Basic

Coronavirus

Posted by: hbokure@aol.com

Date: Thursday, 23 April 2020

እዚ ጽሑፍ ብJohn Hopkins Medical School ዝተዳለወ ኢዩ። ብፈይስቡክ (መልኣከ-ገጽ) ናባና ተቀቢሉ ዘመሓላለፎ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ኢዩ። ኣገዳሲ ጽሑፍ ምዃኑ ስለ ዝተረዳእኹ፣ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ክትርጒሞ ፈቲነ። ብፍላይ ብአመራርጻ ቃላትን፡ ትርጒምን ከምኡ ስልቲ ኣጸሓሕፋ ብዘመልክት፣ ንቋንቋና ከም ዝጠዓዓም ገይረ ኣቅርበዮ ኣሎኹ። የቀንየልና ዶ/ር በርሀ ስለ’ቲ ሓልዮትካ። እንተ ዘይተካፍለና፡ ብወገነይ ክትርጎሞ ዕድል ኣይምረኸብኩን ነይረ።
 
ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
ብለበዳ ዝመሓላለፍ ጎንፊ (virus): ከም “ቁንጪ” ህይወት ዘለዎ ኣይኰነን። እንታይድኣ ከም “ጣይታ-ጣፍ” ባዕሉ ዓስዩ ዝመውት ኢዩ። ስለዚ ምቅታሉ ኣይከኣልን ኢዩ። እዚ ተመሓላላፊ ጎንፊ ብህይወቱ ክጸንሓሉ ዝኽእል ኣብ መጠን ዋዒን፡ ሃሩርን ዛሕልን ከምኡ ዓይነት ኣቕሓ ኢዩ። እቲ ዘይርኣይ ጎንፊ ብዓይኒ፡ ብኣፍንጫ ምስ ዝኣቱ፣ ብነድሪ ዝኣክል መቦቆላዊ ስርሑ ወይ ቅርጹ (genetic code/mutation) ይልውጦ’ሞ፣ ኣጥቃዒ ኰይኑ ዋሃዮ ኣካል ብፍላይ ናይ ሳምቡእ  (cells) ከም ዝባዛሕ ይገብሮ።
ልክዕ ከም ካንሰር።
እዚ ተመሓላለፊ ኣዝዩ ድኹም ኢዩ። እቲ ብልዕሊኡ ዝርከብ ረቂቕ መሸፈኒ ብስብሒ (Lipids) ዝተሰርሐ ጥራይ ኢዩ ኽከላኸሎ ዝኽእል። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ብሳሙና ወይ መድረዚ-ኢድ ዝዀኑ ፈሰስቲ ነገራት (hand-wipes/liquids) ምሕጻብ ወይ ምሕባስ ዘድሊ። ምኽንያቱ ንዕስራ ካልኢት (seconds) ኢድካ ብዓፍራ ሳሙና ኣጸቢቕካ ምስ ትፍሕፍሖ፣ ድሂኹ ከልግሶም ስለ ዝኽእል። ከም ዝገለጽናዮ፡ እቲ ብልዕሊኡ ዝርከብ መሸፈኒ ብፍላይ ብደቀቅቲ ንጥረ-ነገር (ፕሮቲን) ዝተሰርሐ ኢዩ። ስለ’ዚ ኣእዳውና ብሳሙና ምስ እንሕጸብ፣ እቶም  ፕሮቲን ይሓቁን ይቆራረጹን።
ከም እንፈልጦ፡ ዋዒ ንስብሒ ቀልጢፉ ኢዩ ዘምክኾ። ስለዚ ኣእዳውና ብማይ ብፍላይ ማዕረ 25 ዋዒ መጠን (ዲግሪ) ዘለዎ ገርና ምሕጻብ የድሊ። ከምኡ’ውን ክዳውንቲ ክንሓጽብ ከሎና፡  ንሳሙና ውዑይ ማይ እንውስኸሉ፣ ኣጸቢቁ  ይዓፍር። በዚ’ውን ነቲ ተላባዒ (ተመሓላለፊ) ምኹስታሩ ወይ ምልጋሱ ኣዝዩ ይጠቅም።
ዝዀነ ፈሳሲ 65% ኣልኮል ዘለዎ ኣዝዩ ጠቃሚ ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብልዕሊ ተላባዒ (ኮሮና ወይ ኣኽሊል) ዝርከብ ስብሒ ከሕቅቆ ስለ ዝኽእል።
ኣብ ልዕሊ  መሕጸቢ ክዳውንቲ (ቢሊች)፡ ብዕጽፊ ክንዲ ሓሙሽተ ተኖ ማይ ዝኸውን ወሲኽካ ምስ እትሓጽብ፣ ነቶም ፕሮቲን ሰንጢቑ ብምእታው ከሕቕቆም ይኽእል።
ሓሊፉ ተሪፉ፡ ናብ ሃፋ ዝተለወጠ ማይ፡ ልክዕ ከም ሳሙና፡ ኣልኮል፡ መሕጸቢ ክዳውንቲ ነቶም ፕሮቲን የሕቕቆም። ግን ኣእዳው ከይነዱ ምጥንቃቅ የድሊ።
ከም ዝገለጽናዮ፣ ቫይረስ ህያው ( a living organism) ኣይኰነን። ስለዚ ህያው ዘይኰነ፣ ብጸረ-ህይወት (antibiotics)  ክትቀትሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንታይድኣ ባዕሉ ከም ዕንጸይቲ ይበታተን።
