Basic

***ንሕና እኮ ኢና ንሕና *** ብተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 13 April 2019

***ንሕና እኮ ኢና ንሕና ***

መላግቦ ዕትብትና ፥መላግቦ ሃገራዊት ማህጸን
ውህደትና ማይን ጸባን፥ቁኒን ምስ መፍተል ዝቋረን
ኣብ ዝሃለና ሃሊና ብሓድነትና  ስምረትናን እንምዘን
ንሕና ንሕና ኢና ቋንቋና ኣበደን ፥ዝርገትና ንዝፈታተን

       ሓንቲ ማሕላና ፥ሰብ ቁርኣንን ዳዊትን
ሰብ ሳላን ጎግዓን ፥ሰብ ደብርን መሳጊድን
ዘይንነጻጸል ሓንቲ ፥ፈትሊ ጥዋፍን ስምዕን
ሰብ ዋልታን ሴፍን ፥መዓስ ኮንና ሕቖን ከብድን

       ንሕና እኮ ንሕና ኢና 
ስታይና ሓደ ዒላ ፥ሰብ ሽያኽ ሓንቲ ሩባ
ባይቶና ባይቶ ስሙር ህዝቢ፥ኣብ ራህዋ ጸበባ
ንቕሎና ሳቦያ፥ብዘይ ነጋሪት መስርዕ ንቀዳደም
ሕላገትና ብድሆ መኸተ ፣ንሪም ንረማረም

       መንቅብ ተኣሊሙ ፥እከይ እንተተፋሕሰ
ተንኮል ተጠዝጂኡ ፥ሕሱም ግዜ እንተበኣሰ
ንሕና ንሕና ኢና ፥ኣብ ጽንኩን እንምንጉድ
ብሓያል ቀጽዕና ፥ምኩሓት እነስግድ 

       እዋን እንተሓሰመ ፣ንስሕለትና መብረድ
መልስና ንተብዕ ፣ነምክን ቀረድ መረድ
ኣብ ፈተን ንሕይል ፣ብሓድነት ንሰምር
ኣብ  ቅርዓት ሃገር ፥ኣብ ቀጽሪ ዛሬባኣ ንመክር
  
      ኣብ ግንባር ንህሉ ፥ኣብ ወሰናስን ሓለዋ
ኣብ ህንጸት ንጽመድ ፥ ንትግብር ሕድሪ ለበዋ
ኣብ ስደት ንሃሉ ፥ዓዲ ጓና ዲያስፖራ
ንሕና ንሕና ኢና ፥ደቂ ሓላል ኤርትራ

     ነሲሕና ንዓይይ ፥ትጉሃት ኣብ ውራዮም
ምስጢር ዝኾና ፥ነዛ ስግንጢር ዓለም
ዕሙር ዳስና ፥ሃገር ሃገር ዝሽትት
ኣብ ዝሃለና ሃሊና ፥ንስኢላ ንምክት

    ኤርትራውያን ኢና ፥ደቂ ራብዓይ ግንባር
ደቂ ትሽዓተ ብሄር ፥ጽምዶና ንሓባር
ታቦትናን መስጊድናን፥ ስለ  ሃገር ዝጽሊ
ማህሌትናን ቁርኣንና፥ዶግዓናን ዳዊትናን የለን ዝፈላሊ

      ትማሊ ሎሚ ዘንትእለት
ጽኑዓት ኣብ መትከሎም ፥ሕጂ ውን ዘበት ስጡማት 
መሳርዕ ፥ዕርፎም ዘጽንዑ ዘስንዉ
ኤርትራውያን ኢና፥ ኣብዑር ናብቲ ናብቲ ይነነዉ

     ዓወት ንሓፋሽ
     ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
      ጀርመን
    13/4/2019


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events