Basic

BBC.com: ተኪኤ በየነ፡ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ እዩ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 15 April 2019

  •  
ተኪኤ በየነImage copyrightDM
ናይ ምስሊ መግለጺተኪኤ በየነ

ተኪኤ በየነ ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ነበርን፡ ገዲም ተጋዳላይን፡ ደራስን፡ ተርጓምን፡ ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን ብዝሓደሮ ሕማም፡ ትማሊ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።

  • 15 ኤፕረል 2019

ኣቶ ተኪኤ ከም ኣቦ-ወንበር ኢራ፤ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ከምኡ'ውን ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ብተወሳኺ፡ ተኪኤ በየነ ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ትብል መጽሓፍን ፤ ሶፍያ ትብል ትርጉም ፍልስፍናዊት መጽሓፍ ንንባብ ዘብቐዐ ስነ ጥበበኛ ኮይኑ፡ ኣድነቕቱ ከም ትጉህን ጻዕራምን ስነ-ጥበበኛ ገይሮም ይገልጽዎ።

ቅድም ክብል ብዛዕባ "ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ" እንታይ ማለት'ዩ? ብዝብል ዘዳለናዮ ጽሑፍ ካብዚ ንታሕቲ እነሆ፡

ግረይ ላይን

ብዛዕባ ተኪኤ ዝፈልጡ ሰባት እቲ መጀመርያ ዘልዕሉዎ ዛዕባ በታ ኣብ ኣቕራሽ ናቕፋ ዘንበሮም ክታሙ'ዮም ዝዝክርዎ … ሽዑ ዳይረክቶር ናይ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ስለ ዝነበረ።

"ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ" ዘርእስታ፡ ተኪኤ በየነ ዝደረሳ መጽሓፍ ምንባብ ኣብ ሓደ ፍሉይ ጕዕዞ-ሓሳብ ምእታው ማለት'ዩ። መሐደስ-ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነትስ ንኣንባቢ ብዙሓት ሕቶታት ንነብሱ ንክሓትት እትቕስቅስ መጽሓፍ'ያ።

እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፡ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ'ዩ ዝግንዘቦ?

ተኪኤ ብዛዕባ ዛንታታት ብረታዊ ቃልሲ ኣይኰነን ጽሒፉ። ብዛዕባ ካልእ ዝዓይነቱ ቃልሲ'ዩ ጽሒፉ። ኣብ ሓዳርና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ሕልናና ብኸውሊ ዝካየዱ ዝነበሩ ቃልስታት'ዩ ኣዘንትዩ።

ኣዴታት ጨቖቕ ኢለን ዘዕበየኦም ደቀን ገገዲፎመን ሞሊቖም ንሜዳ ክኸዱ፡ ኣቦ ደቁ ራሕሪሑ ንኽቃለስ ዝወፍረሉ ዝነበረ እዋን ከመይ ይመስል? ተመሃሮ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም፡ ናይ መጻኢ ዕድላቶም ረሺኖም ሃገረይ ክብሉ ንሜዳ ክዕዘሩ ከመይ ይመስል ነበረ?

ብዙሓት ዓቢ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት፡ ከም ተኪኤ ብሃገራዊ ስምዒት ተተንኪፎም ኣደዳ ሞትን ማእሰርትን ይኣትዉ ምንባሮም ሰብ-ሎሚ ይዝክርዎዶ ይዀኑ?

ተኪኤ'ምበኣር ብዛዕባ'ቲ ሽዑ ዝነበረ ጨካን እዋን - ጥፍኣት፡ ማእሰርቲ፡ ክሳራታት፡ ሓጎጽጐጻት፡ ናይ ሕልናን ኣእምሮኣውን ነውጺ - ብምዝካር ሰብ ጠኒኑ ኣብ ሓዊ ዝኣትወሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ኣዘንትዩ። እዚ ዛንታ'ዚ ምስ ዛንታ ብረታዊ ቃልሲ ይተኣሳሰር'ምበር ብመሰረቱን ዓይነቱን ካብኡ ዝተፈልየ ኢዩ።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ሓሳብ ኤርትራውያን ኣምር-ሃገራውነት ከመይ ኢሉ ከም ዝሰረጸ፡ ሃገራውያን ቅድሚ ንሜዳ ምውጾኦም እንታይ ዓይነት ዕዳ ከም ዝኸፈሉ፡ ኤርትራውያን ከኣ ተለኻኺሞም ኣብ መዋጥር ኣትዮም ክነሶም ኣስናኖም ነኺሶም ንዅሉ ውሒጦም ከመይ ኢሎም ከም ዝሓለፉዎ ዘዘንትቱ መጽሓፍ'ዩ።

"ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ" ማለት "ዕማኾ ናይ'ቲ ዓቢ ታሪኽ" ከም ማለት'ዩ። እታ መጽሓፍ ተኪኤ ኣብ ጕዕዞ ህይወቱ ዘጓነፎን ዝተሞኰሮን ሓቀኛ ተዘክሮታቱ እያ ሓቚፋ ዘላ። ኣብ መእተዊ እታ መጽሓፍ ተኪኤ፡

ኣፈይ ትም ኢሉ - ኢደይ ክኰላለስሉ፡

ህይወት ዝኸፈለ ከሎ - ናይ በዓል ዕዳ ኣውሎ፡

ክሳብ መዓስ! ግን ሕሩመይ ከይጥዓስ! ብዝብል ግጥሚ እያ ትጅምር። በዚ ከኣ ተኪኤ ኣብ ግጥሚ እውን ፍሉይ ክእለት ከምዘለዎ እዩ ዘርኢ።

እዛ መጽሓፍ እቲ ዝዓበየ እትቕስቅሶ ሕቶ 'ሓቀኛ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ከመይ ነበረ?' ዝሕብር እዩ። ኣብ ገድሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ቅያታት ብዙሕ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ግን ብፍላይ ብኸምዚ ናይ ተኪኤ ብቐዳማይ ኣካል፡ "ኣነ ነይረ፡ ውዒለ!" ብዝዓይኑ ምስክርነት ብኸምቲ ዝግበኦ ኣይተጻሕፈን - ኣይተሰነደን። ዝበዝሑ እቶም ዝዓበዩ ዓቕሚ ዘሎዎም ጸሓፍቲ ኤርትራውያን ኣይጸሓፉን - ግን ስለምንታይ? ነብሲ ወከፍ ሰብ ምሳሉ ክህበሉ ይኽእል እዩ።

ካብ ሪቕ ሕፍንቲ

ብተኪኤ በየነ

ቤት ማሕተም - ሳቡር

ዝተሓትመሉ ዓመተ ምሕረት፣2009

ብዝሒ ገጻት፣ 286

ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ምስተሓትመት፡ ተኪኤ፡ ብብዙሓት ተሞጒሱ ብነቔፌታ ዝገጠምዎ እውን ነይሮም'ዮም። ሓደ መጽሓፍ ምስተሓትመ ክንቀፍን ክምጎስን ንቡር እዩ - ብፍላይ ብቕኑዕ መንፈስን ሓሳብን እንተኾይኑ ቅቡል እዩ።

ንኣብነት ...

እቲ መጽሓፍ ንመሳቱ ተኪኤ ኣብ ዝሕልን ምውቕን ዓለም ተእትዎም፡ ነቲ ዝሰዓበ ወለዶ ኸኣ ካን ይገርሞ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ወለዶ ኸኣ መጽሓፍ-ምርሖት ትዀኖ ካብ ዚብል እምነት'ዩ ዚብገስ።

ንኣብነት ተኪኤ ብዛዕባ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝበጽሓሉ እዋን ከዘንቱ ኸሎ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ማለት'ዩ፡ ብሓቂ ትምህርታዊ'ዩ። ንምዃኑ ኣማን ዓንዶም ትውልዱ ኤርትራዊ፡ ዝዓበየሉ ቦታ ሱዳን፡ እምንቶኡ ግን ኢትዮጵያዊ ዝነበረ ሓያልን ክቡርን ወትሃደር'ዩ ነይሩ።

