Basic

“ ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት ” ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 16 August 2019

“ ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት ” ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 

ነሓሰ 16, 2019



ሰማያት ኣስመራ ኣብ ጥሉል ወቕቲ'ዩ ቀንዩ። ቀትሪ ውዒሉ ዕራርቦ ዝቕጽል ዝናብ፡ ጀበብ ክብል ይሕድር። ምድረ ሰማይ ካብ መስታ በርቅን ነጉዳን ኣይተፈልየን። ልሙዕ ትርኢት ኣግራብን ኣቚጽልትን፡ ሳዕርን ቆጥቋጥን፡ ንመልክዕ ምድሪ ተወሳኺ ግርማ ኣልቢስዎ ይርአይ። ተበሃግን ተፈታውን ሃገራዊ መደብ፡ ምስ ዕዙዝ ትርጉሙን ረቂቕ ሓይሉን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቹእ ክሊማ ኢዩ ደበኽ ኢሉ፥ እቲ ማእከል ስሕበትን ምሉእ ውህደትን ዝውንን ቅንያት፡ ፈስቲቫል ኤርትራ።

ኤርትራዊ ፈስቲቫል እቲ ረቂቕን ተጨባጥን ፍረ ዝርከቦ፡ ሃገራዊ ንግደት ኢዩ። ትውፊታትን ማሕበራዊ ክብርታትን ዝሰጋገረሉ ሃገራዊ ድልድል’ውን ኢዩ። ሃገራዊ ማእከል’ዩ፡ ንኹሉ ኣብ ሓደ ዘራኽብ ቅርዓት። ክንዮ እዚ መግለጺ ዝዓሙቕ ምስጢራት ዝውንን ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ሎሚ ረፋድ ሰዓት ትሽዓተ፡ ብኽብ ዝበለ ወግዒ ተኸፊቱ።



ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣዘዘቲ ሰራዊትን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣምባሳደራት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ናይ ክብሪ ቆንስላት፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ካልኦትን ናብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዝካየደ ቀጽሪ ተረኽቡ።

 ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ንግሆ፡ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ተሰንዩ፡ ሪበን ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 በቲኹ።




ኣዳራሽ ቁጽሪ ሓደ ቀጽሪ ኤክስፖ G-1ን G-2ን ንምርኢት ኤግዝቪሽን ዞባታት’ዩ ተሓዚኡ። ሽዱሽተ ዞባታት፡ ንነናይ ገዛእ ርእሰን ቴማታት ዘንጸባርቕ ተሕዝቶታት ኣሰናድአን ንምርኢት ተኸፍታ። ብሓፈሻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዝርከብ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ሕርሻውን ቁጠባውን ዕድላትን ካልእን ዘጉልሕ ውከላት ኣቕሪበን። 

ምርኢት መጽሓፍቲ፡ ስነ ጥበብን ንዝተፈላለየ ንጥፈታት ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራን ብኤርትራውያን መሃዝትን ሰናዕትን ዝተዳለወ ምህዞን ፈጠራን ዘአንገደ ኣዳራሽ ኤክስፖ ቁጽሪ ሰለስተ ወይ G-3፡ ንኩባንያታት ዕደና ቢሻ፡ ዛራ፡ ቻይናዊት ኤሴፍኮ፡ ኣስመራ፡ ኩሊ፡ ፋንኮ፡ ኣንድያሞን ብቪድዮ ዝተሰነዮን መግለጺ ዝነበሮን ትሕዝቶታት ተዳልዩ። 

እቲ ዓመታዊ ዓብን እወታዊ ጽልዋ ኣብ መንእሰያትን ተማሃሮን ዝፈጥር ናይ ምህዞን ሰንዓን ብግብራዊ ምርኢት ንተዓዘብቲ ቀሪቡ። ምርኢት ኣልባሳት ዶልቸ ቪታን ዓበይቲ ናይ ቅብኣ ስእልታት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተኣንገዱ ትሕዝቶ ኢዮም።



ካብ ምብራቓዊ ኩርናዕ ቀጽሪ ኣዳራሽ ኤክስፖ ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ ዝቐጸለ ዝተፈላለየ ምርኢት’ውን ናይ ዝተፈላለያ ሚኒስትርታት ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ኢዩ። ቁሸት ምርኢት ኤግዝቪሽን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሚስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ግኡዛውን ናይ ምስልን ድምጽን ትሕዝቶ ዘካተተ ኢዩ። 

ኣብ ምስሳን ዝርከብ ንትምህርቲ ዝቐንዐ ዲጂታል ቤት ንባብ፡ ንህጻናት ዝተዳለወ ናይ ስእልን ናይ ኮምፑተርን ትሕዝቶታት’ውን ሰፊሕን ዝርዝራዊ ትሕዝቶን ዝሓቘፈ ኢዩ። ቁሸት ነፍሲ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ንያታን ልምድን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶታት ሓቚፉ ኣሎ። 

ንታሪኽን ምዕባለን ኣሰራርሓን ፍሉይነትን ባቡር ምድሪ ኤርትራ ኢዮም ተዓዚቦም። ሎሚ ዓርቢ 16 ነሓሰ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ብዝቕጽል ዝተፈላለየ ባህላውን ስነ ጥበባውን ምርኢታት፡ ባዛር ትሕዝቶታትን ካልእን ሓቚፉ ክሳብ 22 ነሓሰ ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ።












EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events