Basic

(HdriMedia.com) ንባብ ንትሕዝቶ ቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’

Posted by: Hdri Media

Date: Friday, 08 February 2019


Source: https://wp.me/pa2mXx-3y

ንባብ ንትሕዝቶ ቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’

ኣርእስቲ፤ ህያው ደብሪ ጅር፤ ቅንየት

ገጻት፤ 492
ኣሕታሚ፤ ኣሕተምቲ ሕድሪ

ዘምህረት ዮሃንስ
ኣስመራ – ሆቴል እምባሶይራ 06 ለካቲት 2019

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ሕትመት፡ ብ’ህያው ደብሪ’ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ ክብል ብዘይምምታእ እደፍር። ገምጋማይ ህውኽን ቅድመ-ብሱልን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ስምዒታዊን ጥምዓዊን ዘዋጊን ኰይኑ፡ ምስ ግዜ መስሓቄን ዝገብረኒ ዓሻ ድፍረት ከይከውን ስክፍታ የብለይን። በናብባይ ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ስነጽሑፍ ግጥሚ ኤርትራ ብርቂ መጽሓፍ፡ ሓድሽ እምነ-መኣዝን ዘንብር መበቆላዊ ዕዮ እዩ። ደራሲኡ ተስፋማርያም ከኣ፡ ብተውህቦ ዝጸገወ፡ ብፈጠራውነትን ቅጀላን ሓሳባትን ዝተዓደለ፡ ሕመረት ቋንቋን ባህልን ኣዕሚቑ ብምምርማርን ብምእማርን፡ መለኮታዊ ሰባዊ ጸጋ ምዃኑ ብምእማን ዝለዓለ ክብሪ ሂቡ ህይወቱ ብኡ ተጸሚዱ ንነብሱን ህዝቡን ብውሕልነት ስነጽሑፍ ክሃንጸሉ ዝበቕዐ ጥበበኛን ሓሳባይን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ እየ ሎሚ ኣብዚ ‘ህያው ደብሪ’ ትምረቐሉ ዘላ ዕዙዝ ኣጋጣሚ፡ ታሪኽ ክስራሕ ንምስክር ኣሎና ዝብል ዘሎኹ። ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ስነጽሑፍ ቅንየት ኤርትራ፡ ‘ህያው ደብሪ’ ፈላይ-ዶብ፡ ኣርሓዊ ሓድሽ መድረኽ፡ እምነ-መሰረት ዘመናዊ ቅንየት ክኸውን እዩ በሃላይ እየ። ንቓለይ ከመርትዖ ስለ ዘለኒ ከኣ፡ ቀጺለ ዝተጸምቈ መረዳእታይ ከቕርብ ኣፍቕዱለይ።

ናይ ስነጽሑፍ ተመራማርን ሃያስን ከም ዘይኮንኩ ብምሕባር ክጅምር፡ ካበይ ይብገስ ከም ዘሎኹ ስለ ዘነጽርን ምድንጋር ስለ ዘውሕድን — ብበለጻዊ ዓይኒ ኸኣ ነብሰይ ንምክልኻል ትሕጃ ንክኾነኑ’ውን ክብሃል ይክኣል — ኣድላይ እዩ። ስለዚ ዘቕርቦ መረዳእታ ናይ ሓደ ግዱስ ኣንባቢ ደኣ’ምበር ኣካዳሚያዊ ንባብን ህየሳን ኣይኮነን። ስነጽሑፋዊ ክልሰሓሳብ ብማዕዶን ብሃውርን ደኣ’ምበር ብጥልቀት ስለ ዘየጽናዕክዎ፡ መረዳእታይ ክልሰሓሳባዊ መሰረቱ ድልዱል ከም ዘይኮነ እርዳኣኒ’ዩ። ግን፡ ምስ ኵሉ ድሩትነቱ፡ ንባበይ ምስ ናይ ብዙሓት ከምዚ ኸማይ ግዱሳት ኣንበብቲ ንባብ ክመላላእ ስለ ዝኽእል፡ በዚ መዳይ’ዚ ኸኣ ንተመራመርቲን ሃየስትን’ውን ስለ ዘገድስ፡ ብኽልሰሓሳብ ዘይተገርሐን ዘይተሰርዐን ሓፈሻዊ መረዳእታይ ገለ ፋይዳ ኣይስኣኖን ይኸውን።

‘ህያው ደብሪ’ ከም ስነጽሑፋዊ ዕዮ ብትሕዝቶኡን መልክዑን ክህየስን ክግምገምን ይኽእል። ስነጽሑፋዊ ትሕዝቶን መልክዕን ግን፡ ኣብ ሓድሕዱ ህያው ምውስሳብ ስለ ዘለዎ፡ ክነጻጸል ዘይክእል ብሓንሳብ ሓደን ክልተን ስለ ዝኾነ፡ ትሕዝቶ — ሓሳባት፡ ክብርታት ስምዒታት፡ ኣምራት፡ ትውፊታት፡ መንጽራት… — ካብ ዝተገልጸሉ ውሱን ቋንቋን ጥበባዊ መልክዕን ወጻኢ ክህሉን ክግለጽን ኣይክእልን። ይኹን’ምበር፡ ትሕዝቶን መልክዕን ኣብ ክልሰሓባዊ ክትዕ ከም ክልተ ነንበይኑ ባእታታት ክእመር ስለ ዝኽእልን ስለ ዘለዎን፡ ኣብዚ ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’ ዘቕርቦ ሓተታ ኣብ ትሕዝቶ ክሕጸር መሪጸ ኣሎኹ።

