Basic

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሮን ዝኻየድ ዘሎ ዙር ተስፋ ኣንጸባራቒ ዓወት የመዝግቡ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 07 February 2019

ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሮን ዝኻየድ ዘሎ ዙር ተስፋ ኣንጸባራቒ ዓወት የመዝግቡ

ለካቲት 06, 2019  ዊንታ ኪዳነ

ዋሽንግተን — 

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቅድድም ብሽክለታ ዙር ተስፋ ማለት Tour De l’Espoir ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ይርከቡ።

ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 68.3 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ተስፋ ካሜሩን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ተዓዊቱ ኣሎ። በቲ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ብጫ ማልያ ካብ ወዲ ጋንትኡ ናትናኤል መብራህቶም ከምዝተረከባ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ያቆብ ደበሳይ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ጋንታን ውጽኢት ተቐዳደምትን ኣብ መሪሕነት ትርከብ። ዛጊት ተዋህሊሉ ብዘሎ ነጥቢ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ብ 53ነጥቢ ቀዳማይ ናትናኤል መብራህቶም ብ46 ነጥቢ ካልኣይ ከምኡውን ሞሮካዊ ሳባሕ ላሕሰን ብ 34 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ይቕጽሉ ኣለው።

ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሮን ዝኻየድ ዘሎ ዙር ተስፋ ...



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events