Basic

(ሓዳስ ኤርትራ) ሓተታ፥ ሃናጽን ንጡፍን ጽምዶ ንዞባዊ ርግኣትን ዕብየትን!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 09 March 2019

ሃናጺን ንጡፍን ጽምዶ ንዞባዊ ርግኣትን ዕብየትን!


ሓዳስ ኤርትራ      9 መጋቢት 2019 

ብ3 መጋቢት 2019 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ከምኡ’ውን ንጽባሒቱ 4 መጋቢት፡ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝፈጸሙዎ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን’ዚ እዩ። እዚ ርክባት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ-ኣበባ፡ ጅዳ፡ ጎንደር፡ ሞቓድሾ፡ ናይሮቢ ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ርክባት ኮይኑ፣ ሃገራት’ዚ ዞባ፡ ሰላምን ጸጥታን ከባቢአን ብምውሓስ፡ ብሽርክነትን ተመላላእነትን፡ ንዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት ባይታ ክጸርጋ ወሲደንኦ ዘለዋ ሓድሽ ተበግሶ ንምድልዳል ዝዓለመ እዩ። 

ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ከባቢ ናይ ዓለምና ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ-ባሕሪን፡ ብኣቀማምጣኡ ጥራይ ዘይኮነ ብብዝሒ ህዝቡን ባህርያዊ ጸጋታቱን፡ ንዕብየትን ምዕባለን ገዚፍ ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎ ዞባ እኳ እንተኾነ፡ ብሰሪ ዘቤታዊን ዞባዊን ድኻማት፡ ከምኡ’ውን ነዚ ድኻም’ዚ ዝመዝመዘ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት፡ ንነዊሕ እዋን፡ ካብ ሽርክነት፡ ሓባራዊ ዕብየትን ልምዓትን ተሓንኲሉ፡ ብፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላዋት፡ ብኣዕናዊ ኲናት፡ ግጭታትን ሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ እዩ። 

ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ካብ ከምዚ ዓይነት ዘይርጉእ ሃዋህው ወጺኦም፡ ኣብ ትሕቲ ውሑስ ሰላምን ጸጥታን፡ ዘለዎም ዕቑር ዓቕሚን ጸጋታትን እናተመላልኡ ብውህደትን ኣድማዕነትን ክጥቀሙሉ ዘኽእሎም ባይታ ንምፍጣር እምበኣር፡ ብቐዳምነት ብደረጃ ነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ ውሽጣዊ ርግኣትን ስኽነትን ምርግጋጽ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብሓባራዊ ጻዕሪን ምድግጋፍን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ብምውሓስ፡ ናብ ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ሽርክነትን ውህደትን ምቁማት፡ ቀዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ፡ መድረኻዊ ሓላፍነት መንግስታት ዞባና እዩ። 

ርግጽ’ዩ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ውህደትን ብሰናይ ድሌትን ትምኒትን ጥራይ ብቐሊሉ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ግዜን ብዙሕ ረቛሒታትን ዝጠልብ፡ ደረጃ ብደረጃ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት በበይኑ መልክዓት እናሓዘ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዳይናሚክስ ዝምዕብል እዩ። ብናጻ ወይ ዝተሓተ ቀረጽ ንግዳዊ ልውውጥ ምትብባዕ፣ ናጽነት ምንቅስቓስ ሰባት ዘውሕስ ቅጥዒታትን ሕጋጋትን ምትእትታው፣ ቁጠባዊን ንግዳዊን ፖሊሲታትን ሕጋጋትን ብምጥዕዓም፡ ሓባራዊ መደባት ልምዓትን ወፍርታትን ብምትግባር ድማ፡ ናብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምና ተፈጢሩ ዝርከብ ደረጃ ውህደትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ምብጻሕ ይከኣል። 

እዚ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሲደንኦ ዘለዋ ተበግሶ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተሓላላኸ ፖለቲካዊ ኩነታትን ናይ ነዊሕ እዋን ማህሰይቲን ድሕረትን ሕጂ ዝጀማምር ዘሎ ብምዃኑ፡ ክህሉ ዝኽእል ብድሆታታት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ምስናይ ክብደቱ ግን፡ ካብቲ ዝጸንሐ ሕንኩር ሃውህው ወጺእካ ማእዝን ምስትኽኻል መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ እዩ። ዞባና፡ ብዓቕልን ትዕግስቲን፡ ብሓባራዊ ጻዕሪን ሃናጺ ጽምዶን፡ ካብ ዞባ ግጭትን ቅልውላውን ሽበራን ግድን ናብ ዞባ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ክቕየር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ንክኸውን፡ መንግስታት ዞባና፡ ሰፊሕ ኣጠማምታን ሓባራዊ ኣመለኻኽታን ብምምዕባል፡ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ብቅንዕናን ብንጥፈትን ምስራሕ የድልዮም። 

ከም ኣካል ናይዚ ተበግሶ’ዚ፡ እቲ ብዙሕ ኣበርክቶ፡ ብቕዓትን ኣድማዕነትን ዘይጸንሖ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣድላይነቱን ተራኡን ብዕቱብ ምግምጋም ዘድልዮ እዩ። ኣድላይነቱን ተራኡን እንተድኣ ተኣሚኑሉ ድማ፡ ዕላማታቱን ዕማማቱን ነጺሩ፡ ቅርጹን ውዳበኡን ዳግም ተኸሊሱ፡ ስማዊ ውድብ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ኣብ ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን፡ ቁጠባዊ ውህደትን ተመላላእነትን ዞባና ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ናብ ዝኽእለሉ ደረጃ ክምዕብል ክኽእል ኣለዎ።

ሃገራዊ ቻርተርና፡ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ናጽነት፡ ምኽባር ልኡላውነትን ሃገራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ፖሊሲ ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኤርትራ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ብዓቕማ ኣበርክቶ ክትገብር፡ ምስ ኩሎም መንግስታትን ሃገራትን፡ ኣብ ናጽነትን ምዕሩይ ሽርክነትን ዝምስረት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ክብርን ዝሕሉ፡ ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ክትሰርሕ ከምዝግባእ ኣነጺሩ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ነዚ ፖሊሲ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራ ምስ ኩሉ’ቲ ዝሰገረቶ ከቢድ ብድሆታትን ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስግዳድ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፋሕሰ እልሞታትን፡ ነዚ ሰፊሕ ኣመለኻኽታ’ዚ ንምስራጽ፡ ምስ ደለይቲ ሰላምን ምዕባለን ብምትሕብባር፡ ዞባዊ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምርግጋጽ፡ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ሽርክነትን ዜደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብዓቕማ ክትጽዕረሉ ጸኒሓ እያ። ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዞባ ተቐልቂሉ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝብታት ዞባና እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ሰላምን ፍትሒን ዝጠልብ ንቕሓትን ናብ ሓባራዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘቋምት ባህጊን ተኣሳሲሩ ድማ፡ እዚ ካብ ቅድም ኣትሒዛ ኤርትራ ክትብህጎን ብውሱን ዓቕማ ክትጽዕረሉን ዝጸንሐት ቅኑዕን ሰጓሚን ኣመለኻኽታ’ዚ፡ ተቐባልነቱ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። 

ናይ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን ተገዳስነትን ተበግሶን እናደረኾ ብዝኸደ መጠን ድማ፡ ውጽኢቱ ንህዝብታት ዞባና ክሳብ ክንደይ ኣርባሒ ከምዝኸውን ንምግማቱ ኣየጸገምን። ሃናጺን ንጡፍን ጽምዶ - ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና! 




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events