ጥበባዊ መልክዕ ቅንየት፤ እልመት ቋንቋኡ፡ ኣወቃቕራ ቅርጹ፡ ስውያታቱ፡ ረምታኡን ሳምራኡን፡ ወስጠ-ዘኡ፡ ኣተንብሆታቱ፡ ሑሽክታኡ፡ ሰራይ ሓይሉ፡ ሙዚቃዊ ደሃያቱ፡ ድሙቕ ቕጀላታቱ፡ ከም ናይ ቋንቋ ኦሮኬስትራ ሲንፎኒ ክግለጽ ዝኽእል ብበበይኑ ባእታታትን ሕብረታትን ተወሳሲቡ ዝተኣልመን ዝወቀበን ጥልቂ ዓውዲ ስለ ዝኾነ፡ ክኣትዎ ዝኽእልን ዝደፍሮን ኣርእስቲ ኣይኮነን። ናይ ’ህያው ደብሪ’ ድሕረ-ቓል ዝጸሓፈ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ኣብቲ ነዊሕ ስነቕዳዊ ትንተናኡ፡ ከም ተመራማርን ሃያስን ቅንየት ብቕዓቱ ዘመስከረሉ መጽናዕቲ ኣቕሪቡ ስለ ዘሎ ግን ንዓይ ካብ’ዚ ዘይክእሎ ጾር ኣገላጊሉኒ’ሎ።

ንደራሲ ‘ህያው ደብሪ’ ተስፋማርያም፡ እቲ መሳሲ ሓሳባት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቅንየታቱ’ውን ሓሳባት ማእከላይ ቦታ ስለ ዘለዎ፡ ቅንያታቱ ከም ጥበበይና መግለጺ ሓሳባቱ ኮይኑ ዝመጸ ይመስለኒ። ቅንየት ከም ስነጽሑፋዊ መልክዕ ሓሳባቱ ንምግላጽን ንምትሕልላፍን፡ በቲ ብኽነት ዘየፍቅድን ዝግሓተ-ቓላት ዘይጸውርን ቅርጡው ኣቃውማኡ ከም ብሉጽ ጸዋሪ ሓሳባት ንኸገልግሎ ብፍላጥ ዘሓረዮ ኮይኑ ይርኣየኒ። ምኽንያቱ፡ ምእማርን ንሓሳባት ቀዳምነት ምሃብን ንተስፋማርያም፡ ከም ባህረታዊ ድርኺት ካብ ንሱነቱ፡ ካብ ባህላዊ ሕመረቱን ኣቃውማኡን ዝነቅልን ንዕኡ ዘንጸባርቕን ደኣ’ምበር፡ ከም ሞዳ ንይምሰል ክኾኖ ዝፍትን ጥምዓዊ ገጸ-ባህሪ ኣይነበረን። ብጥልቀት ምሕሳብን ምእማርን እምበኣር፡ ከምልጠሉ ዘይክኣለን ዘይደለየን ጽሕፍቶኡ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ።

ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ኣተሓሳስባ ተስፋማርያም፡ ባህሊ መሰረታዊን ወሳኒን ባይታ ደኣ’ምበር፡ ሳዕቤንን መርኣያን ማሕበራዊን ቍጠባዊን መዋቕራትን ሓይልታትን ኣይኮነን። ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እቲ ባይታ ባህሊ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ በበይኑ ንዋታዊ ይኹን ትካላዊ መግሃዲታቱ’ዩ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ተስፋማርያም፡ ባህሊ መሰረት ስልጣኔ፡ ወይ ብኻልእ ቃላት፡ ስልጣኔ፡ ድንፋዐ ባህሊ ዝወልዶ ናይ ነገራዊ፡ ሞራላዊ፡ ትካላዊ ምዕባሌን ምርቃቕን ኵነት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሓሳባት ቀዳምነት ባህሊ ብንቕሓት ክሕሎን ብቐጻልነት ክረጋገጽን ኣለዎ ዝብል ኣረዳድኣ ነይርዎ’ዩ። ኣብ ሓደ ጽሑፉ ንኣብነት፡ “ንዓይነትን ደረጃን ናይ ሰብኣዊ ስልጣኔ፡ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ምዕባሌ ዝውስን ረቋሒ፡ ኣውራ ፖለቲካ ኣይኮነን። ብቐዳምነት ባህሊ ደኣ’ምበር፡” ምባሉ ነዚ የረጋግጽ።

