Basic

(ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት) ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንህወሓትን ኢዴሕን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ሰሪዙ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 25 June 2020

ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንህወሓትን ኢዴሕን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ(ኢዴህ)ን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት መበል ራብዓይ ጠቕላላ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደ እንትኸውን፥ ኣብ ኣደረጃጅውኡ፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገርን ቀፃሊ ኣንፈትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ኣካቢ ኮሚቴ ኣደረጃጅዋ እቲ ጥምረት ኣይተ ቶሎሳ ተስፋዬ፥ ህወሓት ኣባላት እቲ ጥምረት ንምክፍፋል ዝተፈላለዩ ጫናታት ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ነቲ ጥምረት ሽፋን ብምግባር ሃገር ንምህዋኽ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ውድብ ኣብ ኣኼባ እቲ ጥምረት ከምዘይርከብ ዘሎን ኣኼባ ኣብ መቐለ እንተዘይተኻይዱ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይገልፅ ከምዘሎን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ህወሓት ኣብቲ ጥምረት “ይቐፅል ወይ ይሰረዝ” ኣብ ዝብል እቶም ኣባላት ሰፊሕ ምክርኻር ዘካየዱ እንትኾኑ፥ ህወሓት ኣብ ቀፃሊ ጉባኤ ንክሳተፍ ፃውዒት ቀሪቡ ቅዋሙ ግልፂ ንኽገብር ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፉ።

ይኹን እንበር ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ጥምረት ድሕሪ እቲ ጉባኤ ንግዕልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፥ ህወሓት ሓዊሱ ካልኦት መመሓደሪ ደንቢ እቲ ጥምረት ዘየኽብሩ ውድባት ከምዝተኣገዱ ገሊፆም።

ኣቦ መንበር እቲ ጥምረት ኣይተ ደረጀ በቀለ፥ “ህወሓትን ኢዴሕን ሕገ ወጥ ብዝኾነ መገዲ ይንቀሳቐሱ ብምህላዎም ተኣጊዶም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኩሎም ኣባላት እቲ ጥምረት ዝተስማዕምዑሉ ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ውድባት ከምዝተኣገዱ ዝገልፅ ደብዳበ ፅባሕ ከምዝፀሓፍ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ህወሓት ነቲ ጥምረት ከየፍለጠ መበል ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኸካይድ ምውሳኑ መርኣዪ ሕገ ወጥነት ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንህወሓትን ኢዴሕን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ሰሪዙ




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events