Basic

ሳላመንዲዩ - ግጥሚ ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ - ከተማ ማንሃይም - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 15 February 2021





 ሳላመንዲዩ - ግጥሚ ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ

ሳላመንዲዩ
ሳላመንዩ እዚብርሃን ትርወሊዑ
ሳላቲ ዘይዓኾኸ ብጭልቅዑ
ሳላታ ዝወደቐት ዘይቀንኤት ብመርዑ
ኣብኡ ዝተረፈት ዝተረፈ ተሰሊዑ
ንእስነቱ ዝወፈየ ሂወቱ በሊዑ
ንፈንቅል ዝወፈረ መሪር ሰጊሩ
ባረንቱ መኪቱ ሓልሓል ዝምሕዳሩ
ኣብ ጎልጎል ኣልገን ተገቲሩ
ግምባር ናቕፋ መኪቱ ሓሪሩ
ግሎብ ሪጎለ ጥምጥም ስዒሩ
ንወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ ኣርዒሙ
ተበገሰ ንፈንቅል ክፍንቅል ሃሚሙ
ክስምሮ ልባዊ ሕልሙ
ሕልሚ ዘይኮነ ብቕዓቱ ተኣማሚኑ
ንወፍሪ ፈንቅል ብብቕዓት ሓኒኑ
ዝጠወየ ነጸላ ዝባኑ
ወፈረ ነቲ መሪር ከምዕሮ
ንመጻኢት ኤርትራ ዝኸፈተ ሞርሖ
ንመስዋእቲ ብዓወት ንሓፋሽ ጭርሖ
ንምእንታናወ በሊዕዎ ፍልሖ
ስርሒት ፈንቅል ፋርነሎዩ መቑሎ
ምግላጹ ዘሸግሮ ንዝወዓሎ
ብሰማይ ሙቖት ረመጽ ክትፋእ
ብመረት ኩሉ ጨዉ ዘይክኣል ምሕባእ
ቲሓደ ነቲ ሓደ እናሓለፈ ሞባእ
ኣካላቶም ብደምን ጨዉን ክጥጃእ
ብንቕጸትን ቁስልን ክስዋእ
እዚዶ ይርሳዕ ዘስደምም
ኣቲ ኣታ ምሁርየ በሃሊ
ስዱድ ናይ ቀደም ናይ ትማሊ
ጠራዉዝትኹም ኣዕጽምቶምዩ ናይ ጀጋኑ
ወዲም  ጋሎም ሓቢሮም ሓመድ ዝተኸድኑ
ቀለም ብርዕኹም ደሞም ኢዩ
ዝበላዕክምሉ መንሳ ምታር ስግኦምዩ
ዝተሰደድክምሉ ጻማ ኣንጉዕምዩ
ነዚ ዝመጠወካዶ ይጥለም ኢዩ
ሕጂ ዉን ኣብ ኣፍ ቡምባ ኣትዮም
ተተኪሶም የልምዑ ለዉ ደጊሞም
ሰማእታት ስለ ዝኾኑ ኣይተረፉን ተሰዊኦም
የረክቡኻ ኣለዉ ኩሉ ኣለምሊሞም
ኣይምበዝሖምን ተምበርኪኽካ ተትሰግደሎም
ዘይትትካእ ሂወት ምእንታኻ ወፊዮም
ኣብ ጥዋለት ቀጣን ሓሊፎም
ኣብ ዕዳጋ ገርግሱም ሰንኪሎም
ዝዉዕሉ ዘለዉ ተኾርሚዮም
ተግባርካ ይከታተልዎ ኣለዉ ኣማዕድዮም
ፍለጥ ከምተርክበልካ ሓለንጎም
ኣድቅሱንዮም ከየጽፈፉ ብድሕሪኦም
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና 
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማ። ን። ሃ። ይ። ም



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events