Basic

ECSS-Online.com: መኸተ- ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 12 January 2020

 
መቕድም
 
ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000፡ ናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዚፍ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራት`ዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመ ስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ንምንጽብራቕ፡ እዛ “መኸተ ፡ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር“ ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ “ዛንታታት ተመኲርሮ ገድሊ“ ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ።
 
ታሪኽ ወራር ወያነ ብግዜ ሓጺር ይዂን እምበር፡ ብዙሕ ንዝተሓላለኸ ንፓለቲካዊ፡
ድፕሎማሲያዊ ንወተሃራዊን ፍጻመታ ዝሓቘፈ እዩ ። ብስነ-መጎት ሓይሊ፡ ዓመጽ ክነግስ ዘንቀድ ፡ከቢድ ቊጣባዊ ዕንወትን ምምዝባልን ዘስዓበ ኲናት ድማ`ዩ ነይሩ።
 
ኣብ መወዳእታ ፡እቲ ሓደገኛ ውጥን ፊሺሉ፡ እቲ ኲናት ዕላማኡ ከይወቕዐ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን በርዒኑ ምትራፉ ድማ፡ ነቲ ብቕያታት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመልአ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝያዳ ርዝነት ክውስኸሉ ክኢሉ እዩ።...................
 
ምንባብ ቀጽል
347676-Mekete.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events