Basic

*** ድፋ ኣለዎ*** ብገ/ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) 25/12/2018 (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 27 December 2018

 *** ድፋ ኣለዎ***
ከም ቲ መሬት ዘይወድቕ ቃሉ
ሎሚ ክፉእ ዝገብር ጽባሕ፣ዋጋ ከም ዝኸፍለሉ
ዋጋ ብዋግኡ ብመጠን ክብደቱ 
ፍዳ ኣለዎ ዓስቢ፥ ሰራም ኢዱ ንምሸቱ 

      እከይ መዓልቲ ዝወዓለ 
       ኢዱ ዘርሰሐ ትንዕ ዝበለ
       ገበነኛ ነውራም ክቡር ሰብ ዝደፈረ 
        ፍዳ ኣለዎ ከይሲ ! ክልቀም ከም ማእረ

ነቲ ትማሊ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ
ነቲ ባርነትና ከቕልል ስልቲ ዝሓንጸጸ
ነቲ ብሌን ዓይንና  ካብ ኣብራኽና ዝወጸ
ፍዳ ኣለዎ ከታሪ ሽፍታ ጅግና ዝተቃጸ

         ንሱር ተኽልና ባልዕ ኮይኑ ጉንድና ከቐምስል 
ሱር መሰረትና  ዝፈታተን ሕመረትና ካብ ማዕሙቕ ክነቅል
ብልሒ ቅንጅሕቲ ኣነጻጺሩ ብቃጻ ንዝሃድን ድባሕ
 ዋጋ ክኸፍሎ እዩ ፍዳ ኣለዎ ዓስቢ እከይ ስራሕ

       ልኡኽ ሳጥናኤል፥ ንሃዋርያት ሰላም ዝጸናቶ
ትማሊ ግንባር መሪሑ፤ ሃገር ዘረከበ ዝወቕዐ ሽቶ
ሎሚ ትንዕታ ብበዓል ሽለት ፥መስከብ ብበዓል ከንቶ መንቶ
ፋዳ  ኣለዎ ዕጽፊ ሕነ፥ ባዕሉ ክኣትዎ ጉድጓድ ዝኾዓቶ

        ብሌን የዒንትና ክደፍን ፥ኣርካን ገድሊ ክቕዝፍ
ነቲ ጓሳ ህዝቢ መርሃዊ ፣ሃገር ከገምጁ ዝብል ጽድፍድፍ
ደኺመ ከይበለ፥ ዝተለሞ ነግሒ ክዛዝም ከጻፍፍ
ትንዕ ንዝበለ ፍዳ ኣለዎ  ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ክጸድፍ

       በቲ ማእከል ስሕበት፣ ፍናን ሃገራውነት
በሊ ለቀ ሊቃውንቲ ፋርስ፥  ዝመጸና በቲ ሓየት
በቲ ኮንፓስ ማእዝን ጉዕዞና ፥ በቲ ቀያሲ ጅግንነት
ብኡ ዝመጸና ፍዳ ኣለዎ ፥ብሓለንጊ ብሽመል ክቑሽመድ

       ነቲ ጉልበት ፈርስ፥ ሓያል መሰናኽል ዘበርዓነ
ብዓቕልን  ዘገምታን  ፥ብጽንዓት  ደፋእ ኢልና ንኺድ ዝበለ
ነቲ ብሱል መራሒ ፥ኣብ በረኻ ሳሕል ተቢዑ ዝተሳሕለ
ትንዕ ዝበለ ፍዳ ኣለዎ፥ ናይ ኢዱ ክረክብ ሕነ ፈዳይ ሕነ

       ትማሊ ትርኑዓት ፥ሓያላት ዘረብረበ
ጀነራላት ሶቬት፥ቅዲ ክረምሊን ንህትፍ ዘዕረበ
ኮኾብ ድምቀትና ፥ሕላገት ኤርትራውነት ኣያ መትከል
ብኡ ዝመጸና ፍዳ ኣለዎ በታ ቀጻዒት ሻምላ ክሕመል

       ነቲ ታቦት ሓርበኝነት ዓንዲ ማእከል ጻዕራም
ነቲ ለዋህ መፍቀሪ ሰብ፥ ዘይንታዩ ሓራም
ነቲ ሞዴል ኣርካን ገድሊ ፥ ኣንበሳ ግንባራትና
ፍዳ ኣለዎ ንምሸቱ፥ በብሌን ዓይንና ዝመጸና

      ንሞት ደኣ መዓስ ሰገጥ ይብለላ፥ መዓስ ይማታእ
ንሱ ደኣ ትንፋሱ ኣብ ኢዱ እንድያ ፣ንስለ ሃገር ክኸውን ሞባእ
ናብ ዘላቶ ክሳግም ፥ ህጁምን ድብያን ብምትርጋእ
ሕጂ ዝፈታተን ፍዳ ኣለዎ፥ ብሃገራውነት ንዝጣላዕ
           
          መሕደሪ ኣሻሓት ፥ሓየት ወዲ ኤፍረም ኮርዒዳ
 ስታፍ ስርሒታት ጀነራል ብጀነራሉ፥ፋርስ ቀሚዳ
ኣይምነን ኣይብልን ፤ኣደ ትምከን ንዓኻ ወሊዳ
ከማኻ ሓሽከት ኣፍርያ እያ ደጎልሓጹር ዘውዳ 

         ጾር ባርነት ዘቕለለ ፥ትኩር መሪሕ ገድሊ
ካብ ብሱል ጥረ ምስ ወጻእካ ማልስ ምቕሊ
ሃገር ዝፈጠርካ  ቀያሲ ሃንዳሲ  ቀላሲ
ቅሰን ፈደይቲ ሕነ ኣለዉኻ ፥ተረከብቲ ጅግንነት ውርሲ

      ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
 25/12/2018
      ጀርመን

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events