Basic

ዓስከር ሃይለስላሴን ደርጊን ነበር ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ከዘንብዖ ዝህቅን ዘሎ ታሪኽ

Posted by: Biniam Tekle

Date: Monday, 07 January 2019

ዓስከር ሃይለስላሴን ደርጊን ነበር ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ከዘንብዖ ዝህቅን ዘሎ ታሪኽ


ዳኒኤል ገብረመድህን

ጥሪ 2019


ህዝቢ ኤርትራ መዋእሉ ንኽብሩ ነጻነቱን ልዑላውነቱን ንሰላምን ብልጽግናን ጎደቦኡ እዩ ከይሰልከየ ክቃለስ ጸኒሑን ዝቃለስ ዘሎን። ኸምኡ'ዉን ነቲ ንዓመታት ዝዘንበዐ፡ ዝተጠምዘዘ፡ ኣዳናጋሪን ጉጉይን ታሪኽ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምእራም ዘይታኣደነ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ኽኸፍል እዩ ጸኒሑ።



ኣብ መፋርቅ 2018  ብርሃን ጮራ ሰላም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ተቀልቀለ'ዉን፡ ነዚ ብርሃን እዚ ንኸይምጽእ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ መንበር ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ሕጂ ካልእ ካባ ተኸዲኖም ንመጻኢ ወለዶ ዝንቡዕን ናይ ሓሶት ታሪኽን ከኣልሙን ከላግቡን ይርኣዩ ኣለዉ። ሓደ ካብ ኣቶም ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ እዩ። ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ መን ምዃኑ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊን ዝነበረ ኤርትራዊ ወለዶ ኣዳዕዲዑ እዩ ዝፈልጦ።   

                               

ቀንዲ መጽሓፍየይ'ዉን ብዛዕባ ዳዊት እንታይን ከመይ ሰብ ኔሩ ዘይኮነስ ከም ኩሎም ደርጋውያን ኣስኻሕኻሒ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሩ ካብኣቶም ዝፍለ ኣይኮነን ካብ ኹለን ኣህባይ ኣየነይተን ትቁንጁ ከይኮነና


ኣብዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ  ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘተፈላለየ ጽፍሕታት ናይ ዝሓለፉ ገዛእቲ ዘገልገሉን ኻሎኦት'ዉን ምሁራን ተንተንቲ ኢና በሃልቲ ነቲ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ንዓመታት ከቢድ መስዋእቲን ናይ ወለዶታት ግዜ ኸባኽን ዝጸንሐ ግጭት መፍትሒ ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን መታን ክልቲኡ ኣህዛብ ከም ጽቡቕ ጉርብትና ኣብ ሰላምን ፍቕርን ዝተሞርኰሰ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ዝመልኦ ጎደና ከይምርሽ ዘተፈላለየ ዝንቡዕን ኣደናገርቲን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ይስምዑ። ገሊኦም ነዛ ኣብ ግዜ ምሕደራ ወያነ ተመናኒሃ መሃነና ዝጠፋኣ ኢትዮጵያ ይትረፍ  ሓንቲ ኢትዮጵያ ኰይና ክትቅጽልሲእቶም ሰብ ጎጃም ሰብ ጎንደር'ዉን ኣብቲ "ጎጀና" ወይ ቤትና ዝብልዎ ጎጃምን ጎንደርን ኰይኖም'ውን ክነብሩ ኣብ ዘይኽእልሉ ደረጃ እንዳሃለዉ ወዮ ተንተንቲ ምሁራት በሃልቲ "ኢትዮጵያ ዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ኽትነብር ኣይትኽእልን እያ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ኽትረኽብ ኣለዋ " ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘረባታት ብተደጋጋሚ ምጉብዕባዓት ናብ መጻኢ ወለዶታት ከስርጹ ህርድግ ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ።


ዳዊት ወልደገርግስ ዉን ነዚ ተቐልቂሉ ዘሎ ዕድል ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ሕቶን መልስን ብዛዕባ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ከሎ ኣዝዩ ዘደንጽዉን ናይ ሓሶትን መልእኽቲን እዩ ከሕለፍ ሃቂኑ። ዳዊትኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊን ዝነበረ  ኲናት ኢትዮጵያ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን። እንታይ ዳኣ ኣብ መንጎ ተገንጸልትን እቶም ሓድነት ናይ ኢትዮጵያ ንደሊ ዝነበርናን ኢዩ ነይሩክብል፡ እተን ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጠልቀያ ኣእዳዉን ናይ ከምኡ ዝኣምሰሉ ገበነኛታትን ክሓጽብ ኢዩ ፈቲኑ። በጃ ዝኽእሎ ነብስኻ ካብ ገበነኛ ሓራ ምዉጻእ ምፍታን "ኣብ መንጎ ህዝብታት ግን ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣይነበረን" ይብል ሻለቃ ዳዊት። እወ ሓቂ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን እቲ ኹሉ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝወረዶ ግፍዕታት ኣብ ዝኽሩ ኸሎ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ቒምታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ የሕዲሩ ኣይፈልጥን። ቂምን በቐልን ምእታልን ባህሉ ኣይኰነን። ወትሩ ሓጥያት መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕትን በልመማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየላግብን ኢዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ መራሕቱ ዝተማህሮ ጉጉይ ታሪኽ ኣብ ምእራም እዩ ክቃለስ ጸኒሑ ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓንቲ መዓልቲ ክማሃር እዩ ኢሉ፡ ከባቢና ኻኣ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝዀነ ከባቢ ክፍጠር ኢሉ እዩ ጽዒሩ። እንተ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ብመራሕቱ ተደናጊሩ ክሳብ እዛ እዋን ጭፍራ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽልእን ቂምታን ስትራተጂ እዩ ጸኒሕዎ። እቲ ሻለቃ ዳዊት ኣብ መንጎ ኣህዛብ ጽልኢ ኣይነበረን ዝበሎ ልቦና ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነታን ኣማዕድዮ ነታ ሰላም ስለ ዝርኣያ ተጸሚሙ  እምበር ከም ድሌት ሻለቃ ዳዊትን ደርጋውያንን ብጾቱንሲ ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ኢዩ ነይሩ።


