Basic

ዙር ኢስፖይር - ️️ናትናኤል መብራህቶም ን4ይ መድረኽ ተዓዊትሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 08 February 2019

🇪🇷️ሎሚ ውን ጥዑም ዜና ካብ ካሜሩን🇨🇲

ዓርቢ 8 ለካቲት 2019 



🇪🇷️️ናትናኤል መብራህቶም ን4ይ መድረኽ ተዓዊትሉ
.🇪🇷️ኩለን ማልያታት ኣብ ኣብ ኢድ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
🇪🇷️ዝበለጸት ጋንታ ኤርትራ
🇪🇷️4ይ መድረኹ ኣሰላሲሉ ኣብ ሓውሲ ዓቐብ ዝተዛዘመ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብፍሉይ ተቖጻጺሮም ዝቐለስዎ መድረኽ ዩ ውዒሉ። ካብ መጀምርታ ኣትሒዘን ብዙሓት ጉጅለታት ክፍጠራ ስለ ዝወዓላ ንምቁጽጻረን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጻዕቂ ስራሕ እኳ እንተገበረላ ኣብ መወዳእታ ዝነበሩ 50ኪሜትራት ግን ብሮቤል ተወልደ ፈሊሙ ናብ ዳን ኤል ሃብተሚካኤል እናተበራረዩ ምስ ዝተፈላለያ ግሩፖታት ምጥቃዕቲ ብምግባር ዮም ተስፋ ሓሳበ ህድማ ዝነበሮም ተቐዳደምቲ ን ጋንታታትን ዝኾለፋ ።
፠ኣብ መወዳእታ ድማ ናትናኤል መብራህቶም ነዚ ገዚፍ ዓወት መዝጊቡ ፣እዚ ዓወት ዚ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብዘን 4ተ መድረኻት 3ይ ናይ መድረኽ ዓወት ዩ¬¬
፨2ይ ። ፖርቱጋላዊ ፍራንሲስ 
፨3ይ- ናትናኤል ተስፋጽዮን
፨4ይ-ያቆብ ደበሳይ
፨18 - ፊሊጶስ ክብረኣብ
፨24 - ዳን ኤል ሃብተሚካኤል 
፨23- ሮቤል ተወልደ

፠።ስለዚ ሎሚ ኣብ ያውንደ ዛተወ ዙር ኢስፖይር ጽባሕ ክዛዘም ዩ ብዘይጥርጥር ምቕሊ ዘብሉ ኩሉ ዓይነት ዓወታት ጠርኒፋ ናብ ሃገራ ክትምለስ ያ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ !!
እዚ ማለት ከምዚ ሓደ ሓያል ተቐዳዳማይ ኣብ ንኩሎም ተቐዳደምቲ ብዙርያ ክግልፎም ከም ማለት ዩ ዝሕሰብ !!

ስለዚ ሃጋራዊት ጋንታ ኤርትራ መወዳድርታ ክትመርጽ ያ ማለት ዩ።

Credit: EriCyc


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events