ኣማን ዓንዶም ከመይ ኢሉ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ደርጊ ከም ዝደየበ፡ ኣብ ኣስመራን ከረንን ከይዱ ንህዝቢ ኢትዮጵያነቱን ኤርትራውነቱን ከመይ ኢሉ ከም ዝገለጸ፡ ድሒሩ ብደርጊ ከመይ ኢሉ ከም ዝተቐትለ ደቂ-ዘመን ኣይፈልጥዎን'ዮም። እቲ ናይ ሽዑ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ቀሻሺ ከም ዝነበረ የርኢ።

ባዕሉ ተኪኤ ከም ዝበሎ፡ ታሪኽና ብግቡእ እንተዘይተሰኒዱ ቀስ ኢሉ ናብ ጽውጽዋይ ክልወጥ'ዩ። ሰባት ስክፍታን ሕንከትን ፍርህን ጥሒሶም ዘሎዎም ዕቑር ዛንታት ከበርክቱ እንተ ዘይክኢሎም ኣብ ሕብረተሰብና ግዙፍ ጸገም ክፈጥር'ዩ፣ ንዘይተማህረ ሰብ እኳ ኣይተሓዞን፣ እቲ ምሁር ኣካል ብምስቃጡ ግን ነቲ ንታሪኹ ጌና ዘይተረከበ ህዝቢ ይብድሎ ኣሎ ማለት'ዩ።

'ኣነ' ብመንጽር 'ንሕና'

ተኪኤ በየነImage copyrightDM
ናይ ምስሊ መግለጺተኪኤ፡ ካብ'ቶም ኣብ ቅድሚት መስርዕ ዘለዉ፡ ካብ ጸጋም ሳልሳይ - YMCA ንምምስራት ዕዙዝ ተራ ዝተጻወቱ ደቀ'ስመራ

ተኪኤ በየን ብዛዕባ ቅድምን ድሕርን ዘመን ንጉስ ሃይለ ስላሴ፡ ዘመን ደርጊ፡ ማለት ብረታዊ ቃልሲ እናተኻየደ፡ ኣብ ከተማታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየዱ ዝነበሩ ምስጢራውያን ስርሒታትን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣስተዋጽኦታትን፡ ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ መስተንክር ዝዀኑ ዛንታታት ኢዩ ኣዘንትዩ።

እዚ ክኢላ ጸሓፋይ 'ኣነ' ብዚብል ቅዲ-ጽሑፍ (ኣነ ዚብል ምዱብ ተውላጠ-ስም ተጠቒሙ) ስለ ዝጸሓፈ ዓገብ ዝበሉዎ ነይሮም'ዮም። ስለምንታይ? ብእዋን ሰውራ ዝተኣታተወ ቅዲ 'ንሕና' ስለ ዝዀነ። 'ኣነ' ይዅን 'ንሕና' ወዮ ንተኪኤ ደር'ቦ ክንብሎ ምተገብአ!

ጽንሰ-ሓሳብ 'ንሕና' ንብዙሓት ጸሓፍቲ ናይ ምጽሓፍ ሸውሃቶም ክዓጽዎ ይርከብ። እዚ ኸኣ ሰባት ብሕታዊ ጸብጻብ ህይወቶም ንኸየቕርቡ ስለ ዝዕንቅጽ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 'ኣነ' ካብ 'ንሕና' ፍቓድ ንክሓትት'ዩ ትጽቢት ዝተነብረሉ ይመስል።

ካብ ሪቕ ሕፍንቲImage copyrightDM

ዋና ታሪኽ ኤርትራ መን'ዩ?

ታሪኽ ህዝቢ፡ ናይ ህዝቢ ድኣ'ምበር ናይ ስርዓትን መንግስትን ዘይምዃኑ ሓተታ ዘድልዮ ዛዕባ ኣይኰነን። ተኪኤ ነዚ ሓቂ'ዚ እዩ ኣመስኪሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ታሪኹ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ታሪኽ ናይ'ቶም ንሰውራ ኤርትራ ብሕቡእ-ስርዒታት ትንፋስ ዝመልስሉ ዝነበሩ ሰባት ኣወሃሂዱ ስለ ዘቕረበ።

