Basic

መስከረም ኣቲ ተዓዋቲት ወርሒ - ወልዳይ ተኸስተ (ማንሃይም)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 10 September 2020


መስከረም
መስከረም ኣቲ ተዓዋቲት ወርሒ
ጠርናፊት ኩሉ ከም ኣደታዊ ከብሒ
ንስኺ ዝጀመርክዮ ምድሃኽ ንሸርሒ
በሊ ሎሚ ከኣ ተቐረቢ
ኣስምዕና ደሃይኪ ንነፍሓሉ ልቢ
ንስኺ ዝጀመርክዮ ዕስራን ኣርባዕተን ግምቦት ወሊዱ
ንስኺ ዝመልመልክዮ ብሓሞት ፈሪዱ
ጥራሽ ተጥፍእዮም ነንዝሓንገዱ
በሊ ሕጂ ከኣ ጸባ ኣስትዪና ወረ
ሞይቱ ዘሎ ገና ዘይተቐብረ
ኣብ ቀብሪ ጸዉዕና ሓመድ ድበ
መሊሱ ከይትስእ ንሓዋሩ ክድበ
መስከረም ኣርባዕተ ጋቑመ እጽበለኹ
ከምቲ ልማድኪ ብስራትኪ ትዝርግሕሉ
ንበገዛእ ሂወታ ቀብራ ዝኣወጀትሉ
እዛ ጭፍራ መቓብራ ዝኾዓተትሉ
ትእተዋ እምበር የለን ዓገብ ዝብለሉ
እዛ መኣዲ ክፍእት ትምህርቲ ጥልመት
ብእፋ እንተሓዝካያ ብእግራ ሓሶት
ቅንዕና ዘይብላ መምህር ልምሰት
ካብዛ መስከረም እስመዓኒሎ ከምዘይትሓልፍ
ኣኺሉዋዩ ዛመርዛም ሃየ ደኣ ትኮለፍ
ብሕጂ የለን ጊዚየን ትንፋስን ብሰንካ ዝሓልፍ
ትምክሕታዊ ዕንደረኣ ከተእትዋ ኢያ
ምርጫ ግደፊ ተባሂላ ኣብያ
ቅድሚ ኩነት ንቦርድ ምርጫ ኣጠንቂቓ
ንህዝባ ከተጥፍእ ተዓጢቓ
ግደፉ ምርጫ ዝብለና ከም ኩናት ዝኣዘዘልና
ረኣይዋሞ ዛነዉራም ከይትኸይድ ደኒና
ንህዝባ ተሸብሸብ ትብል መኣዲ ጥፍኣት ተኺላ
እዛመርዛም ብሓደ ንጥፋእ ትብል ተኹላ
መለኽዒት ዘረባ ማሕፉዳ ሓሶት
ኣነስ ነጸላይ ቀሪበ ኣለኹ ኣብቲ ናታ ሞት
ምስኮሮና ተጸጊዔ ክወፍር ናይ ቀብሪ ሕልፎት
ኣብቲ መርድእ ካልኣይ ቀብራ ናይ ዝሓለፈ ሞት
ሽዑዩ ቲእፎያት መስተርሆት 
ሰላም ዝርከብ ሓመድ ኣዳም ምስለበሰት
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማታትና 

ዓወት   ንሓፋሽ
ወልዳይ  ተኸስተ  (ማንሃይም)



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events