እዚ፡ እቲ ፍሉጥ ሰውራዊ ሓሳባይ ፍራንስ ፋኖን ብዛዕባ ባህሊ ዝበሎ ኣዘካኺሩኒ። ፋኖን ወሳንነት ባህልን ምስ ነብሰ-ምልኣትን ነብሰ-ከኣልነትን ሕብረተሰብ ዘሎዎ ምትእስሳርን ብዝምልከት ኣብታ ‘ጉስቁላት መሬት’ ዘርእስታ ፍልጥቲ መጽሓፉ፤ ንጀርመናዊ ወይ ፈረንሳዊ ባህሊ ኣብ ሕቶ ዘእትዎን ንምልኣቱ ዝምጕቶን ከም ጐደሎ ዘርእዮን የለን፣ ዘመናዊ ምዕራባዊ ባህሊ ብመንጽር ካልኦት ኣብ ሕመረቱ ናይ መንነት ቅልውላው የብሉን፣ ነብሱ ስለ ዘረጋገጸ ባህርያውነት ለቢሱ፡ ከም ውሁብ ተወሲዱ’ዩ ዝትሕዝቶኡ ርእይቶ ገሊጹ ነይሩ። ስለዚ ኣብቲ ግዙእ ዝነበረ ዓለም፡ ብፍላይ ኣፍሪቃ ግን፡ እቲ ወደባት ባህሊ — ኣፍሪቃዊ ሰብኣውነት ምዃኑ’ዩ — ኣብ ሕቶ ዘኣቱ፣ ነብሰ-ምልኣቱ ዘየመስከረን ዘየረጋገጸን፣ ማእከል-ስሕበቱ ካብኡ ወጻኢ ዝርከብን ብኻልኦት ዝውነንን፣ ካብ ውሽጡ ሰብኣዊ ትርጉምን ዕላማን ክብርታትን ምፍልፋል ዝሕርብቶ፣ ኣጓጉል ዝተረፈን ጽግዕተኛን ነብሱ ዘይክእልን ዘየኽብርን፣ ስለዚ፡ ብሕልከት ነብሰ-ምንእኣስ ዝሳቐ ምዃኑ መሰረት ተጸጋዕነቱን ድሕሪት-ተራፍነቱን እዩ።

እዚ ሓሳባት’ዚ ኣብ ሓያለ ቕንያታት ‘ህያው ደብሪ’ ተወኪሉ ንረኽቦ ኢና። ንኣብነት ኣብታ “ዑደት፡ ውሁብ’ዩ፤ ምሕኳር’ዩ ወሳኒ” ዘርእስታ ግጥሚ፤

ዓደሺ!
ንጭራኣዊ÷ ወግዓዊ ማዕርነት ጥራይ__
ከም ሕማም-ደዌ ብምፍንፋን__
ካብ ደንበ ናይ ተንቀላወጥቲ÷ ናይ ተመጽወትቲ÷ ናይ በእንተኦም-ዚመጸ ይቐሎም__

ብዓመታት-ብርሃን ብምግላል፡ ባዕልኺ__
ብጻዕርኺ÷ ብተበላሓትነትኪ÷ ንተጸማምነትኪ፤
ናብ ክበብ ናይ
ንምሸቱ፡ ብቛንቋ ናይ ዓወት__ ብዂለን ናይ እኖ ልሳናትኪ ንወለዶታት ኪትዝምሪ፤

ክብል ከሎ፡ ነቲ ብናይ ተጸጋዕነት ትካቦ ወይ ልቛሕ በሰሮ ዘይብጻሕ ዘመናዊ ስልጣኔ፡ ኣብ ባህልኻን ሰብኣውነትካን ተኣማሚንካ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣማዕቢልካን ተቓሊስካን ነብስኻ ክኢልካን ጥራሕ ከም ዝብጻሕ የመልክት። ኤርትራን ህዝባን ድማ ወነንቲ ሕቡን ባህሊን ቅያዊ ገድሊን ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ዝበቕዖም ሕርያ፡ እቲ ናይ ክብረትን ነብሰ- ምልኣትን ብጻዕርኻ ምዝምናውን ጐደና ምዃኑ ይእምት።

