Basic

ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 09 July 2020

ሓተታ፥
ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን


Ethiopia and Eritrea end 20 years of conflict and sign declaration of peace and friendship

ከምዚ ሎሚ መዓልቲ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት፤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪመን። ብድሮኡ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ኣብ ገጽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝዓሰለ ሓበንን ሓጎስን፣ ካብ ናይ ዝኾነ ሰብ ግምት ዝለዓለየ’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ሳምንቲ፣ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ድማ፣ ኣብ ታሪኽ ኣቀባብላ ኢትዮጵያ ንናይ ወጻኢ ሃገራት መራሕቲ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ፣ ሚልዮናት ዝተሳተፍዎ፣ ድሙቕ ስነ-ስርዓት ጸኒሕዎ።

ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣለዎ። ቀዳማይ ዓቢ ዓወት’ዩ፥ ዓወት ኣብ ልዕሊ’ቲ ን20 ዓመት መመላእታ፣ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም፣ ንስርዓት ወያነ ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፎም፣ ንኤርትራ ንምንብርካኽን ንምጥፋእን ዘካየድዎ ኵለንትናዊ- ማለት ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ዜናዊ፣ ስነ-ኣእምራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ እገዳን ኵናትን። ደድሕሪ ዓወት ናጽነት ዝስራዕ፣ ዳግማይ ዓወት። ካልኣይ ድማ፤ ሰላም ምስታ ን50 ዓመታት ብደገፍ ዓበይቲ ሓይልታት ኵናት ዘካየደትልና፤ ን80 ዓመታት- ዓመታት ሰለስተ-ወለዶ- ኣብ ግጭት ዝጸመደትና፣ ጎረቤትና ሃገር።

ኤርትራ ካብ ሰሃሮ ውግእን ወረ ውግእን ተገላጊላ፣ ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ከተድህብ ባብ ዘርሓወ ስምምዕ ሰላም።

ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ጸኒዑ ኣሎ። እተን ትማሊ ጸላእቲ፣ ሎሚ መሓዙት ዝኾነ ክልቲአን ሃገራት፣ ኣብ ክንዲ ሓድሕደን ንምጥቃዕን ንምድኻምን ዝሰርሓ፣ ብሓባር ይመኽራን ተሓጋጊዘን ይዓያን ኣለዋ። ን20 ዓመት ተፈላልዩ ዝነበረ ህዝብታተን እንደገና ተራኺቡ። ኣብ ኵናትን ግጭትን ዝባኽን ዝነበረ ትሕዝቶን ዓቕምን ኣብ ህንጸት ቀኒዑ ኣሎ። ስምምዐን ኣብ ክልቲአን ከይተሓጽረ፣ ንነዊሕ እዋን ብግጭት ኣብ ዝተሓመሰን ዝተሃስየን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መሰረት ሰላምን ምርግጋእን ምትሕብባርን ኮይኑ ኣሎ።ኣብ ደንበ ተጻባእቲ ተሰሪዐን ዝነበራ ሱዳንን ሶማልን ምስ ኤርትራ ይተሓጋገዛ ኣለዋ።

ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታተንን ከምዘርበሐ ዘይከሓድ ኮይኑ፤ ከምቲ ተስፋን ትጽቢትን ዝተገብረሉ ከምዘይሰጎመ ብማዕሪኡ ዘይከሓድ ኢዩ። ክልተ ዓመት ድሕሪ’ቲ ስምምዕ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሰፊሩ ኣሎ። ንግዳውን ቁጠባውን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልቲአን ሃገራት’ውን ኣይሰጎመን።

