Basic

(ድምጺ ኣመሪካ) ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 08 March 2019

ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ

መጋቢት 07, 2019    ሰሎሙን አባተ   ተወልደ ወልደገብረኤል

ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባዝ
ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባዝ

ዋሽንግተን — 

ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ተመሊሱ`ሎ።

ዕላማ`ቲ ዑደት፡ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንምድጋፍን እተን ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ምምሕያሻዊ ለውጥታት ብምድናቕ: ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት`ውን ከተኩራ ንምብርትታዕ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።

ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝመርሐቶ ጉጅለ ልኡኽ፡ ካብ ኮለራዶ ዝተወከለ ካብ ኤርትራውያን ስድራ-ቤት ዝውለድ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰን ካብ ሶማልያውያን ትውለድ ኮንግረስዉማን ኢልሃን ዑማርን ዝሓቖፈ`ዩ ኔሩ።

ሚስ ኬረን ባስ፡ ዋሺንግተን ዲሲ ምስ ኣተወት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሓ ባእሲ ዘወገደ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ለውጢ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብባይቶ ኣሜሪካ ናብ`ተን ሃገራት ፈላማይ ዑደት ምክያዱ ትርጉም ዘለዎን ጠቓምን`ዩ” ኢላ።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ዓፈና ፖለቲካ ዘወግድ ሓያል ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ሒዙ`ሎ ዝበለት ካረን ባስ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍትሑ፡ መራኸቢ ብዙሃን ክፉታትን ናጻን ከምዝኾኑ ምግባሩን ካብ ኣባላት ካቢንኡ ፍርቀን ደቀንስትዮ ምሻሙን ርኡይ ለውጢ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ሚንስተራትን ተራኺባ ምምይያጣ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንመጻኢ`ውን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ለውጢ መንፈስ ብቐረባ ከም ትከታተሎ ሓቢራ።

ሚስ ካረን፡ኣተሓሒዛ፡ ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ከምትድግፍን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወረደ ሰላም ዝያዳ ንክሕይል ከምትሕግዝን ኣፍሊጣ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዙ፡ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ፡ ምስ ሰበስልጣን ቁምነገር ዘለዎ ምይይጥ ከምዘካየደ ካረን ባስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ`ላ።

ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ኣተሓሒዛ ምስ ጉጅለኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ኤርትራ ናብ ለውጥን ስግግርን ክትኣቱ ከምዘለዋ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተዘራረቡን፡ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ብዛዕባ ዝብሃል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ሰበ-ስልጣን ብንቕሓት ምክትታል ከምዝግብኦም፡ ከምኡ`ውን ሲቪላዊ ናጽነታት ናይ ምኽባር ስጉምትታት ከወስዱ ምትሕስሳባ ገሊጻ።

ካረን ብተወሳኺ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ንኽስደዱ ምኽንያት`ዩ ዝበለቶ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝመኸረትሉ ኣፍሊጣ።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብወገኖም፡ ናይ ኤርትራ ኩነታት ፀጥታን ድሕነትን ምምሕያሹ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምሕያሽ ንምምጻእ ንፖሊሲታት ሃገሮም ኣብ ምግምጋም ከም ዝርከቡ ከም ከምዝነገርዋ ካረን ባስ ኣብ`ቲ መግለጺኣ ሓቢራ። ንሳ ብተወሳኺ እቲ ዝመረሓቶ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ተራኺቡ፡ ምዝርራቡን፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ተስፋኦምን ከምዘዕለልዋ ገሊጻ።

ምስታ ጉጅለ ልኡኽ ንኤርትራ ዝተጓዕዘ ካብ ኤርትራውያን ዝተወልደ ሓዲሽ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰ`ውን፡ ኣብ`ቲ ከባቢ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራሲያዊ ለውጥታትን ንምሕጋዝን ምስ መሳርሕቱን ምስ ቤት-ዕዮ ወጻእን ከም ዝሰርሕ ኣመልኪቱ።

ትውልደ ሶማልያ ዝኾነት ኮንግረስዉማን ኢላን ዑማር ብወገና፡ ሰላም ዘስተማቕሩ እቶም ሕሰም ኩናት ዝፈልጡ`ዮም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ኩነታት ዝድነቕን ዘሓጉሳን ምዃኑ ገሊጻ`ላ።

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ-ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ ብሓፈሽኡ፡ ኣሜሪካ እዚ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ኣወንታዊ ምንቅስቓስ ትድግፍ ምዃና፡ እዚ ናይ ባይቶ-ተወከልቲ ዑደት ሓያል መረጋገጺ`ዩ ኢላ ።

ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ክልእኽ ድሕሪ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ`ዩ። ሽዕኡ ኣስመራ ዝኣተወ ብኣቦመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ናይ ኒው-ጀርሲ ኮንግረስማን ዶናልድ ፐይን ዝተመርሐ ልኡኽ `ዩ ዝነበረ።




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events