ኣብ ሓያለ ጽሑፋቱን ግጥምታቱን ተስፋማርያም፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ነዊሕ ናይ ስልጣኔ ታሪኻን ባህላን ዘመናዊ ስልጣኔ ንምህናጽ ዘሎ ባይታን፡ ዘቤታዊን ግዳማዊን፡ ባዕላዊን ወድዓዊን ብድሆታትን ግድላትን ምሒር ዘሻቕሎን ኣዕሚቊ ዝሓስበሉን ጸሚዱ ዝሓዞ ማእከላዊ ጉዳይ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ኣብ ልቂ ጽሑፋዊ ይኹን ቅንየታዊ ስርሓቱ፡ ቅድመ-ኤርትራዊ ጥንታዊ ስልጣኔ፣ መሰጋገሪት ኤርትራን ዘመነ-ሃገራዊ ንድፋዊ መበገሲታታን፡ ኣህጉረ-ዘመናዊ መዓርፎኣን ብማለት፡ ስለስተ ታሪኻዊ መድረኻት ብምፍላይን ንምእማርን ዑደታዊን መዓርፎኣዊን መስርሓቱ ብምግላጽን ብጥልቀት ሓሲቡሉ እዩ። ዘመናዊ ስልጣኔ ብገዛእ ዓቕምኻ ንምህናጽ ግን፡ ውርሻታት ጥንታዊ ስልጣኔ ንበይኑ ኣኻሊ ከም ዘይኮነን፡ እቲ ምስግጋር ብሰለልታን ብዘይ ፈታኒ ታሪኻዊ ቃልሲን ከም ዘይብጻሕ ይትንትን። ኣብ ሓደ ጽሑፉ፡ “… እቶም ኣብ ዘመናዊ መኸተ ኣጥላዕሊዖም ዝተዓወቱ ኣህዛብ ብጫ ዓሌት፡ ካብ ናትና ዚጽብልል ታሪኽ-ጥንታዊ መበገሲ ባይታን ስልጣኔ-መዋእላዊ ዓውዲታትን ኣይነበሮምን፡” ብምባል ከኣ፡ ዘመናውነት ንምህናጽ “ታሪኻዊን ወሰንቲን መሪሓዊ መንጽራት” ምጭባጥ ከም ዘድሊ ይምጒት። እቲ መንጽራት ዝብሎ መሰረታዊ መበገሲ፡ ዝለዓለ ክብሪ ኮይኑ፡ ናይቲ መዓርፎኣዊ ጕዕዞ ውሕስነትን ኣዐዋትን እዩ። ምኽንያቱ፡ ተስፋማርያም ንኣምር መንጽራት ካብ ተራ ትርጉሙ ንላዕሊ “ተወከስኣዊ ስልጣን ዚውንኑ… ንዋታዊ፦ ትካላዊ፦ ወይ ባዕላዊ-ባህላዊ ስርዓታት… ብኣታቶም ዝፍጠሩ ጠመተታት÷ ኣምራት [እዮም]… መንጽር ባዕላዊ-ባህላዊ… ስነሓሳባዊ ተምሳል ጥራሕ ኣይኰነን። ብርግጽ ንዋታዊ÷ ትካላዊ ተርእዮ’ውን እዩ፡” ብማለት ስለ ዝገልጾን ዝርድኦን፡ ከም ቀንዲ ባይታን መድሕንን ጕዕዞ ስልጣኔ ገይሩ’ዩ ኣሚርዎ ዘሎ። እዚ ተስፋማርያም መንጽር ዝብሎ፡ ምስቲ እቲ ዓቢ ኢጣልያዊ ማርክሳዊ ፍላስፋ ግራምሺ “ሃጆሞኒ”፡ ማለት ኣብ ሓደ ዝረግአ ስርዓት ግድን ዝህሉ፡ ናይቲ ስርዓት ቀንዲ ምኽንያት ርግኣትን ቀጻልነትን ዝኾነ፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ወሺጡ ብምስራጽን ባህርያዊነት ብምልባስን ካልኣይ ባህሪ ዝኾነ (Second nature) — ናይ ሕብረተሰብ ውሁብ/ልሙድ ርድኢት/እንዶ (Common Sense) ክሳብ ምዃን ዝበጽሐን፡ ገዛኢ፡ መራሒ፡ ዓብላሊ ሓሳባትን ትካላትን ዝብሎ መሰረታዊ ኣምር ዝመሳሰል እዩ። ብሓጺሩ፡ ንብድሆታት ምህናጽ ዘመናዊነት ኤርትራ ብብቕዓት ብምግጣም ናብ’ቲ ታሪኻዊ መዓርፎ ንምብጻሕ “ኤርትራዊ ታሪካዊን ስልጣኔኣዊን መትከል- ቀጻልነት ዚባይትኦም፣ ኤርትራዊ ኣዘምናዊ ስልጣኔኣዊ ሕልና ዝዕጣቆም፣ ነብሰ-ኣኽብሮታዊን መንፈስ-ቅንኣታዊን ኣዘምነውቲ መነጽራት ዝስነሓሳቦም፡” ብምባል ዝገልጾም ኤርትራዊ ሓይልታትን ስልጣኔኣዊ ሕልናን ከም ዘድሊ ይምጕት።

ተስፋማርያም ንመንጽር፡ ስልጣኔኣዊ ኒሕ፡ ስልጣኔኣዊ ሕልና ሓሳባዊ ብቕዓት ኢሉ’ውን ይገልጾ’ዩ። ኤርትራ ብባህላን ስልጣኔኣዊ ታሪኻን ናይ ምዝምናው ዝሓሸ ባይታ ዘሎዋ፡ ህዝባ ድማ በዓልቤት ቅያዊ ሰውራን ኒሕ ስልጣኔ ዝውንን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስግሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባኡ ልዕሊ ብጽሒቱ ሓላፍነት ምርሓው ዘመናውነት ከም እተሰከመን ክቡር ዋጋ ከም ዝኸፈለሉን የብርህ። ኣብዛ፡ “ጃህራ ይጽናሓልና፤ ንህልው ብቕዓትና ነመቕድም!” ትብል ቅንየቱ ንኣብነት፡ ነዚ ዝትንኪ ዝተወሳስበ ሓሳባትን ትርጉማትን ንረክብ፦

ጣቋ-እንተ’ልዩና__
ልዕሊ ስልጣነ-ፍቓድናን ተግባርናን ንስረዓዮ ነቲ ሓሳባዊ ብቕዓት፡ ንሱ እዩ፤

እቲ ኮምፓሳዊ ብተይ-ጅኒ፡ ናይ ራእና!
‘ቲ ጳጳስናን ሙፍቲናን እንተ ተላፈኑ’ውን ዘይጽዕድዎ__ ኣበዒንቲና ሰፊሩ ዚቕልጽ__
ስልጣኔኣዊ ሕልና እዩ፤

ምስጢር ናይ ኣብሾና!!

ፍልስፍናዊ ኣስተንትኖ ኣገዳሲ ተምሳል ናይ ሓያለ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’ እዩ። ኣብ “ክሳብ ሔዚ ኸይተደብተረ ዚጸንሐ፤ ጉዳም ዘ-ፍጥረታዊ ታሪኽ”፡ ብዛዕባ ደልሃመታኣዊ ምስጢር ዘፍጥረት — ኣብ ፍልስፍናን ስነ-ህላዌ (Ontology) — እዚ ዝስዕብ ብርኩት ፍልስፍናዊ ኣተንብሆታት ዘሕሸክሹክ ቕንየት ነንብብ፦

ቃል፡ ነይሩ-ነይሩ__ ንወድዕ ኪሃውይ ዶቦላ ምስ ኣዘዞ
ነገር፡ ድሮ ሃውዩ’ስ፡ ብቕጽበት፤ ኣብየት፡ ዚቐዘዞ!

