Basic

(መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና) ''ዕብዳን ቐጠርን ውጥን ኲናት 2019 ዓ.ምን''

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 28 November 2019

  ረቡዕ 27 ሕዳር 2019



መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

''ዕብዳን ቐጠርን ውጥን ኲናት 2019 ዓ.ምን''

ቐጠር፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ካብ መሬት ሱዳን ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተበግሶ ብዛዕባ ዝነበረት ተጻብኦታት ዝተዋህበ መግለጺታት ዝዝከር’ዩ። ሱዳን ከም መድረኽ ሽበራዊ ሸርሕታት እናጸበበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎናዮ ዓመት፡ ዕብዳን ቐጠር፡ ኣሸቀልታን ከደምታን እናዓረገ ስለዝኸደ፡ ሓድሽ ውጥን ቐጠር፡ እዚ ስዒቡ ዘሎ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ሰነድ’ዩ።

እቲ ውጥን፡ ኣብ’ዚ 10 ነጥብታት ከይተሓጽረ፡ ናይ ምብራቕ ሱዳን “ቀቢላዊ ምንቛት” ዘጠቓልል’ውን እዩ።

1. ፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ብምእካብ፡ መሳርዖም ኣስሚርካ ምድጋፎም።

2. ኣተኲሮ ናብ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ምንዕዓቦም፡ መሳርዖም ከኣ ምውዳብ።

3. ካብ እስላማውያን ተቓወምቲ ንስርዓት ኤርትራ ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጦም ሃይማኖታዊ ክብርታት ብምዝራእ/ብምስራጽ፡ ሃይማኖታዊ ቅኒት ምህራም፡ ንኣስላም ኣንጻር ካልኦት ምንዕዓብ።

4. ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀቢላዊ ጽልኢ ምዝራእ።

5. ጽርግያ ኤርትራ፡ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ተቓውሞታትን ኣድማታትን ምእንቲ ኪገብር፡ ንምድፍፋእ ምፍታን።

6. ንስርዓት ኤርትራ ዝቃወሙ ሓይልታት “ኣል’እኽዋን ኣልሙስልሚን”፡ ኣብ ዓውዲታት ነተጒትን ምውዳድ ድብያታትን ቅትለት ኣገደስቲ ሰባትን ምስልጣኖም፡ ምድጋፎምን ምድላዎምን። ካብኡ ናብ ኤርትራ ሰዲድካ ስርሒታት ከምዝፍጽሙ ምግባር።
7. ናይ ስርዓት ኤርትራ ጸለውቲ መራሕቲ ምቕንጻል።

8. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ከባቢታት ምዕናው።

9. ተጻባኢ ዜና ምጽዓቕ።

10. ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ውድባትን ናይ ወጻኢ ሃገራትን፡ ንፍጹም ስእነት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገረ ኤርትራ ምግዋሕን፡ ሰነዳትን ቪድዮታትን ምስናቖምን።

ዓጀብ ዘብል ውጥን!

እቲ ንምብራቓዊ ሱዳን ዝምልከት “ቀቢላዊ ምንቛት”ን ዝርዝራቱን፡ ኣብ ቀጻሊ መግለጺታት ክቐርብ’ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስትሪ ዜና





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events