Basic

(ሚኒስትሪ-ዜና) ሰሚናራት ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 23 March 2019

ሎሚ፡ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡባዊ ቀ/ባሕሪ፡ ደቡብን፡ ጋሽ ባርካን፡ ተኣትዩ ኣብ ዘሎ ሓድሽ መድርኽ ሰላምን፡ ኣብ 2019 ብመንግስቲ ቀዳምነታት ተዋህብዎም ዘሎዉ ልምዓታዊ መደባትን ዘተኮሩ ሰሚናራት ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ተኻይዶም




ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ብቐንዱ ድማ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ሰላምን ኣብ 2019 ብመንግስቲ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዘለዉ ልምዓታዊ መደባትን ዘተኰረ ሰሚናራት፡ ሎሚ 22 መጋቢት ኣብ ኣስመራ፡ ዓሰብ፡ መንደፈራን ባረንቱን ተኻዪዱ።


ነቲ ሰሚናራት ዘካየዱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ሳላ  ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ከምእተረጋገጸ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ መስመር፡ ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ሓያል ህዝብን  ግንባርን ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት  ናይ’ዚ ዞባ እትገብሮ ዝምድናታት ይኹን ስምምዓት፡ ንሉኣላውነታን  መሬታዊ ሓድነታን ከምኡ’ውን ባሕራውን ኣየራውን  ግዝኣታ ዘኽብርን ኣብ ንጹር ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ኣገባባትን  ዝተመርኰሰ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮምሉ

ምስራሕን ምስፋሕን መስመራት  ጽርግያ፡ ምስፋሕን ምምዕባልን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን፡ ምጅማር ምህናጽ  ኣባይቲን  ምምዕባል ስርዓት ሃገራዊ  ኣገልግሎትን፡ ካብቶም ኣብ 2019ን 2020ን ተታሒዞም ዘለዉ ዓበይቲ መደባት  ምዃኖም ድማ  ኣረጋጊጾም።






ነቲ ሰሚናራት ዘካየዱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ሳላ ጽንዓትን  መኸተን  ህዝቢ ኤርትራ ከምእተረጋገጸ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ መስመር፡ ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ሓያል ህዝብን ግንባርን  ከምዝኾነ  ገሊጾም።

ኣካየድቲ ናይ'ቲ ሰሚናራት፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ካብ ግሉጽ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዝዝርጋሕ ኩሉ ዓይነታት ተጻብኦ ከምዘጋጠማ፡ እቲ ዕላማ ድማ፡ ልኡላውነታ ብምድፋር፡ ንህዝባን መንግስታን ንምብርካኽ ምንባሩ ገሊጾም።

ዓመተ 2018፡ ህዝቢ ኤርትራ ብረዚን ቃልሱን ሓያል መኸተኡን ዓወት ዘረጋገጸላ  ታሪኻዊት ዓመት ምንባራ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ፡ ንኹሉ ዝተጸመመን ዝተጻወረን ዜጋ፡ ናይ ሓበን፡ ኩርዓትን  ሞጎስን እዋን ከምዝኾነ ኣነጺሮም።

ተሳተፍቲ፡ እዋናዊ ሓበሬታን ሰሚናራትን ንህዝቢ ኣብ ግዜኡ ክወሃብ፡ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዝያዳ ጠመተ ክወሃቦ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማት ክልለዩን ንምፍዋሶም ስጒምቲ ክውሰድን፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።







EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events