እቲ ምኽንያት ርዱእን ብሩህን ኢዩ። ብቐዳምነት ሰላም ከተምጽኦ ግዜ ዝሓትትን ከቢድን፣ ክትዕቅቦን ከተደልድሎን ድማ ዝነውሐ ግዜ ዝሓትትን ዝያዳ ዝኸበደን ኢዩ። ክልተ-ዓመት ኣብ ጉዕዞ ዘላቒ ሰላም ክልተ ሃገራት ድማ፡ ብተዛማዲ፡ ሓጺር ግዜ ኢዩ። ብተወሳኺ፤ ኢትዮጵያ ብኣዝዩ ጽንኩር፣ ዝተሓላለኸ መሰጋገሪ መድረኽ’ያ ትሓልፍ ዘላ። ግጭታትን ቅልውላዋትን ገና ኣይበተኸላን። ኣብታ ሃገር፣ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓንዩ፣ ክልቲአን ናብ ግጭት ክምለሳ ዝሓልሙን ዝሰርሑን ወገናት ኣለዉ። ብቐንዱ፣ ጉጅለ ወያነ። ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዞባን ክንዮኡን፤ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ቀንዲ ዕንቅፋት ንስሱዕን ኣዕናውን ረብሓታቶም ዝቖጽርዎን ንኽዘርግዎ ለይትን መዓልትን ህርድግ ዝብሉን ሓይልታት ኣለዉ። ሱዳን ትሓልፎ ዘላ ብተመሳሳሊ ኣጸጋሚ መሰጋገሪ መድረኽ፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ድማ ገና ዘይተረጋግኣን ዘይደልደላን ምዃነን ተወሳኺ ጸገም ዝፈጥር ኢዩ። ብሓጺሩ፣ ጉዕዞ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ዝተሓላለኸን ስግኣት ዘንጸላለዎን፤ ዘቤታዊ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት’ዩ ዘገም ዝብል ዘሎ። እዚ ከም ሕማም ኮሮና ቫይራስ ዝኣመሰሉ ዱቦላታት ከይወሰኽካ ኢዩ።

ዕብየትን ክብደትን ናይቲ ተዓጢቕናሉ ዘለና ዕላማን ዝገጥመና ዘሎ ብድሆታትን ግን፤ ንቖራጽነትናን ነብሰ-ምትእምማንናን ዝንቕንቕ ኣይኮነን። ተጎቢጡ ዘሎ ልኡላዊ መሬትና ንምምላስ ብትዕግስትን ከይተሓለልናን ክንሰርሕ ኢና። ኢትዮጵያ- ከምኡ’ውን ሱዳን - ማዕበላት መሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፋ ኣብ ኣማን ክትበጽሕን ኣብ መንጎ ክልቴና ሰላምን ምትሕግጋዝን ክድንፍዕና ዓቕምና ከይቆጠብና ክንጽዕት ኢና። ምስ ሱዳንን ሶማልን ደቡብ ሱዳን ምትሕግጋዝና ከነዕቢ፣ ንዞባዊ ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ክንተግህ ኢና። ተጻብኦ ገና ንዘይበለየሎም፣ ሰላምና ዕረ ዝጠዓሞም፣ ኤርትራ ዲል ከይትረክብ ድቃስ ንዝስእኑ፣ በቲ ፍቱንን ዕዉትን መገድና ክንምክቶም ኢና። ቅድም-ቀዳድም ድማ፣ ሃገርና ኤርትራ ንምህናጽን ንምሕያልን፤ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ልምዓታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ድሕነታዊ ህንጸት-ሃገር ክንረባረብ ኢና። ሓያልን ብልጽግት ኤርትራ፣ ሃረርታን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ምዃና፤ ዓንድን ደራኺትን ዞባዊ ምትሕብባር ኢያ።
ካልኣይ ዓመት ሰላም ኤርትራን ኣብ ንዝክረሉ እምበኣር፤ ዘለናዮ ዓበይቲ ዕድላትን ዘይቀለልቲ ብድሆታትን ንዘለዎ መድረኽ ብግቡእ ንገንዘቦ፤ ንተጻባእቲ ብሓይልን ብልሓትን ንመክት፤ ኣብ መገዲ ሰላምን ልምዓትን ዞባዊ ምትሕብባርን ንሰጕም።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events