Basic

(ቢቢሲ) እስራኤል ኣብ እምባ ሶይራ ናይ ስለያ መደበር ኣለዋ ንዝብል ጸብጻብ ኤርትራ ነጺጋቶ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 08 September 2020

እስራኤል ኣብ እምባ ሶይራ ናይ ስለያ መደበር ኣለዋ ንዝብል ጸብጻብ ኤርትራ ነጺጋቶ


 8 መስከረም 2020

ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል

                                      
እስራኤል ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መደበር መስሪታ ከም ዘላ ሓደ ሪቻርድ ሲልቨርስተይን ዝተባህለ እስራኤላዊ 'ብሎገር' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ'ሎ።

እቲ ንመጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ንምክትታል ዝዓለመ መደበር፡ "ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር፡ ኣስመራ፡ ወጺእካ ኣብ ዝርከብ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ጎቦ፡ እምባ ሶይራ" ከምዝርከብ ጠቒሱ።

እንተኾነ ግና፡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል እቲ ጸብጻብ ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ነጺግዎ።

"እዚ ብገለ ናይ ስለያ ትካላት ኮነ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ግጉይ ሓበሬታ እዩ። ምስ ግዜ'ውን እቲ ቦታ እናተቐያየረ መጺኡ'ሎ፤ ፈለማ [ዴሴት] ዳህላክ ነይሩ፡ ሕጂ ድማ ናብ እምባ ሶይራ ዓብዩ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር መልሲ ሂቡሉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ 2019 ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝተረኽበ "ሚስጢራዊ ሰነዳት" መሰረት ብምግባር ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ-ኣይ-ኤ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምዕላዉ ወጢኑ ነይሩ ክብል ከሲሱ።

ኣፈኛ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣሮን ቴስታ፡ ሽዑ ነቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ክሲ "ርእይቶ ክንህበሉ ኣይንደልን" ክብል መልሲ ሂቡሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቢልድ ዝተባህለ ጋዜጣ ጀርመን፡ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ትቃረብ ከምዘላ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቂ ከም ዘይኮነ ሚኒስተር የማነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከም ዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ።

እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኢራን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ሩስያን ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከራት ከም ዝመስረታ ዝገልጽ ክወጽእ ዝጸንሐ ጸብጻባት ኤርትራ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ዝተረጋገጸ ናይ ወጻኢ ወታሃደራዊ መዓስከር፡ እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ሃኒጻቶ ዘላ'ዩ።




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events