ተኪኤ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ዝነበሮ ሓላፍነትን ሓለፋታትን ተኣልዩ ከምዚ ዓይነት ኩለንትናውን ሓቀኛን ዛንታ ብምቕራቡ ናእዳ ይግብኦ። ሓደ ሰብ ንምሉእ ታሪኽ ንበይኑ ክዓምም ከም ዘይክእል ብምርዳእ፡ ዘሎካ ተወከፍ ከኣ ስለ ዝዀነ፡ እታ ዓቕሙ ኣቕሪቡ እንሆ።

ህይወት ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሴን ደርግን ከመይ ከም ዝነበረ -- ጠለፋ ናጽነት ኤርትራ፡ ጽ'ጸያ ሃገራውያን (purge)፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ዋሕዚ መንእሰያት ንሜዳ፡ ብሰንኪ ቃልሲ ኣብ ወለ'ዲ ዝወደቑ ኣደራዕ፡ ህዝቢ ከመይ'ሉ ከም ዝተበጀወ፡ መነባብሮ ህዝቢ ከመይ'ሉ ከም ዝተፈናጥሐ ... ወዘተ. እትገልጽ መጽሓፍ'ያ።

ኵነታት ተኪኤን አዕርኽቱን ካልኦት ኤርትራውያንን ካብ 50ታት ጀሚሩ ክሳብ 80ታት ከመይ ከም ዝነበረ ምንባብ ኣብ ዉሽጢ ሕልና ኣንባቢ ማዕበል እተናውጽ መጽሓፍ'ያ፣ ምናዳ ኣብ ናቱ ዕድመ ዝርከቡን፡ ነቲ ክውንነት ድማ ከም ትሕቲ-ዕድመ መናእሰይ ኰይኖም ዝተዓዘቡን።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ኣይኰነን ተዋዲዱ -- ተኪኤ ከም ዘርኣዮ ልዑል ተወፋይነት ዝሓትት፡ ኣብ መስመር ጸላኢ ዝፍጸም ኣገባብ ቃልሲ ነይሩ - ብዙሕ ዘይተነግረሉን ዘይተጻሕፎን፤ ታሪኾም ከኣ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ።

"ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ኤርትራ ተኸሲቶም ዘሎዉ ግሁዳት ሽግራት ታሪኽ ብግቡእ ስለ ዘይተ'ሰነደ'ዩ" ይብል ኣሕመድ ኣል-ቀይሲ፡ ሓደ ካብ'ቶም ህቡባት መራሕቲ ቃልሲ።

ሕማም ስቕታ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንኣብነት፡ ብዛዕባ'ዚ ሃጓፍ ዘመን'ዚ ብዙሕ'ዩ ተጻሒፉ - ምስ ነቐፌታኡ'ኳ ድኣ። ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ተርእዮ ብስቕታ'ዩ ዚግለጽ ዘሎ።

መዘናታት ተኪኤ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ፡ በቲ ብቐጥታ ዝተሞከሩዎ ፍጻሜታት ብብዝሒ ከዘንትዉ እንተ ዝኽእሉ ነይሮም እቲ ናይ ሕጂ ወለዶ ብዙሕ ክመሃር ምኸኣለ።

እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ብዛዕባ ዘመነ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ይፈልጦ'ዩ ኢልካ ምዝራብ ኣየተኣማምንን፣ በቲ ዝሰዓበ ዘመን'ውን ከምኡ - ዘመን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ዝሰዓበ ሳልሳይ ዘመን፡ 'ዘመነ ድሕረ ናጽነት' ንምርዳእ እቶም ዝሓለፉ ዘመናት ምፍላጦም ኣድላይ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዘመነ 'ሓዳስ ኤርትራ' ብግቡእ ንምርዳእ ብዛዕባ ዘመን 'ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ' ዀነ ዘመነ ጋዜጣ 'ሕብረት' ምፍታሽ የድሊ። ተኪኤ'ምብኣር ብዛዕባ እቶም ክልተ ቀዳሞት ዘመናት'ዩ ብዓውታ ገሊጹ።

እቲ ቀንዲ ተራኺ ወለዶ ካብቲ እዋን ገድሊ ዝነበሩ ሰባት'ዩ ክመጽእ ነይሩዎ (ካብ ተጋደልትን ህዝብን)፣ ግናኸ መብዛሕትኦም ብስቕታ ተገዲዖም ከም ሓውሲ ኣሜንተኛታት ኰይኖም ተሪፎም ምባል ነውሪዶ ይኸውን?