ሓዲሽ ወይ ሓንሳእ ዝለበስካዮ ክዳን ብኢድካ ኣይትበርብሮ (shake)። ኣብ  ነዃላት ንኣብነት ከም ዓይኒ ጣይታ ኣትዩ  ምስ ዝሰጥም፣ ዝለመሰ ወይ ዝደኸመ ይኸውን። ስለዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት ዝጸንሓሉ ክርአ ከሎ፣ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-
4 ሰዓታታት ኣብ ዓለባታትን ነዃላትን (porous)
3 ሰዓታታት ኣብ  ነሓሲ ከምኡ ኣብ ዛሕሊ ዘለዎ። ምኽንያቱ ቀሊጡ ክበታትኖ ስለ ዝኽእል።
24 ሰዓታት ኣብ ባኮታት።
42 ሰዓታት ኣብ ሓጻውንቲ።
72 ሰዓታት ኣብ ፕላስቲክ።
ግን እንተድኣ ነቲ ጎንፊ ነግፍናዮ፣ እቶም ደቀቕቲ ነገራት (molecules) ኣብ ኣየር ንኣሳታት ኣርባዕተ ሰዓታት ይጸንሑ። ስለዚ’ውን ብቀሊሉ ኣብ ኣፍንጫ ክኣትው ይኽእሉ።
እቶም ንጣራት ጎንፊ (virus molecules) ኣብ ዛሕሊ ዘለዎ ወይ ጸልማት ቦታ ክጸንሑ ይምችዎም። ከምኡ ኣብ መዝሓሊ ገዛን፡ ማኪናን (air conditioner)። ስለ’ዚ ዋዕን፡ ሃሩርን፡ ድሙቕ ብርሃንን ምስ ዝህሉ፣ ምጥፋኦም ይከኣል።
ብፍላይ ጩራ-ጸሓይ ነቲ  ንጥረ-ጎንፊ (protein) ክበታትኖ ይኽእል። ንኣብነት ብፈሳሲ መድሃኒት ማስከራታ ደራሪዝካ እንደገና ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ኢዩ። ግን ከኣ ምጥንቃቅ የደሊ። ምኽንያቱ ኣብ ቆርበት ዝርከብ ፕሮቲን ብ(collagen) ዝተሰርሐ ስለ ዝቆራርጾ። ብዝተረፈ.....
·                  እቲ ጎንፊ  ብጥዑይ ቆርበት ኣይኣቱን ኢዩ።
·                  ኣቸቶ ኣይጠቅምን ኢዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ጎንፊ ዝርከብ መከላኸሊ ስብሒ ከልግሶ ዘይኽእል ብምዃኑ።
·                  ከም ኣረቂ ወይ ቫድካ ዝኣመሰሉ ፈሰስቲ ነገራት ኣይጠቅሙን ኢዮም። ንኣብነት እቲ ዝኸበደ ቫድካ 40% ኣልኮል ስለ ዘለዎ። ስለዚ ንጎንፊ ንምብታን 65% ዓቀን ኣልኮል ዘለዎ የድሊ።
·                  መጎጽጎጺ ኣፍ (Listerine) ጠቃሚ ኢዩ። ስለ 65% መጠን ኣልኮል ዘለዎ።
·                  ኣብ ዝጸበበ ቦታ ወይ ስፍራ ጎንፊ  ምስ ዝርከብ፣ ኣጸቢቁ ይባዛሕ። ኣብ ኣዙዩ ክፉቱን ንፋስ ዝኣትዎን ገዛ ግን ይውሕድ።
 
ብዛዕባ’ዚስ ብዙሕ ገሊጽና ኢና። ንዓንጎል ኣፍንጫ፡ መግቢ፡ መሸጎሪ፡ መፍትሕ፡ መወልዒ መብራህቲ ወይ ተለቪጅን (remote control): ናይ ኢድ ተለፎን፡ ሰዓት፡ ኮምፒዩተር፡ ጠረጰዛ፡ ተለቪጅን ወዘተ..... ድሕሪ ምትንካፍና፣ ኣእዳውና ምሕጻብ የድሊ። ከምኡ’ውን ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ ምስ ኣቶና።
 
ኣእዳው ምስ ሓጸብናዮም፣ ከም ዝነቅጹ ምግባር የድሊ። ምኽንያቱ እቶም ደቀቅቲ ነገራት (molecules) ኣብ ጭንዳሕ ጉምቦ ኢድና ሾግሹጎም ብምእታዎ ክሕብኡ ስለ ዝኽእሉ ኢዮም። ብፍላይ ኣጽፋር ኣሕጺርካ ምቊራጽ የድሊ።
 
ሃይለ 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events