Basic

Tigrigna.VoaNews.com: ዓንዶም ገብረስላሰ ፡ዛጊት ሰለስተ ኣልቡማት ሙዚቃ ድሕሪ ምዝርጋሕ ሓዳሽ መጽሓፍ`ውን ኣመሪቑ’ሎ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 24 December 2018

ታሕሳስ 24, 2018

`እምባታት ዓደይ`ን : `ገነት`ያ ፍቕር`ን ብዝብላን ካልኦትን ደርፍታት ዝፍለጥ ዓንዶም ወዲ-ቀሺ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ “ጦፍ” ትብል ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ ኔሩ።

“ ጦፍ ” ካብን ናብን ኣገዳሲ መልእኽትታት ብኣገደስቲ ሰባት ዝፍጸም ዘሰምዕ ምዃኑ ዝገልጽ ስነ-ጥበባዊ ዓንዶም፡ ጦፍ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ረዚን ትርጉም ዝሕዝ ምዃኑ ይገልጽ።

ድሕሪ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ምረቓ መጽሓፉ ሕጂ`ውን ኣብ ኖርወይ ሰፊሕ መደብ የዳልው ከምዘሎ ሓቢሩ`ሎ፡

ምስ ዓንዶም ገብረስላሰ (ወዲ ቀሺ) ዝተገብረ ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4711426.html#player-start-time=223.7719

ዓንዶም ገብረስላሰ ፡ዛጊት ሰለስተ ኣልቡማት ሙዚቃ ድሕሪ ምዝርጋሕ ሓዳሽ መጽሓፍ`ውን ኣመሪቑ’ሎ
ራገፊ 
 
 መጻወቲ ድምጺ

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events