ኣብ መቓቕሮ ክልተ ዉድባት

ተኪኤ ንበዓልቲ ኪዳኑ ምስ ሓሙሽተ ቈልዑ ገዲፉላ ራሕሪሑዋ ክኸይድ ... "ጕዳይ ሃገርዶ ይዓቢ ጕዳይ ቤተ-ሰብ?" ኣብ ዚብል ዉሽጣዊ መጐተ ተጸሚዱ ምንባብ ሕልና ኣንባቢ'ዩ ዚትንክፍ። ከም ሓቁ፡ "ሰብዶ ካብ ሕልንኡ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ፡ ካብ ፍቕሪ ስድራ-ቤቱ ክሃድም ይኽእል'ዩ?" ዘኣመሰሉ ዉሽጣውያን ሕቶታት በጨቕ ከም ዝብሉ ዀይኑ'ዩ።

እቲ ሽዑ ኣዝዩ ዓዚዙ ዝነበረ ሽግር ኤርትራውያን ከመይ ኢሎም ናብ ጀብሃ ይዅን ሻዕብያ ይስለፉ ከም ዝነበሩ'ዩ። እታ መጽሓፍ ህዝቢ ኣብ መንጎ ተቐርቂሩ ከም ዝነበረ ኣጕሊሓ'ያ ተርኢ፣ ተኪኤ ንባዕሉ ክሳብ ክንደይ ተቐርቂሩ ከም ዝነበረ ከዘንቱ ምንባብ ንልቢ ኣንባቢ ቅርጥማት ይፈጥረሉ። ካብ ሓደ ምድሪ-ቤት፡ ካብ ሓደ ኸባቢ፡ ካብ ሓደ ገዛ ገሊኦም ናብ ጀብሃ ገሊኦም ናብ ሻዕብያ ዝኸድሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ልቡ ሸፊቱ ስለ ዝነበረ መንግስቲ ደርጊ ክንደይ ግዕዘይ ይኣልም ከም ዝነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ልቢ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ከም ዝተኸፍለ - ህዝቢ ኤርትራ ፍርቁ ምስ ተሓኤ ፍርቁ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝነበረ።

.... ቍርጽራጽ ዛንታታት ....

እቲ ዛንታ ገድሊ ሰብኣዊ ሸነኻቱ ክትርእዮ ብሓቂ'ዩ ዜገርም። ዘይተነግረ'ምበር ዘይተገብረ ኣይነበረን። ንስድራ ክትፋነዎም፡ ወይ ከኣ ንስድራኻ ከይነገርካ ንሜዳ ንኽትስዋእ ምኻድ፣ ንቡር ሓዳሮም ገዲፎም ኣብ ሜዳ ክስለፉ ምርኣይ፣ ከድዓት ዘኸተሎዎ ስቓይን ማእሰርትን ምርሻንን፡ ጅግንነት ዝጠለቦ መስዋእትነት፡ ስቱራት ተጋደልቲ ዝረኽቦም ዝነበረ ምጾት... ወዘተ ከመይ'ሉ ይከናወን ከም ዝነበረ ምዝካር ልክዕ ከም ዜባህርር ሕልሚ'ዩ። ተኪኤ "ካብ ዉሽጢ ሕልና ፈልፊሉ ዚመጽእ ተወፋይነት'ኮ'ዩ" እናበለ'ዩ ዚገልጾ።

ኵሉ ዝተጋደለ ዘበለ ነናቱ ዛንታ ኣሎዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ዛንትኡ ስለ ዘይተሰነደ ዕላል ዀይኑ ተሪፉ። እንተ ተኪኤ ብዛዕባ እቶም ብሞያሌ ገይሮም ንኬንያ ዝኣተዉ፡ ገሊኦም ንሶማል ዝሰገሩ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝተረፉ፡ ኣብ ኣስመራ ዝተቐትሉ፡ ሓደ-ብሓደ ዛንትኦም ክነግር ከሎ ነቲ ታሪኽ ህያው ይገብሮ።

