Basic

****ኪር ኪር ዶ ንበል**** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 08 March 2019

****ኪር ኪር ዶ ንበል****
ኣስናንና ጫሕ ኣቢልና ፥ ክርትም ብሰሓቕ
ጭድድ ፍንጭሕ  ፥ዶ ንበል ብዘይ ምብቃቕ
ድምጺ ሕሉቓት ፥ዓተግተግ እንዳበለ 
ከመይ ዘይንስቕ ፤ሽኩሽኳ እንዳረኣና ጽላለ

      ዕምሪ መዋሊቶም ፥ኣብ ሳንዱቕ ምስ ተገንዘ
ናይ ጻዕረ ሞት ክነብሑ፤ እንዳሰማዕና  ዜማ ኑዛዘ
ክርትም ንብል እንበር ፥ንስሕቕ ክሳብ መዓንጣና ዝቆስል
ሰብ ሕሙስ ቅኒት ፣ብላሕታት ድምጾም እንዳበሉ ይኣክል

        ኣበይ ደኣ ነይሮም ፥በዓል ጽንግሊል 
መሬት ዓደ ዶኦም ክውረር ፥ከም ዘይበሉ ዕልል
ህዝቦም ክእግዱ ፤ ዘብ ዘብ ዶ ኣይነበረ ንጀነቫ
ኣዋሳ ደብረ ዘይቲ ሎኽ ሎኽ ፥ዶ ኣይተባህለን ኣዲስ ኣበባ

      ንሞቕሽሽ ንዕስበት  
      ንጉንዖ ሃነፍነፍ ንሹመት
      ምልቅልዋጥ፥ዳስ እንዳማትካ ከተጣቕዕ
   ሕጂ ናይ ይምሰል፣ንብዓት ሓርገጽ ክትነብዕ
     
ንሶም ሕርር ክብሉ ፥ንሕናን  ብሰሓቕ ክርትም
መሬት ምስ ከርነበቶም ፣ምስ በሉ ሕልምልም
ሰብ ዲጂታል፥መልቀስ መዋሊቶም ዋይዋይታ
ይግዕሩ ኣለዉ ሓሻካ ፥ይልፍልፉ እንቀዓ ገበታ
     
     ይኣክል በዓል ቀርዲድ፥ ከብቲ ምስ ሓለቐ
ቆርበቱ ተቐሊጡ ፥ደሙ ምስ ዝጸንቀቐ
ኣበይ ኢኹም ክትለሓጉ፥ኣንቱም በዓል ከርሰ ቁማጠ 
በዓል መስከብ ሽለት ፥በዓል ሓለሰ  መሸተ

        ኣንቱም ሓታላት ፣ብኽብሪ ሃገር ትዋገዩ
ስሙር ህዝቢ ፥ኣንኳን ንዓኹም ሓያላት እንድዩ ኣጽርዩ
ኣንኳን ዶ ዕንጓልኩም ዘየጽረኹም፥ ዕፈፈት ዘየርገፉ
እንባ መግዛእቲ እንድዩ፥ ነዉ ሓነው ኣቢሉ ኣጽዲፉ

       መስሓቕ ጣቃኹም ፥ እንብዛ እንተዋጠየ
እዚ ህዝቢ ክንደይ ኣረብሪቡ ፣ ክንደይ ሕሰም ዘየጽሓየ
ኣበይ ደኣ ኔርኩም  ፥ዘመነ መኸተ ክተት ብድሆ
ዋጦት ዘመንና ገዓርቲ  ለፍለፍቲ ፥ ዕሱባት ሕምቱላት ኣርሆ

      ሕጂ ኣማውትና፥ ምስ በልኹም ሰብ ዲጂታል
ድምጾም ተቃልሑ ፣ድምጺ ኣዛብእ ቀትሪ ናይ ሕሉቓት ቃል
 ስዉእ ኣራኺስኩም፥ ባንዴራ ጀጋኑ  ብምቅጻል
ኣንቱም ነውራማት ፥ዕምሪ ምስ ተጸንቀቐ ድዩ  ይኣክል ዝበሃል

       ይ ኣ ክ ል እወ ብሽም ሃገርን ህዝብን፡ምንጋድ
ይ ኣ ክ ል  እምባጋሮ ፥ ንህውከት ተላኢኽካ ምንብድባድ
ላህጃኹም እኳ ዘየጽረኹም ፣እዙይ ብዙይ ላውዙይ  ሕዚ
ዲጂታላውያን ሕንዚዝ  በዓል ድዱዕ መልሓሶም መርዚ

       ሕጂ ዝለመድኩሞ ምንቅልዋጥ ጻሕልኹም ምስ ተሰብረ
ሕሱም እዋን የሕሊፍና  ሑቖ ከዳሚ ምስ ተሰብረ
ሰጥ ለበጥ ምስ ኮነ፥ ኣብ ሕልምልም  ምስ ዝዝኽተመ
ናይ ኢንተርነት ወደኽደኽ  መዓስ የስርሮ ንዝሞተ ወያነ

      ይ  ኣ ኽ ለ ኩ ም  ብዕስበት ምስሳይ 
ይ ኣ ኽ  ለ  ኩ  ም ብማዕዶ ምውርዛ ምውጣይ
ይ  ኣ  ኽ  ለ ኩ ም  ወናጭል ገደና  
ሕዛላት ርራዋት ኣብ ዝባን ጋውና

      ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
         ጀርመን
         7/3/ 2019


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events