Basic

ንህግደፍ ድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ ዝጸርፍ እምበር፡ ፊት ንፊት ገጢሙ ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 13 February 2019


 ፋሲል ቀለታ 2/13/2019

.ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣምበሳደራትን ካልኦት ተቓለስቲ ኤርትራውያንን፡ ንቕኑዕ ትርጉም ናይቲ ዝተበጽሐ ሰላምን፡ ኤርትራ ህዝባን ካብዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምሕዝነትን ክርከብ ዝኽእል ረብሓታት፡ ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ ሓበሬታ ኣይህብን`ዩ እናተባህለ ዝሽቐጠሉ፡ ነቲ ብስምዒታት ዝዝረብ ዘይኮነስ ኣብ ዝተጨበጡ ሓቅታት ንህዝቦም ሓበሬታ ክህቡን ከረድኡን ሓላፍነቶም ስለ ዝኾን ከምቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ውን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ምስ ህዝቦም እሂን ምሂን ክበሃሃሉ ሰሚናራት ከካየዱ ጸኒሖምን ይቕጽልዎን ኣለው። እዚ ከኣ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ዝጀመረ ዘሎን ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝካየድ ንቡርን ልሙድን ባህሊ ናይ ኤርትራ ኢዩ።

..እዚ ዝካየድ ሰሚናራት ነቲ ኩሉ ክንዛሕ ዝጸንሐ ሓሶታት ቀላሊዑ ስለ ዘብርሆን ዜጋታትና ከኣ እቲ ቅኑዕ መረዳእታ ስለ ዝሕዙን፡ ነዞም ከደናግሩ ዝጸንሑ ከዳዓትን ዑሱባትን ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ኣሎ። ሓደ ካብዞም ከዳዓት ደስበለ መሓሪ (ሻንቖ) ኢዩ። ሓቕታት መታን ከይቕላዕ ወከልቲ ኢሰያስ ኣብ ዘካይድዎ ሰሚናራት ኣይትኺዱ  ንህ.ግ.ደ.ፍ ኣይተምልኹ እናበለ ክግዕርን ክጽሕፍን ጸንሑ ኣሎ።

ደስበለ መሓሪ ሓደ ካብቶም ሻርባ ናይ ወያነ ተጠምጢሙ ኣብ መቐለን ዓዲ ግራትን ዝመላለስን ኣብ በረኸት ስምኦን ዝወደበሉ ኣኼባታት ዘውደኽድኽን ዝነበረ ኣብ ኣኼባታት ናይ መቐለን ኣሰላን ምስ ሻርብኡ ከሎ  ኣብ ተለቪዝዮን ተራእዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝኸዓቦን ብፍላይ ከኣ እተን ብቐርባ ዝፈልጥኦ ዝነበራ ጀጋኑ ተቓለስቲ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ትፋእ ናይ ወያነ ክልሕስ ስለ ዝርኣይኦ ዓኽ ጡፍ ኢለናሉ ኢየን ።

.......................ምንባብ ቀጽል

ምንጪ ጽሑፍ፣ ሰኪዔት መስከረም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events