Date: Monday, 07 January 2019
ዳኒኤል ገብረመድህን
ጥሪ 2019
|
ኣብ መፋርቅ 2018 ፡ ብርሃን ጮራ ሰላም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ተቀልቀለ'ዉን፡ ነዚ ብርሃን እዚ ንኸይምጽእ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ መንበር ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ፡ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ሕጂ ካልእ ካባ ተኸዲኖም ንመጻኢ ወለዶ ዝንቡዕን ናይ ሓሶት ታሪኽን ከኣልሙን ከላግቡን ይርኣዩ ኣለዉ። ሓደ ካብ ኣቶም ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ እዩ። ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ መን ምዃኑ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊን ዝነበረ ኤርትራዊ ወለዶ ኣዳዕዲዑ እዩ ዝፈልጦ።
ዳዊት ወልደገርግስ ዉን ነዚ ተቐልቂሉ ዘሎ ዕድል ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ሕቶን መልስን ፡ ብዛዕባ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ከሎ ፡ ኣዝዩ ዘደንጽዉን ናይ ሓሶትን መልእኽቲን እዩ ከሕለፍ ሃቂኑ። ዳዊት “ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊን ዝነበረ ኲናት ኢትዮጵያ ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን። እንታይ ዳኣ ኣብ መንጎ ተገንጸልትን እቶም ሓድነት ናይ ኢትዮጵያ ንደሊ ዝነበርናን ኢዩ ነይሩ” ክብል፡ እተን ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጠልቀያ ኣእዳዉን ናይ ከምኡ ዝኣምሰሉ ገበነኛታትን ክሓጽብ ኢዩ ፈቲኑ። በጃ ዝኽእሎ ነብስኻ ካብ ገበነኛ ሓራ ምዉጻእ ምፍታን "ኣብ መንጎ ህዝብታት ግን ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣይነበረን" ይብል ሻለቃ ዳዊት። እወ ሓቂ ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ፡ እቲ ኹሉ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝወረዶ ግፍዕታት ኣብ ዝኽሩ ኸሎ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ቒምታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ የሕዲሩ ኣይፈልጥን። ቂምን በቐልን ምእታልን ባህሉ ኣይኰነን። ወትሩ ሓጥያት መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕትን በልመማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየላግብን ኢዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ መራሕቱ ዝተማህሮ ጉጉይ ታሪኽ ኣብ ምእራም እዩ ክቃለስ ጸኒሑ ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ ሓንቲ መዓልቲ ክማሃር እዩ ኢሉ፡ ከባቢና ኻኣ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝዀነ ከባቢ ክፍጠር ኢሉ እዩ ጽዒሩ። እንተ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ብመራሕቱ ተደናጊሩ ክሳብ እዛ እዋን ጭፍራ ወያነ ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽልእን ቂምታን ስትራተጂ እዩ ጸኒሕዎ። እቲ ሻለቃ ዳዊት ኣብ መንጎ ኣህዛብ ጽልኢ ኣይነበረን ዝበሎ ፡ ልቦና ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነታን ኣማዕድዮ ነታ ሰላም ስለ ዝርኣያ ተጸሚሙ እምበር ከም ድሌት ሻለቃ ዳዊትን ደርጋውያንን ብጾቱንሲ ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ኢዩ ነይሩ።
ሻለቃ ዳዊት ካብ 60ታት ደርጎኛ ወታህደር ኰይኑ መሬት ኤርትራ ክረግጽ ከሎ እንታይ ድዩ ኔሩ መፈኽርኡን ዕላማኡን፧ “ እምቢ ያለ ሰዉ ጥይት ኣጉርሰው” ። እምቢ ንመሰለይ ንመሬተይ ዝበለ ሰብ ጥይት ኣኾልሶ፡ ስነሓሳብ ሃይለስላሴን ሰራዊቱን ህዝቡን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ራዕዲ ፈጢርካ ፡ መሬት ምዝማት፡ “ኤርትራ መሬትዋ እንጂ ህዝብዋን ኣይሰፈልገንም”፡ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ እናበልካ ፡ ወፈራ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራዶ ኣይኰነን ነይሩ? ስዒቡ ዝመጸ ናይ በዓል ሻለቃ ዳዊት ኣረሜናዊ ናይ ኣዛብእ ደርጊ'ዉን ዝኸፍአ ስነሓሳብ፡ “ዓሳን ለማጥፋት ባህሩን ማድረቅ” ፡ ዓሳ ንምጥፋእ ማይ ምንጻፍ ዝብል ነይሩ፡፡ እቲ ማይ ህዝቢ ኤርትራ ፡ እቲ ዓሳ ኻኣ ደቂ ህዝቢ ተጋደልቲ ፡ ማለቶም እዩ ነይሩ። እዚ ኻኣ ኹሉ ብግብሪ ተሰሪሕሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ እሞ እዚ ኩሉ ተግባር ባዕሉ ሻለቃ ዳዊት ብመሪሕነት ኰይኑ ዝተዋሳኣሉ በደል ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝመጽእ ሰላም እንዳማዕደወ መስዋእቲ ዝኸፍል፡ ዝጽመም ህዝቢ እምበር፡ ነቲ ብባዓል ሻለቃ ዳዊት ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግፍዕን ገበናትን ዝረሶዖ ከይመስሎ። ሕጂ ብዝኸፍአ ታሪኽ ምጥምዛዝ ዝዓበየ ገበን ክፍጽም ሃተፍተፍ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ተግባራትን ግብርን በዓል ሻለቃ ዘርዚሩ ግቡእ ስጉምቲ ምዉሳድ ጠፊእዎ ኣይኰነን። “ዝወግአ ተረሰዐስ ፡ ዝተወገአ ነይርስዕ” ከም ዝብሃል፡ ሻለቃ ዳዊት፡ ኣብቲ መንበር ገፋዕቲ ኮፍ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ማእለያ ዘይብለን ስድራቤታት ኤርትራ ዘኽቲመንን ጸኒተንን እየን። ሕጂ ኻኣ ኣብ ክንዲ ናይ ሓቂ ፡ ናይ ሰላምን ጽቡቅ ጉርብትና ምስራሕ ፡ ዝንቡዕ ታሪኽ ንመጻኢ ወለዶታት ክገድፍ ዳግማይ ገበን ይፍጽም ኣሎ።
ዝኸበርኹም ደቂ ሓላል መሬት ፡ እቲ ሓቀኛ ታሪኽና ኣብ ምዝንታዉን ፡ ብሓሶት ክዝንቶ ከሎን እንድሕሪ ዘይኣሪምናዮ ካልእ ዘይተደልየ ዋጋ ኸክፍለና እዩ። ዝሓለፈ መዋእል ዝነበረ ቃልሲ ናይ ዝንቡዕ ወይ ጥምዙዝ ታሪኽ ንምእራም እዩ ኔሩ ። ስለዚ ሓቀኛ ታሪኽና ብዓልና ንመጻኢ ወለዶናን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ወለዶታትን ምምሃር ኣገዳሲ እዩ። “ተንኰለኛ ዝተኸሎ ፡ ለባም ነይነቅሎ” ከም ዝብሃል እዞም ሰባት ሓደገኛታት እዮም።
ዓወት ንሓፋሽ
ዳኒኤል ገብረመድህን
ጥሪ 2019