እቲ ዝዓበየ ማህሰይቲ ኣብ'ቶም ኣብ ስራሕ ዓለም ኣትዮም ዝነበሩ፡ ንዅሉ ራሕሪሖም፡ ንስድራና ክንከውን ከይበሉ፡ ንሃገሮም ክብሉ ኵሉ እንትናኦም ክውፍዩ ምርኣይ ዘገርም ተርእዮ ነበረ። ጕዳይ ሃገር ከካናውኑ ዝኣትዉዎ ዝነበሩ ሓደጋ፡ ዘጋጥሞም ዝነበረ ፈተነ፡ ከም ንቡር ወሲዶም በቓ ብትኽ ... ዕዝር ... ንመስዋእትነት።

ሰብ ፋሕ-ጭንግራሕ ኣትዩዎ ኔው ነጀው ክብል፡ ኣዴታት ምስ ቆልዑተን ካብ ዓዲ ንዓዲ ክስደዳ፡ ኤርትራውያን ነፈርቲ ክጨውዩ፡ ፊዳኢን ኣብ ከተማ ኣትዮም ተጻባእቲ ክቐትሉ፡ 'ኣነ ጥዑም እናበላዕኩ፡ ኣብ ዓራት እንደቀስኩ፡ መሳቶይ ከኣ ኣብ በረኻ' ዘስምዕ ንሕልና ዝድርኽ ዘመን'ዩ ነይሩ። እወ! ሕጂ ከም ዕላል ክትሰምዖ ቀሊል'ዩ።

ተኪኤ ብዛዕባ ፍስሃየ ኣፍሮ፡ ርእሶም ታርዛን፡ ሄርሽሚት፡ ቢሮክራሲ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣባላት ሓፋሽ ዉድባት፡ ከዘንቱ ብሓቂ'ዩ ንልቢ ኣንባቢ ዚምስጥ። ከተመኛ ንተጋደልቲ ደቁ ክርእን ክረክብን ኣብ ዘይፈልጦ ቀብርን ዉራይን ንግደትን ኣመሳሚሱ ኣብ ፈቐድኡ ይገይሽ ከም ዝነበረ ይነግረና።

ህዝቢ ክሕቈን፡ ኣዴታት ብዉሽጠን ክበኽያ፡ ኣቦታት ደቆም ከም 'ዝሸፈቱ' ንከይፍለጡ ደኒኖም ክኸዱ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዉጹእ ሻቕሎት ክኣትዉ ... እንታይከ ዘይተገብረ!

ዘመነ ትም ...

ተኪኤ ዋላ'ኳ ነብሰ-ግትኣት ኰነ ጸቕጢ-ከባቢኡ ስዒሩ ኣርኣያ እንተዀነ ብሓፈሻኡ ኣብ ኤርትራ ትም'ዩ ስዒሩ! ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበሩ ነባራት ተጋደልቲ ይዅኑ ኣብ ፈቐድኡ ተዘሪኦም ዘሎዉ ብዛዕባ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከዘንትዉ ይትረፍ ብኻልእ ከዘንትዉ እውን ኣይከኣሉን።

አረ ታሪኽ ገድሊስ ይትረፍ፡ ዛንታኦምን ኣብ ከባቢኦም ዝረኣይዎን ክምስክርሉ ዝኽእሉ ፍጻሜታትን ሒዞሞ ትም ዝበሉ ብዙሓት እዮም። ብዕድሜ እናደፍኡ እናክኸዱ ከኣ ዛንትኦም ምስኦም ይበሊ ኣሎ።

ምናዳ ነቲ ቃልሲ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ሰባት እቲ ሓይልን ብርተዐን ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልቲ ደቁን ዝገልጽ ዛንታን ፍጻሜታትን ንህዝቢ ክገልጽሉ ይግባእ። እንተኺኢሎም ባዕላቶም እንተዘይኪኢሎም ከኣ ዋላ ንደቆምን ዝኣምንዎም ጸሓፍትን ካካፍሉዎ ታሪኻዊ ግዴታ ኣለዎም። ትም ግን ኣይግድን!!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events