Basic

(ሚኒስትሪ ዜና) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ንዝተመርሐ ልኡኽ አዘራሪቡ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 01 December 2019

1 ታሕሳስ 2019



ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 1 ታሕሳስ ብምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ንዝተመርሐ ልኡኽ ሱዳን፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ፡ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላም ሱዳን ተዘራሪቡ።



ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ደገፍ ኤርትራ ኣብ ምዕዋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ “ጉዳይ ሱዳን ዘላቒን ነባርን ፍታሕ ዝረክብ፡ ብሱዳናውያን ጥራይ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ሱዳንን ሃገራውያን ትካላቱን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዓቕሚን ብቕዓትን ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events