Basic

(ዙር ኢስፖይር ካሜሩን 2019) ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዓብላልነት ስዒራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 09 February 2019

🇨🇲🇨🇲ዙር ኢስፖይር ካሜሩን ተዛዚሙ🇪🇷🇪🇷

ቀዳም 9 ለካቲት 2019 


🇪🇷🇪🇷-ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዓብላልነት ስዒራ
🇪🇷🇪🇷️-ያቆብ ደበሳይ ዕዉት ዙር ኢስፖይር ኮይኑ
🇪🇷🇪🇷️-ብሉጽ ቮላቲስታ ናትናኤል ተስፋጽዮን
🇪🇷🇪🇷️- ብልጽቲ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ!!

፨ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመ መድረኽ ትጽቢት ከም ዝተገብረሉ ኩለን ጋንታታት ኣንጻር ታ ዓብላልነታ ዘረጋገጸት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እየን ገጢመን ውዒለን ። ውድድር ካብ ዝጅመር ኣትሒዘን ሓደ ድሕሪ ሓደ ከበቲ መጥቃዕትታ ፈንየን። መጀመርታ ንዝሀደ ርዋንዳዊ ሞስ ሙግሻ ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ተፈቲኑ ፣ነቲ ዝነበረ ፈተነ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሩ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ዓቢ ስራሕ ሰሪሖምሉ። 

እቲ ዝዓበየ ስራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንብጫ ማልያ ምክልኻል ስለ ዝነበረ ተሰሪሑ ድማ ዓቢ ስራሕ ዩ!! ኣገናዕ ውልዶ ተቐዳደምትና ንዘርኣይዎ ውህደት።

ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ፣ ኤኳዶር ፣ፖርቱጋል፣ ሞሮኮ፣ማርሽዎስን ዮም ካብቶም ቀንዲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ገጢሞም ውድድር ናብ ነበልባል ቀይሮሞ ዝወዓሉ። ዋላ ኳ እንተኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግን ንኩሎም መጥቃዕትታት ከከም ዝግብ ኦም መኪታ ሽሻያ ሓፊሳ ዓቕማ ውን ኣመኪራ ወጽያ ኣላ።






Credit: EriCycl.

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events