ነቲ ሰሚናራት ዘካየዱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ሳላ ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ከምእተረጋገጸ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ መስመር፡ ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ሓያል ህዝብን ግንባርን ከምዝኾነ ገሊጾም።
ኣካየድቲ ናይ'ቲ ሰሚናራት፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ካብ ግሉጽ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዝዝርጋሕ ኩሉ ዓይነታት ተጻብኦ ከምዘጋጠማ፡ እቲ ዕላማ ድማ፡ ልኡላውነታ ብምድፋር፡ ንህዝባን መንግስታን ንምብርካኽ ምንባሩ ገሊጾም።
ዓመተ 2018፡ ህዝቢ ኤርትራ ብረዚን ቃልሱን ሓያል መኸተኡን ዓወት ዘረጋገጸላ ታሪኻዊት ዓመት ምንባራ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ፡ ንኹሉ ዝተጸመመን ዝተጻወረን ዜጋ፡ ናይ ሓበን፡ ኩርዓትን ሞጎስን እዋን ከምዝኾነ ኣነጺሮም።
ተሳተፍቲ፡ እዋናዊ ሓበሬታን ሰሚናራትን ንህዝቢ ኣብ ግዜኡ ክወሃብ፡ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዝያዳ ጠመተ ክወሃቦ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማት ክልለዩን ንምፍዋሶም ስጒምቲ ክውሰድን፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።