Basic

*** ክንፋንወኪ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 01 January 2019

  *** ክንፋንወኪ ***
ዓመት ሓሊፉ ፤ግዚኡ ኣቑጺሩ
ዘመን ክትካእ፥ ወርሓት ተኾልኪሉ
ሕጊ ወቕቲ፤ ዘይተርፍ ኮይኑ
ትፍከይና ኣለኺ ፣ኣበሲርኪ ጠጥዕሙ
 
      ኣብ ግዜኺ ፥ ዳግማይ ሰላም ነጊሱ
ዘመነ ምፍጣጥ ሃጢሙ፣ ጥዕም ንፋስ ነፊሱ
ቀስተ ደመናዊ ሰርቢ፥ሰናይ ህሞት ቅሳነት 
ታሪኽ ሰኒድኪ ካብ ተፋነኽና፥ከነምስግነኪ ርሕስቲ ዓመት

        መደበስታ ወጽዓ ሕሱም ዘመን፥ ካባኺ ተፈዲናዮ
ካሕሳ ጽማመና ምሒር ዝተዓጊስና ፥ ብዓቕሊ ዝተጸመምናዮ
ፍዳ ሽኦል እዋን ንምሸቱ ሰላም፥ ኣብ ግዜኺ ትቋዲስናዮ
ኣመስጊና ክንዋነወኪ፥በህጊ ልብና ሃንቀውታና ዘሰመርኪዮ

       ኣብ ግዜኺ ውግእ ወረ-ውግእ ፥ወረ ውግእ ነበረ ኮይኑ
 ዋግዋግታ ብርሃን ቀዲዱ ፥ትስፉው ቅድው ግዜ ሓዚሉ
መኸተምታ ጥንግናግ ጉዕዞ፥ መፈጸምታ ቄናን ፍርዲ
ኣባኺ ሓፊስናዮ ህጡር ቀውዒ፥ማእኮት ብርኩት ዓውዲ

       ምስልና ደዊኖም ፥እከያት ዝተትዑ
ከሳሶን ፈራዶን ቀጻዖን ኮይኖም፤ ፍትሒ ዘዘንብዑ
ትማሊ ዘጸለሙና ፥መልክዕና ንኹሉዑ
ኣብ ግዜኺ ጸማም እዝኖም ዝኾኩዑ

        ነመስግነኪ፥ መጋረጃ ስቃይ ጠቐንጢጡ 
ዳግማይ 91 ኣበሲርክና፥ ቀለሞም ተጸንቂቑ እከይ ዝሓንጠጡ
መንበር ሰብኣዊ መሰል ሲሒቦም ኣባልነት ዝዓደሙ
ኣብ ዓመትኪ ተቐሊትና ዝተረበጹ ይረበጹ፥ ዝሓመሙ ይሕመሙ

           ትፋነውና ኣለኺ፥ ምስ ሺሻይ ርሁው ዘመን
ደበስ ወጽዓና ሓፊስና ፥ ኣዝማራ መሊኡ ትወን
ክንፋነወኪ እንዳበልና ፥ዓጊብና ብተመስገን
ድርኩኺት ሓድሽ ዓመት ረጊጽና ፥ ክንምርሽ ብሓበን

       ኣብ ግዜኺ ጽሕዩ ጥሚቕ ክራማት ጀለምታ
ሰናይ ግዜ ተበሲርናዮ፥ ሞሳ መኸተና  ረኺብናሉ መኸተምታ
ዝገም ዝበልናዮ  ጼርናኪ ኢልናዮ ኩርኳሕ    
መድሚድና እንግዳዕና ከይረብረበ፥ በጺሕና ኣብ ዝብጻሕ
       
        ምስጢር መኸተና ዝወለዶ ዓወት
ኣባኺ ተፈዲናዮ፥ ኣንቲ ርሕስቲ ዓመት
በሊ ደሓን ኩኒ  ንውዕለትኪ ኣመስጊንና ክንሳናበት
 ልብና ሰፈርኪ ፥ነባሪ ታሪኽ ዘንት -እለት
        በሊ!!!!! 
        ሓድነትና ብጥምሩ
       ሃገራውነትና ምስ ጽኑዕ ኣንከሩ
       ፍቕርና  ብስምሩ
       ሓቦና ንያትና ብወድኑ

ደንበና ብሕጽሩ
ቀጽርና ምስ ደጎሉ
ዋልታና ብግትሩ
ጉራደና ብዉልዉሉ
                  
        ቃል ትማሊና ምስ ቅኒቱ
ውህደት ብስኒቱ
ሴፍ ትማሊና ምስ ቀስቱ
ናብ ሓድሽ ዓመት መብጺዓ ክንኣቱ

          ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
         ጀርመን
       31/12/ 2018

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events