልዩ." ቀ/ሚ ዓቢ ኣሕመድ

እዚ ዳሕረዋይ ነጥቢ ነቲ ዶ/ር ደብረጼን ይኹን ካልኦት ናይ ህወሓት ካድራት፡ ነቲ ብፈደራላዊ ገበን ናይ ብኽነትን ብልሽውናን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ዝጥርጠሩ ናይ ቀደም ሰበስልጣን ናይ ምህዳን ስራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ዝቐንዐ ኲናት ኣምሲሎም ዘወዓውዕዎ ዘለዉ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃል ይመስል። ሓጻር ዘረባ ግን ነቲ ናይ ወያነ ናይ መደናገሪ መናፍሕ፡ ኣላታን የብላን ኣብ ርእሱ ተንዂሕዎ።

ብሓቂ ኸ፡ ንጻጋታት ኢትዮጵያ ክራስዩ እንከለዉ ይኹን ኢትዮጵያውያን ክገዝኡ እንከለዉ ንኻልኦት ኢትዮጵያውያን ዘየካፈሉስ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሕጂ 'ንገበናትና ተኻፈሉልና" ክብሉ? ቑልፊ ስልጣንን ሓላፍነትን ባዕሎም ተቖጻጺሮሞ ነይሮም። ስለ'ዚ፡ ዝበዝሑ ብገበን ዝሕተቱ ሰበ-ስልጣን ካብ ትግራይ ክኾኑ ዘገርም ኣይኮነን። ወያነ ናብ ኢትዮጵያዊ ምስልን ቑመናን ክቕየርን ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ከሳትፍን ናይ 27 ዓመት ዕድል ነይርዎ። ግን ንበይኑ ክበልዕን ክሰርቕን ደልዩ። ሕጂ ደኣ እሞ ንገበናቱ ዝከፈሉ ወለንተኛታት ክርከቡ። እቶም ብተረፍመረፎም ዝረተብሑ ውሑዳት ተወላዶ ካልኦት ብሄራት እውን ይጸግብዋ ኣለዉ።

ምስ'ዚ ዝተእሳሰርን ዘገርምን ነገር ከኣ፡ ሜ/ጀ ክንፈ ዳኘው ብሰንሰለት ምእሳሩስ ያኢ ከም ዓቢ ነገር ተቖጺሩለይ ንትግራዎት ንምውራድ እዩ ተገይሩ ክበሃክል ሰሚዕና። መስደምም እዩ። ብገበን ዝሕተት ደኣ ይቕፈድ እምበር ቐይሕ መንጸፍ (red carpet) ክንጸፈሉ ርኢና ኣይንፈልጥን። ጀነራል ክንፈ ከኣ ከም ክሉ ብገበን ዝሕተት ሰብ ይቕፈድ እምበር ብወታህደራዊ ሰላምታን ክብርን ጽሩራን ባሊቓታትን ዘይተሸለመ ክበሃል የገርም እዩ። እሞ ኸኣ ካብ ሓደ "ሕገ መንግስትና እንተዘይተኸቢሩ" ኢሉ ዘማርር ወገን!

ስለምንታይ የገድሰኒ? ቀደም ኤርትራ ወሪራትና እንዳበሉ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሖም። ሕጂ ከኣ "ኤርትራ ምስ ኣምሓሩ ትመሻጠር ኣላ፡ ኣብ ልዕለና ኲናት ተኣዊጁ" እንዳ በሉ ነዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ዳግም ከቐሓሕሩን ስልጣኖም ከናውሑን ይጽዕሩ ስለዘለዉ እየ ዝግደሰሎም። ህዝቢ ትግራይ ዝግበኦ ክብሪ ክረክብ እንተኾይኑ፡ መሬት ትግራይ መዕቖብ ናይ ክሉ ብገበን ዝድለ ጉሒላ ክትከውን የብላን። መሬት ትግራይ መሬት ጀጋኑ፡ መሬት ናይ'ቶም ኣንጻር ፍትሒ ክልተ ግዜ ዝወየኑ ትግራዎት እያ።

ብዝኾነ፡ ናትኩምሲ ባዕልኹም ደኣ። ምሳኹም ተራኽበና፡ ነዛ ጉዳይ ዶብና ምድምዳም እዩ። ድሕርኡ ከም ምርጫኹም፡ ከም ምርጫና። ይኹን እምበር፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽን ዘላቕን ሃዋሁ ሰላም ምስግጋር ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።

ምስ ሰላምታ

ሓውኹ፡ 
ማሕሙድ ሳልሕ

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events