Basic

(ቢቢሲ) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ንዶብ ኦምሓጀር ሑምራ ሎሚ ብውግዒ ከፊቶሞ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 07 January 2019

ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዶብ ኦምሓጀር ሑምራ ተኸፊቱ

ዶብ ኦምሓጀር-ሑምራ ተኸፊቱOFFICE OF THE PM

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ንዶብ ኦምሓጀር ሑምራ ሎሚ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ብውግዒ ከፊቶሞ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብፕረዚደንታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተሰንዩ ናብ ተሰነይ ድሕሪ ምእታው፡ ብፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ድሙቅ ኣቀባብላ ተገይርሉ ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ኤርትራ ምእታዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ነቲ ክልል ዘማሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈትሐ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ተራ ክህልዎ ዝኽእል'ዩ።

ብኻሊእ ገፅ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ከተማ ሰቲት ሑመራ ሰልፊ ወፂኦም፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ተቓውሞ ከምዘስምዑን መንገዲ ዓፅዮም ከምዝነበሩን ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን፡ ወሰንን መንነትን መሰረት ዝገበሩ ምስሕሓባት ውጥጥን ፀኒሑ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝተልዓሉ ጎንፅታት፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ከተማታት ጎንደርን ኣምሓራን ከምዝተመዛበሉ ምፅብፀፃብና ዝዝከር እዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ምኽፋት መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንግዲ፡ መጓዝያን መራኸቢታትን ዳግም ምጅማር ሓደ ካብቲ ብዕለት 9 ሓምላ 2018 ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ ምዃኑ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ዶብ ኦምሓጀር ሑመራOFFICE OF THE PM

ዶባት ቡሬ - ደባይሲማን፡ ዛላምበሳ - ሰርሓን ብ11 መስከረም 2018 ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብያ ኣሕመድን ምኽፋቱ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ድሒሩ መስመራት ራማ - ክሳድ ዒቓን፡ ዛላምበሳ - ሰርሓን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ምዕጻዎም ይዝከር። እቲ ስጉምቲ ብወገን ኤርትራ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ተጓዓዝቲ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ካብ ፈዳራላዊ መንግስቲ ናይ መሕለፊ ፍቓድ እንተሃልይዎም ጥራይ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ከም ዝተገልጸሎም ገለ ካብኣቶም ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ስጉምቲ ሃንደበት ዝተወስደ ምዃኑን፡ ንግዳዊ ኣቑሑት ዝጸዓና መካይን ንድሕሪት ክምለሳ ብምግዳደን፡ በቶም መስመራት ዝካየዱ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝደስከሉ ይንገር።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዛጊድ ዝሃብዎ መጠንቀቕታን መግለጽን ኣይነበረን።

ኤርትራውያን ናብ ሑመራ እናኣተዉTESHOME HADUSH ኤርትራውያን ናብ ሑመራ እናኣተዉ

ምኽፋት ናይ'ዚ መስመር ድማ ርክብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከደልድል ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚነስተር ገሊጹ'ሎ።

ምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ብስእሊ

ምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራTESFU NGUSምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራTESFU NGUSምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራTESFU NGUSምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራTESFU NGUSምክፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራTESFU NGUS

ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዶብ ኦምሓጀር ሑምራ ተኸፊቱ - BBC News ትግርኛ



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events