ብዘየድልው በርቃዊ__ ስንባዴ÷ ራዕዲ÷ ተዓዝሞ ተደቢሉ’ስ፤ ኣይርኢኹም፤ እቲ ዝደንዘዞ!
ክሳብ-ሎም ኣይወጸ’ሉን!
እቲ ሽዑ፡ ዘፍዘዞ!!

ኣብ ካልእ ግጥሚ፡ “እግዚእ-ብሄር÷ እግዚእ-ኣእምሮ”፡ ሕቶ ኣምላኽ ብድንቂ ጥበብን ፍልስፍናዊ ኣስተንትኖን ዓዚዙ ቀሪቡ’ሎ። እግዚእ-ብሄር ቃል ንቓሉ ጐይታ ብሄር ማለት ምዃኑ ድሕሪ ምዝካርን ነዚ ንዘፍቀደሉን ሽግሩ ንዘቃለለሉን ቋንቋኡ ድሕሪ ምምስጋንን፡ ኣስዒቡ ሓደ ናይ ሓሳባት ዝላ ብምግባር እግዚእ-ኣእምሮ’ዩ ይብል’ሞ፣ ብፍልስፍናዊ ኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ሰብ ነቲ ዘይክእሎ ጽሮት ህይወቱ ንምፍኳስ ዝምርኰሰሉ ሰብኣዊ ኣምር ምዃኑ ይእምት። እታ ግጥሚ ብኸምዚ ትድምድም፦

ርእሲ-ኹሉ፡ ድቂ-ሓሳባዊነት÷ ድቂ-ኣምራዊነት ደኣ’ምበረ__

ቅድሚ-ኹሉ፡ ድቂ ጭርሖ÷ ድቂ-ዓልገት ኣይኰንናን።

ካብ-ኵሉ፡ ዝዀንኩም-ክትኰኑ÷ ዝፈቐድኩም-ክትፈቕዱ÷ ዝገበርኩም-ክትገብሩ፤ ብኣምላኽ ኣይተንደልሕቑ።
ኣምላኽ፡ ውዱእ ነገር ኣይኰነን።
የግዳስ፡ እንክንዳርግ፡ እንልክሞ፤

እቲ ዝኸበደ ሰኸም’ዩ።

ቅንየታት ተስፋማርያም ደፋርን ሓቀኛን እዩ። ነብሰ-ድንጋጻን ነብሰ-ኣምልኾን ዘይለግቦን ተኣኒኑ ያዕ ዝብሎን፡ ተወሳሳብነትን ተጋራጫውነትን ሰብኣዊ ዅነት ብጥልቀት ብምግንዛብን ረድዩ ብምቕባልን ቀሊል መዋጽኦታት ዘይሰብኽን ብናይ ሓሶት መብጽዓታት ዘይጥበርን፡ ኣብ ቅድሚ ኣጨናቒ ፈተነታትን ሕርያታትን ህይወት ሓቀኛነት (Authenticity) ክህሉ ዝምጕትን ርእዮተ-ህይወት ዝኽተል’ዩ። ኣብ ሓንቲ ቕንየቱ ኸምዚ ይብል፦

ኣብቲ መዓሙቚ፡ ምስ ኲሉ’ቲ ሓቀይ÷ ምስ ኵሉ’ቲ ሓሶተይ፤ ኣብ ውሽጢኺ፡ ኣሕብርኒ።

ኣብ “ከላግስ ግን. . .” ዘርእስታ ግጥሚ ኸኣ፡ ክብረት ዘሎዎ ህይወት ንምምራሕ ኣንጻር ሓያላት፡ ስግሩ ኸኣ እንተ ኣድለየ’ውን ኣንጻር ኣድማስ ብዓቢኡን ንምግጣም ይጽውዕ፦

ጽንዓት እንተ’ድለየ ንምንታይ’ሲ ሓጺን ኰይነ፤

ነቲ ዘይጽወር፡ ዘይእጸሮ! ትብዓት እንተ ሓተተ

ንስልጣን ናይ ሓያላን ኣስናነይ ነኺሰ’ምበር

ብዕሊ ኽዳፈሮ! ወረግ፡ ድሕሪ ተቐርቀርኩ

ነቲ ኺለው÷ ነቲ ኣድማስ’ኳ ተዓጢቐ÷ ተቐኒተ÷ ተሸብሺበ፤

ብጣግማ’ወ፡ ክጻረሮ!!

ኣብታ “ዚተጸምቈ ገድለ-ኣይተ-ተስፋማርያም” ዘርእስታ ርእሰ-ዛንታዊት ቅንየት፡ ህይወት ውዱእን ዕጽውን ዘይኮነስ ክፉት መስርሕ ናይ ምዃን (Becoming) ኮይኑ፡ ብኣዋጣሪን ተጋራጫዊን ሕርያታት ዝመልአን ቀሊል መዋጽኦ ዘይብሉን ምዃኑ ብኸምዚ ገሊጽዎ፦

ኣዒንተይ እናረኣያ÷ ኣእዛነይ እናሰምዓ

ምስ ምሉእ ቀልበይ÷ ምስ መላእ ኣእምሮይ__ ንህይወተይ፡ ባዕለይ፤

ስርሓይ’ለ፡ ከምኪመያ!

… ‘ታይ ሓዲገ!
ንመስርሕ ናይ ምዃነይ__ ክሳብ ልዳት ናይ እርጋነይ፤

እናዀብኰብኩ፡ ቀጺለያ… ‘ታ’ዳ’-‘ነኣ ኺትንጫዕ!

