Basic

EmbassyMedia - Editorial “ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ሰለስተ ወለዶ’

Posted by: Yared Tesfay

Date: Saturday, 21 November 2020

“ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣስታት 500,000 መንእሰያት፡ ካብኦም ልዕሊ 170,000 ደቀንስትዮ፡ ካብ ኩሉ ክፋላትን ከባቢታት ሃገር፡ በዚ ማእከል’ዚ ሓሊፎም፡ ወተሃደራዊ፡ ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ስልጠናታት ቀሲሞም ምውጽኦም፡ ንኣበርክቶ ናይ’ዛ መዲና መንእሰያት ዝኾነት ሳዋ፡ ብመጠኑ ክገልጾ ይኽእል እዩ። ካብ ብዝሒ ንላዕሊ ግን፡ እቲ ረቂቕ ኣበርክቶ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሳዋ ምሕላፎም፡ ወተሃደራዊ፡ ወይ ኣካዳሚያውን ሞያዊን ስልጠና ጥራይ ኣይኮኑን ቀሲሞም። ዕላማ ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ብመሰረት ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቁጽሪ 82/1994፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ስልጠና ንላዕሊ ዝኸይድ ረቂቕ ፖለቲካዊን ልምዓታዊን፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ዕላማታት ዘለዎ’ዩ። ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ዝተጠቕሰ ነጥቢታት ጸሚቚካ ክግለጽ ይከኣል፦ - ህላወን ቀጻልነትን ናጻን ልኡላዊነትን ሃገር ንምውሓስ ዘኽእል ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ድልድል ሓይሊ ምክልኻል ምቛም - ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ ኮነ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባራዊ ስራሕን መስዋእቲን ዝዀስኰሶ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ተሞኩሮን ዓቂብካ ንተረካቢ ወለዶ ምውራስ - ኣብ መንእሰያት ሃገራዊ ሓድነትን ውህደትን ብምኹስኳስ ስልጠና ሃገራዊ ባህሊ ምዕንባብ - ንህንጸት ሃገር ዝበቅዕ ፈታው ስራሕ፡ ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቐ፡ ብዲስፕሊን ዝተሃንጸ ሓድሽ ትውልዲ ምህናጽ ኢዩ፡፡ ኣብ ኩሉ ምምሕዳራዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት፡ ብዝተማህርዎ ዓውዲን ብዝቐሰምዎ ሞያን፡ ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉ እውን ንሳቶም እዮም። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ኣበርክቶ ሳዋ ብብዝሒ ዘሰልጠነቶም መንእሰያት ጥራይ ኣይኮነን ዝምዘን። እቲ ብዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦ፡ እቲ ኣብ መንእሰያት ዘስረጸቶ፡ ንኹሉ ድሕረታት ዝሰገረ ሰፊሕን ምዕቡልን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ እዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ፡ መጠኑ ብኣሃዝ ዝልካዕ ኣይኮነን።

EmbassyMedia - Editorial “ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ሰለስተ ወለዶ’

Inline image




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events