Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Basic
<< Back
ሳላመንዲዩ - ግጥሚ ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ - ከተማ ማንሃይም - ጀርመን
Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German
Date: Monday, 15 February 2021
ሳላመንዲዩ - ግጥሚ ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ
ሳላመንዲዩ
ሳላመንዩ እዚብርሃን ትርወሊዑ
ሳላቲ ዘይዓኾኸ ብጭልቅዑ
ሳላታ ዝወደቐት ዘይቀንኤት ብመርዑ
ኣብኡ ዝተረፈት ዝተረፈ ተሰሊዑ
ንእስነቱ ዝወፈየ ሂወቱ በሊዑ
ንፈንቅል ዝወፈረ መሪር ሰጊሩ
ባረንቱ መኪቱ ሓልሓል ዝምሕዳሩ
ኣብ ጎልጎል ኣልገን ተገቲሩ
ግምባር ናቕፋ መኪቱ ሓሪሩ
ግሎብ ሪጎለ ጥምጥም ስዒሩ
ንወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ ኣርዒሙ
ተበገሰ ንፈንቅል ክፍንቅል ሃሚሙ
ክስምሮ ልባዊ ሕልሙ
ሕልሚ ዘይኮነ ብቕዓቱ ተኣማሚኑ
ንወፍሪ ፈንቅል ብብቕዓት ሓኒኑ
ዝጠወየ ነጸላ ዝባኑ
ወፈረ ነቲ መሪር ከምዕሮ
ንመጻኢት ኤርትራ ዝኸፈተ ሞርሖ
ንመስዋእቲ ብዓወት ንሓፋሽ ጭርሖ
ንምእንታናወ በሊዕዎ ፍልሖ
ስርሒት ፈንቅል ፋርነሎዩ መቑሎ
ምግላጹ ዘሸግሮ ንዝወዓሎ
ብሰማይ ሙቖት ረመጽ ክትፋእ
ብመረት ኩሉ ጨዉ ዘይክኣል ምሕባእ
ቲሓደ ነቲ ሓደ እናሓለፈ ሞባእ
ኣካላቶም ብደምን ጨዉን ክጥጃእ
ብንቕጸትን ቁስልን ክስዋእ
እዚዶ ይርሳዕ ዘስደምም
ኣቲ ኣታ ምሁርየ በሃሊ
ስዱድ ናይ ቀደም ናይ ትማሊ
ጠራዉዝትኹም ኣዕጽምቶምዩ ናይ ጀጋኑ
ወዲም ጋሎም ሓቢሮም ሓመድ ዝተኸድኑ
ቀለም ብርዕኹም ደሞም ኢዩ
ዝበላዕክምሉ መንሳ ምታር ስግኦምዩ
ዝተሰደድክምሉ ጻማ ኣንጉዕምዩ
ነዚ ዝመጠወካዶ ይጥለም ኢዩ
ሕጂ ዉን ኣብ ኣፍ ቡምባ ኣትዮም
ተተኪሶም የልምዑ ለዉ ደጊሞም
ሰማእታት ስለ ዝኾኑ ኣይተረፉን ተሰዊኦም
የረክቡኻ ኣለዉ ኩሉ ኣለምሊሞም
ኣይምበዝሖምን ተምበርኪኽካ ተትሰግደሎም
ዘይትትካእ ሂወት ምእንታኻ ወፊዮም
ኣብ ጥዋለት ቀጣን ሓሊፎም
ኣብ ዕዳጋ ገርግሱም ሰንኪሎም
ዝዉዕሉ ዘለዉ ተኾርሚዮም
ተግባርካ ይከታተልዎ ኣለዉ ኣማዕድዮም
ፍለጥ ከምተርክበልካ ሓለንጎም
ኣድቅሱንዮም ከየጽፈፉ ብድሕሪኦም
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማ። ን። ሃ። ይ። ም
Home
6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
(ericzuesse) Chaotic Foundation of Our Laws: The Continuing Failure to Define ‘Aggression’
[THE SYDNEY MORNING HERALD, AUG 11, 2017] INGLORIOUS EMPIRE REVIEW: SHASHI THAROOR'S INDICTMENT OF THE BRITISH IN INDIA
The fantasized ‘End of History’ is now long gone. So: what’s left?
Russia and Islamic State: what's the connection?
Russia and Islamic State: what's the connection?
(Feedpost) 100 TECH NEWS WEBSITES FOR TECHNOLOGY ENTHUSIASTS IN 2024
[Yahoo News, March 24, 2024] Massive changes coming to Google Chrome threaten to reshape the modern internet
CounterPunch.org: The Hidden Genocide in Ethiopia
TheNewHumanitarian.org: Why the world should listen to Yemeni voices
Viral Falsehoods