ሓዲኣ ኸተፋልጥ’ወ__ ነዛ መከረኛ ነብሰይ፤

ሶቶ’ይለያ! ንምሸቱ’ስ፡ ከም ዘይከውን የለን-ኰይነ!

ትረዩኒ!!
ኣነ እየ!!!
ደጊም፡ ክኢለያ።

ተስፋማርያም ንጸዋዕታኡ፡ ናይ ኵልና ጸዋዕታ ክኸውን’ውን ዝደልዮን ዝእምሞን፡ “ጸዋዕታና፤ ትኩራት ኣስተውዓልቲ÷ ጭምታት መመይቲ÷ ወሓለታት ኣስተዋጻእቲ÷ ጨለታት ቀዳሕቲ፡ ከከም ኵነታቱ ድማ – ሓላፍነታውያን ነጸግቲ÷ ረዓምቲ ንምዃን ጥራይ እዩ” ብምባል ብዝተጸምቈን ብሩህን ቃላት ገሊጽዎ’ዩ። ኣብዚ ሓጺር መግለጺ’ዚ፡ በንጻር’ቲ ኣዕሚቑ ዝኸርሆ ጥራዝ-ነጠቅትነት፡ ነብሰ-ሰራዝነት፡ ጥቕሲ-ሽዩጥነት… ዘኣመሰለ ናይ ምሕሳብ ዓልገታት፡ እቲ ኣልዒሉ ዝርእዮ ፈሊጣዊ ኽብርታት፤ ምስትውዓል፡ ምምማይ፡ ምንጻግ፡ ምውጻእ፡ ምርዓም ምዃኑ ዘርዚርዎ ኣሎ።

“ህያው ደብሪ” ሓቚፉዎ ዘሎ ኣርእስትታት ሓደ ዓይነታዊ መለለይኡ እዩ። ኣርእስትታቱ መርመም፡ ክሳብ’ቲ ዘይዝከር መሽጐራጉር ህይወትን ባህልን ዝዝርጋሕ’ዩ። በሉ’ስከ፡ “መስትያት ናይ ዕቋር-ማይ፣ ጽምውቲ ጩራን ትኪ ናይ ውሻጠን፣ ርእሰ-ዘተ፤ ምስ ጽሞና፣ ተፍቲሽ-ለ-ሕመረት እንከሰራጥዩኒ፣ ስቕታን ክንየዉን፣ ሆዋስ-ተበጽሖ፣ ተራ ናይ ሃዋሪ…” ዝብል ድንቂ ኣርእስትታት ጊር ዘብል’ዶ ኣይኮነን፧ ብሓጺሩ፡ ኣርእስትታት ‘ህያው ደብሪ’፡ ምርምር ክካየደሉ ዝበቕዕ፡ ንባዕሉ ቕንየት ክብሃል ዝኽእል፡ ኣምሕሮታዊ ዕዘት ዘሎዎ’ዩ ክብሃል ዝክኣል ይመስለኒ።

ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ግደን ቅንየት ምስ ስልጣን ብምንጽጻር፤ “ስልጣን ንሰብ ናብ ትዕቢት ክመርሖ ከሎ፡ ቅንየት ግን ደረቱ የዘካኽሮ። ስልጣን ንዓንኬል ግዳሰ ሰባት ከጽብብ ከሎ፡ ቅንየት ግን ንሰብ ጸጋን ብዙሕነትን ህላዌ የዘካኽሮ፣ ስልጣን ይብክል፡ ቅንየት ግን የንጽህ፡” ዝበሎ፡ ግደን ኣበርክቶን ገጠምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢን ዕዙዝን እዩ። እቲ ዓቢ ጥንታዊ ግሪኻዊ ፍላስፋ ፕላቶ፡ ካብቲ ሚሳላዊት ሪፑብሊኩ ንፍላስፋታት ከም ርትዓውያን ሓሰብቲ ደኣ’ምበር፡ ንሰብኣዊ ስምዒትን ቅጀላን ንዘለዓዕሉ ገጠምቲ ከም ዘረግቲን ሓደገኛታትን ብምርኣይ ኮኒኑ

ሰግጒጉዎም’ዩ። እቲ ስግንጢር ግን፡ ባዕሉ ፕላቶ ዝጸሓፎ ሶቅራጦሳዊ ዘተታት (Dialogues) ከም ልቂ ጽሑፋዊ ቕንየት (Prose poetry) ዝውሰድ ብሉጽ ስነጽሑፋዊ ዕዮ ምዃኑ’ዩ። እቲ ውሩይ ሮማንቲሳዊ ገጣማይ ሸሊ ከም ዝበሎ፡ “ገጠምቲ ዘይእውጃት ሓገግቲ ናይ ዓለም እዮም። ቅንየት ዘይብሉ ሰብኣዊ ዓለም ዘይምሉእ፡ ኣብ ሩሑ ዘይዕበስ ሃህ ዝበለ ሃጓፍ ዘለዎ፡ ስንኩል ብመንፈስ እዩ።”

