- ረቡዕ 25 መጋቢት 2020
Date: Wednesday, 25 March 2020
ኣብ ኤርትራ፡ 3 ገያሾ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 4 በጺሑ'ሎ።
እቶም ሰለስተ ኤርትራውያን ምስታ ብቀዳም 23 መጋቢት ዝኣተወት ነፋሪት ኤል ዓረቢ ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ ምዃኖም'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኩሎም ምስታ ነፋሪት ዝኣተዉ ተጓዓዝቲን፡ ምስቶም ግዳያት ርክብ ዝገበሩ ሰባትን ብምልኦም ተወሺቦም ኣለዉ።
ኣድላዪ ዝኾነ ሕክምንዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ'ሎ።
ካብ ሎሚ ለይቲ ጀሚሩ ድማ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ዝኾነ ንግዳዊ በረራታት ክእግድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ኤርትራዊ፡ ብ21 መጋቢት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ተገሊጹ ነይሩ።