ሻለቃ ዳዊት ካብ 60ታት ደርጎኛ ወታህደር ኰይኑ መሬት ኤርትራ ክረግጽ ከሎ እንታይ ድዩ ኔሩ መፈኽርኡን ዕላማኡን፧እምቢ ያለ ሰዉ ጥይት ኣጉርሰው እምቢ ንመሰለይ ንመሬተይ ዝበለ ሰብ ጥይት ኣኾልሶ፡  ስነሓሳብ ሃይለስላሴን ሰራዊቱን ህዝቡን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ራዕዲ ፈጢርካ መሬት ምዝማት፡  “ኤርትራ መሬትዋ እንጂ ህዝብዋን ኣይሰፈልገንም  ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ እናበልካ ወፈራ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራዶ ኣይኰነን ነይሩ? ስዒቡ ዝመጸ ናይ በዓል ሻለቃ ዳዊት ኣረሜናዊ ናይ ኣዛብእ ደርጊ'ዉን ዝኸፍአ ስነሓሳብ፡ዓሳን ለማጥፋት ባህሩን ማድረቅ ዓሳ ንምጥፋእ ማይ ምንጻፍ ዝብል ነይሩ፡፡ እቲ ማይ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዓሳ ኻኣ ደቂ ህዝቢ ተጋደልቲ ማለቶም እዩ ነይሩ። እዚ ኻኣ ኹሉ ብግብሪ ተሰሪሕሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ እሞ እዚ ኩሉ ተግባር ባዕሉ ሻለቃ ዳዊት ብመሪሕነት ኰይኑ ዝተዋሳኣሉ በደል ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። 


ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝመጽእ ሰላም እንዳማዕደወ መስዋእቲ ዝኸፍል፡ ዝጽመም ህዝቢ እምበር፡ ነቲ ብባዓል ሻለቃ ዳዊት ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግፍዕን ገበናትን ዝረሶዖ ከይመስሎ። ሕጂ ብዝኸፍአ ታሪኽ ምጥምዛዝ ዝዓበየ ገበን ክፍጽም ሃተፍተፍ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ተግባራትን ግብርን በዓል ሻለቃ ዘርዚሩ ግቡእ ስጉምቲ ምዉሳድ ጠፊእዎ ኣይኰነን።ዝወግአ ተረሰዐስ ዝተወገአ ነይርስዕከም ዝብሃል፡ ሻለቃ ዳዊት፡ ኣብቲ መንበር ገፋዕቲ ኮፍ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ማእለያ ዘይብለን ስድራቤታት ኤርትራ ዘኽቲመንን ጸኒተንን እየን። ሕጂ ኻኣ ኣብ ክንዲ ናይ ሓቂ ናይ ሰላምን ጽቡቅ ጉርብትና ምስራሕ ዝንቡዕ ታሪኽ ንመጻኢ ወለዶታት ክገድፍ ዳግማይ ገበን ይፍጽም ኣሎ።


ዝኸበርኹም ደቂ ሓላል መሬት እቲ ሓቀኛ ታሪኽና ኣብ ምዝንታዉን ብሓሶት ክዝንቶ ከሎን እንድሕሪ ዘይኣሪምናዮ ካልእ ዘይተደልየ ዋጋ ኸክፍለና እዩ። ዝሓለፈ መዋእል ዝነበረ ቃልሲ ናይ ዝንቡዕ ወይ ጥምዙዝ ታሪኽ ንምእራም እዩ ኔሩ ስለዚ ሓቀኛ ታሪኽና ብዓልና ንመጻኢ ወለዶናን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ወለዶታትን ምምሃር ኣገዳሲ እዩ።ተንኰለኛ ዝተኸሎ ለባም ነይነቅሎከም ዝብሃል እዞም ሰባት ሓደገኛታት እዮም።


ዓወት ንሓፋሽ

ዳኒኤል ገብረመድህን

ጥሪ 2019


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events