ቅንየታት ተስፋማርያም፡ ካብ ኣእምሮኣዊ ድንጋዘ ብዕንባባ ጽገሬዳ ጠፍጠፍ ኣቢሉ ዘነቃቕሕ፡ ንዓለምናን ሕብረተሰብናን ባህልናን ብኣግርሞት ከም ብሓድሽ ኽንርእን ክንሓትትን ከነስተንትንን ዝድርኽ፡ ናይ ሕልና ደገልና ንምጽራግ ዘበጋግስ፡ ሓቂ ብእጹብ ድንቂ ዝበቕዓ ቋንቋ ማዕሪጋን ገሪማን ብብርሃና ደጒሓ ከም እንበራበር ዝገብር… እዩ ክብል እኽእል። ስለዚ፡ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ፡ ከምቲ በየነ ሃይለ ኣብ ኖቨል ብ’ድኳን ተበርህ’ን ‘ትጽቢት ባህጉ’ ዝሓዞ መሳሲ ተራ፡ ተስፋማርያም ብቕንየት ’ህያው ደብሪ’ መሳሲ ተራ ኣሎዎ ኢለ እግምግም።

ገምጋም ስነ ጽሑፋዊ ዕዮ ተስፋማርያም ግን፡ ብዘይ’ቲ ኣብ ልቂ ጽሑፍ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊት ስነጽሑፍ ኣብ ተሓኤን ድሕሪኡን ዝገበሮ ኣበርክቶ ከይተጠቕሰ ምሉእ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ተስፋማርያም ድሕሪ 1975 ኣብ ተሓኤ ከም ሓላፊ ክፍሊ ዜና ሓያለይ መጽሔታት ብምምስራትን ብምስንዳእን ካልእ ጽሑፋት ብምብርካትን፡ ትግርኛ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መዓላ ኽውዕል ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ስደት’ውን ጽሑፋቱ ብቝጽሪ ውሑድ ግን ከኣ ብጽፍሒን ጥልቀትን ቋንቋኡን ትሕዝቶኡን ክብ ዝበለ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ ጽሑፋት ተስፋማርያም ዝተሓላለኸን ዓሚቝን ሓሳባትን ክትዕን ንምግላጽ ዝበቕዐ፡ ከም ቅንየታቱ ብሓደ ንባብ ጥራይ ትርጉሙ ዘይከፍት ምዃኑ ፍሉይ ቅሻረቱ እዩ።

ገምጋም ብስሩ ነቐፌታዊ ክኸውን ስለ ዘሎዎ፡ ስነጽሑፋዊ ዕዮታት ተስፋማርያም፡ ቅንየታቱ ይኹን ልቂ ጽሑፋቱ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ከይተራእየ ገምጋሙ ምሉእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ኽልተ ኣገደስቲ ጉዳያት ከልዕል እደሊ።

ቀዳማይ፦ ድፍንቕ፤ ንድሕሪት ጠማቲ ድፍንቓዊ (Nostalgic) ኣጠማምታ ናይ ቅንየታት ተስፋማርያም ድሙቕ መለለዪ እዩ። ድፍንቕ ሓደ ካብ ቀንዲ ሰብኣዊ ስምዒታት’ኳ እንተኾነ፡ ብኡኡ ዝተዓብለለ ናይ ዝሓለፈ ግዝያትን ተመኵሮታትን ኣመለካኽታ፡ ነቲ ዝሓለፈ እዋን ኵሉ ዝሓለፈ ጥዑም ብዘብል ሓደ ጐድናዊን ንግርማኡን ጽባቔኡን ዘጋንን ሮማንሲያዊ ጠመተ ሚዛን የስሕትን ወሃም የተባብዕን እዩ። ግዜ ስለ ዝሓለፈ ጥራይ ፍሉይን ዕዙዝን ስለ ዘይኸውን፡ ዝሓለፈ ከም ህልዊን መጻኢን እዋናት፡ በቲ መፋጥርቲ ሰብ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ኵነት ዘይምልኡነት፡ ተጋራጫውነት፡ መሕለኻታት፡ መዋጥራት፡ ዘይዕግበታት፡ ጭንቀትን ጓሂን ዝመልአ ስለ ዝኾነ፣ ድፍንቓዊ ኣጠማምታ ነዚ ዅሉ መሰረታዊ ሓባራዊን ውልቃዊን ተመኵሮታት ስለ ዝጐስዮ ወይ ስለ ዘነኣእሶ፡ ከም ኣጠማምታ ግሉሕ ድሩትነትን ስንፍናን ዘሎዎ ይመስለኒ።

ካልኣይ፦ ስልጣኔ፤ ኣብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብተስፋማርያም ዝተጻሕፈ ዓንቀጻት፡ ንጥንታዊን ዘመናዊን ስልጣኔታት ብሚሳላዊነት ዝገልጽ ዝመስል ርእይቶታትን ገምጋማትን ከም ቀንዲ ጥንሰ-ሓሳብ ይምጕተሉ’ዩ። ስልጣኔ፡ ብሕልፊ ኸኣ ዘመናዊ ስልጣኔ ግን፡ ኣብቲ ነዊሕ ታሪኽ ደቂሰብ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ዝማዕበለ ሓድሽን ውልዶን መድረኽ ጥራይ’ዩ። ዘመናዊ ስልጣኔ ቅድሚ ስለስተ ሚእቲ ዓመታት ድቁ

