Basic

***ምጾታት "ዶ ክንብል*** ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ) ጀርመን 20/4/2019

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 18 August 2019

***ምጾታት "ዶ ክንብል***

ንሱስ እኳ ነገር ዓለም ፥ኮይንዎ ንበሎ
ፖለቲካ ኣልዒሉ ፥ሓድሕድ እንተተቐባበሎ
ናትኩም ቢኢሱ ናይቶም ፥ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ
ሕሉፍ ሓሊፍኩም ፥መናፍቓን ኮንኩም ሎምስ

      እንታይ ድዩ ዝእዝዝ ፥ወንጌል ሃዋርያት
ተፋቐሩ ዶ ኣይበለት ፥ተናስሑ ካብ ሓጥያት
ክንዲ መሪሕ ኮንካ ፥ውራይ ቅሽነትካ ትገብር
ሕማቕ ትሰብኽ ነውሪ ፣ኣብ f b ትምድር

       ክንዲ ብኡሳት ትዓርቕ ፣ሓድሕድ ተፋልስ
ጉዳይ ክህነትካ ገዲፍካ ፥ፖለቲካ ትሓዋውስ
ደብርኻ ዘይትዓጥን ፥ጸናጽል ሒዝካ ዘይትጽሊ
ታቦት ገዲፍካ"ስ ኣብ ሜድያ፣ሰባት ትፈላሊ

       እቲ ዓለም" ሲ ነገር ስጋ ኮይንዎ
ንነብሲ ዝተማሃረ ቀሺ ኸ፥ እንታይ ኣምጺእዎ
ቀዳሞት ካህናት ፤ድያቆና መነኮሳን
ምሕዳሮ እዩ ነይሩ፥ ኣብ ቤት መቕደስ ቅዱሳን

     እንተ ናይ ሎሚ ሕልፍ ዝበሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ሰቢኾም፥ ክንዲ ዘማህልሉ
ሻሽ ተጠምጥሞም፥ መስቀል ዘንጠልጥሉ
ክንዲ መስቀል ዘሳልሙ ፥ክንዲ ቺራይላይሶን ዘብሉ

        ሰንበት ኣብ ቤተክርስያን፥ ሰኑይ ኣብ መድያ
ፖለቲካን ሃይማኖትን፥ ካብ መዓስ ይሳነያ
ክንዲ እቕረ ተበሃህል ፥ኣሕዋት ክላዘቡ
ኣንታ እንታይ ወሪድኩም ፥ነገር ተዋኽቡ

      ኣልባሳት ገዲፍኩም ፥ኣውርድዎ መስቀል
ፖለቲካ ካብ ፈተኹም ፣ተሓሲምኩም ወንጌል
ምዕራፋት የውሃንስ ፥ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ 
ስብከት ገዲፍኩም ፥ ናብ ሃይማኖት ዘራኽስ

       ክንዲ ሃሌሉያ ፥ዋዜማ መዘመራን
ክንዲ መቖምያ ፥ክንዲ ማህሌት ምስ ዕጣን
ክንዲ ብስምኣብ ፥ንኣኩተከ ኣቡነ ብዘሰማያት
ቀሺ ናብ ፖለቲካ ፥ኣኺሉ ዶ ምጾታት
      
     ዓገብ !!
    ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ)
      ጀርመን 
       20/4/2019

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events