Basic

ንሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት መምህርሒ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቊ 3.2

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 23 March 2020

ንሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት መምህርሒ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቊ 3.2

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ

ኣብ ኖርዎይ ዝምቕማጡ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ኤርትራዊ፡ 21 መጋቢት 2020 ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ብማዕከናት ዜና ሃገር ተሓቢሩ ነይሩ። ነቲ ሕማም ዘድሊ ክንክንን ምክትታልን ይግበረሉ ኣሎ። ምስኡ ኣብ ሓንቲ ነፋሪት ዝመጹ’ውን ከም ዝውሸቡ ተገይሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኩሎም ዜጋታትን ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብሩ፡ ድሕነቶምን ድሕነት ሃገርን ዝዕላምኡ መምርሒታት መንግስቲ ድማ ብጥብቂ ክትግብሩ እናዘኻኸረ፡ ኣብ ርእስቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መምርሒታት፡ እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሕን የመሓላልፍ።

1. ኩሉ ሰብ ግድንን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝነበረሉ ከተማን ዓዲ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገበሮ መገሻ ከቋርጽ ይግባእ። ኩሉ ሰብ ግድን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ፡ ሚኒባስን ታኽስን ምጥቃም ከቋርጽ ይግባእ።

2. ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ዝሳተፍዎ ኩሉ ኣኼባታት፡ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ተሰሪዙ ኣሎ። ኣብያተ ሲኔማን ኣብያተ ትልሂትን ክሳብ ካልእ መምርሒ ዝወሃብ ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። ኣብ ካልኦት ኣብያተ ንግዲ ድማ ሰብ ክፈናተት ይግባእ፣

3. ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት መርዓ፡ ሓዘን፡ ቀብሪ፡ ጥምቀት፡ ስማያ፡ ንግደትን ወዘተን ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ዝርከብሉ ምእትእኽኻባት ክልኩል እዩ።

4. ምእመናን፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ይሕበር ከም ዘሎ፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክሰግዱን ክጽልዩን ይግባእ።

5. ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ንድሕነቶም ድሕነት ቤተሰቦምን ኤርትራዊ ማሕበረኮምን፡ ኩሉ ዘድሊ ዘበረ ጥንቃቐታት ክገብሩን ናብ ሃገር ካብ ምምጻኣ ኪቑጠቡ ይግባእ።

6. ምእንቲ ጥዕና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝውሰድ ጥንቃቐ ምመኽነይታ ጌሮም ዋጋታት ዘንህሩን ዕዳጋታት ዘዋቕዑን ሰባትን ትካላትን ተሪር ሕጋዊ ስጉምቲ ኪውሰደሎም እዩ።

7. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ቫይረስ ኮሮና ብቐረባ እናተኸታተለ ኣድላዪ ዘበለ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ የፍልጥ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ !

ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
23 መጋቢት 2020
--------------------------------------

ኤርትራ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 10 ሰብ ከይእከብ ከልኪላ ...



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events