ኣብ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ዝተዘርአን ኣብኡ ዝማዕበለን፣ በበይኑ ኣሰልጣኒ ባእታታት ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ስልጣኔታት ብዘይ ሕድገት ብምርዓምን ምውሳብን ብሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ድማ ብስሩ ሓድሽን ሰውራዊን ለውጥታት ብምምሃዝ ዝተሃንጸ ስልጣኔ’ዩ። ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ስልጣኔታት ብዘይፍለ ኸኣ፡ ብደገ ንኻልኦት ካብኡ ዝደኽሙ ህዝብታት ብምውራርን ምብዝባዝን ገላዩ ብምግባርን፡ ብውሽጢ ድማ ንታሕተዎት ደርብታት ብምምዝማዝ፡ ብመሪሕነት ሓድሽ ደርቢ ኢንዱስትሪያዊ ብርዥዋ ዝማዕበለ ስልጣኔ’ዩ። በዚ መረዳእታ’ዚ፡ ዘመናዊ ስልጣኔ፡ ኵሉ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ስነኣእምሮኣዊን ሞራላዊን ግድላት ሰብኣዊ ህይወት ብመሰረቱ ዝፍታሓሉ ታሪኽ ዝዛዘምሉ መዓርፎ ወይ ድሕረ-ታሪኽ (Post-History) ኣይኮነን፣ ክኸውን’ውን ብመትከልን ብግብርን ኣይክእልን። ብናይ ረብሓን ትጽቢታትን ግጭታት ዝመልአ፡ ብናይ ደርብታትን መንግስታትን ህዝብታትን ግርጭታትን ቃልሲን ዝድረኽ፡ ብናይ ስልጣን ውድድርን ዕብለላን ዝዝወር፡ ጌና ኣብ ታሪኽ ዘሎ ስልጣኔ ጥራይ’ዩ። ስለዚ እዩ ድማ፡ ዘመናዊ ዓለም፡ ብኽልተ ደምበታት፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ናይ ዘመናዊ ስልጣኔ ዋናታትን መራሕቲን ተጠቐምቲን፣ በቲ ኻልእ ድማ ግዳያትን ውጉናትን ተሰኸምቲ ዕዳን ቈይሙ ዘሎ።

ዘመናዊ ስልጣኔ፡ ምስ ኵሉ ዕዳታቱ ኣብ ህይወት ደቂሰብ ዘምጽኦ ዓቢ ምምሕያሽን ገስጋስን፡ ዘርሓዎ ሓድሽ ዕድላትን ተኽኣሎታትን ከይተጐስየ፡ ነቲ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ግድላት፡ ማለት ጭቆናን ምዝመዛን ዘይማዕርነትን ዕብለላን ኲናትን ኣይፈትሖን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደስቲ ንቀጻልነት ህይወት ኣብ ዓለም ብዓንደ-ርእሱ ኣብ ደልሃመታዊ ሓደጋ ዘውድቕ ከም ኣካባቢያዊ ብከላን ዕንወትን፡ ኑኩሌሳዊን ስነህይወታዊን ኣጽዋር፡ ኣብ ዘይረዊ ስስዐን ኣህላኽነትን ዝተሰረተ ኣዕናዊ ቍጠባ… ፈጢሩን በዚ ኸኣ ኣብ ቅድሜና ጥፍኣት ዓለም ደቂኑን ምህላዉ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ’ዩ።

እዚ ኽልተ ኣገዳሲ ኽትዓት’ዚ፡ ኣብ ሓሳባትን ኣረኣእያን ተስፋማርያም ዝግብኦ ሚዛን ሒዙ ኣቓልቦ ዝረኸበን ዝማዕበለን ኣይመስልን።

ቃለይ ገለ ግላዊ ስምዒታት ብምውካእ ክዛዝም።

ንተስፋማርያም ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ስምዒታት ብጣዕሳ፡ ደበስ ብዘይርከቦ ጣዕሳ እየ ዝዝክሮ። ድሕሪ ንነዊሕ ዓመታት፡ ልክዕ ንምዃኑ ድሕሪ ናይ 31 ዓመታት ምፍልላይ ኣብ 2010 ኣብ ኣስመራ ብኣካል ምስ ተራኸብና፡ ንኣስታት ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ብሓባር ኣሕሊፍና። ግን ድሕሪ ምሕላፉ፡ ዘሎ ቐሊል ንሓዋሩ ይድለ ከም ዝበሃል፡ ነቲ ዕድል’ቲ ከም ዝግባእ ስለ ዘይተጠቐምኩሉ፡ ኵሉ’ቲ ክምዝግቦ ዝነበረኒ ሓሳባትን ትዕዝብትታትን ልቦናታትን እናተራእየኒ ክቱር ጣዕሳ ይስመዓኒ።

ተስፋማርያም ከም ኣብ ሓንቲ ቕንየቱ፡ “ሎሚ-ሎሚስ፡ ክሳብ ሱር መዓሙቓተይ ጠሊለ እየ’ሞ፤ ይኣኽለኒ፡” ኢሉ ንፈነወ ህይወቱ ብጸጋ ተቐቢሉ ሓሊፉ እዩ። ግን ከምቲ ኣብ ቅንየቱ፡ “ሬሳና’ኳ ጽኒ’ሉ ዘዳምጾ÷ ነ’ፋናዋይ ወየ ናይ ቀብሪና!” ዝበሎ፡ ክንየው ሞት ዝኸይድ ቅንየታት ሓዲጉልና ኣሎ።

ሕሳስ-ልደ ጓለይ ሳራ፡ “ተስፋርያም” ኢላ ብምልጋጽ ክትጽውዖን ንኸጻውታ ክትውትውቶን ከላ ዘርእዮ ዝነበረ ፍስሃ እናዘከርኩ፡ ኣነ’ውን ንዓርከይ “ተስፋርያም” ኢለ እናጸዋዕኩ ብሓበን ምስ ፍሽኽታኡ እዝክሮ።

306964-Hiyaw Debri - Zemhret 2.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events