Basic

( ቢቢሲ) መርሃዊ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኰይኖም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 26 June 2022

መርሃዊ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኰይኖም




ሎሚ 26 ሰነ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ፡ 176 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ናይ ጽርግያ ውድድር ሻምፕዮን ኤርትራ፡ ተቐዳዳማይ ኣመሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኢዲኬሽን መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኰይኑ።

ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ንልዕሊ 100 ኪሎሜተራት በይኖም ተፈልዮም ድሕሪ ምውዓሎም፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መወዳእታ መስመር፡  ነቲ ምሉእ መዓልቲ ክመርሕ ዝወዓለ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

በዚ መሰረት መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ናይ ኤሊት፡ ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ንያት ርእሶም ከኣ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸለምቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኖም።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኤርትራ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሰለስት ግዜ፡ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ከክልተ ግዜ ሻምፕዮን ክዀኑ ዝኸኣሉ ተጻወትቲ እዮም።

ጸወታ ከመይ ነበረ?


ኣብ መጀመርታ ቀዳሞት ዙርያታት ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ጴጥሮስ መንግስን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ተጻወትቲ ንኣስታት 30 ኪሎሜተር’ኳ በይኖም ተፈንቲቶም ከይዶም እንተነበሩ፡ ምፍላይ እታ ጕጅለ ዘይተዋሕጠሎም መብዛሕትኦም ተቐዳደምቲ ብቢንያም ግርማይ እናተመርሑ ነታ መራሒት ጕጅለ ክውሕጥዋ ክኣሉ።

ከይደንጐዩ ናትናኤል ብርሃነን ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን ካብ ዓባይ ጕጅለ ተፈልዮም ብምውጻእ ነቲ ጸወታ ነዳዲ ወሰኽሉ።

ኣብዛ ጕጅለ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2015 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ኣብ 2018 ሻምፕዮን ኤርትራ ኰይኖም ስለዝነበሩ፡ እዛ ጕጅለ ዝያዳ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሻምፕዮን ኤርትራ ኰይኑ ዘይፈለጥ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተገድሶ ስለዝነበረት፡ ንሱ’ዩ ብብዝሒ ክስሕብ ዝተራእየ፤ ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ናይ ግዜ ፍልልይ’ውን ክሳብ 58 ካልኢት ክበጽሕ ክኢሉ ነይሩ።

እታ ዓበይ ጕጅለ ዝበዝሕ ግዜ ብሜሮን ተሾመን ብቢንያም ግርማይን እናተቐለሰት ንቐዳመይቲ ጕጅለ ንምህዳን ተረርቲ ስካቶታት ትገብር ነይራ፣ መራሒት ጕጅለ’ውን ብዓባይ ጕጅለ ንኸይትውሓጥ ኣብ ዝነበረ ምርብራብ ናትናኤል ብርሃነ ብሽክለታ ኣበላሽዩ ካብ ቀዳመይቲ ጕጅለ ዘልሓጥ ክብል ተራእየ፣ ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ቅድሚት።

ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ናይ ግዜ ፍልልይ እናጸበበ፣ እናገፈሐ ክሳብ 1 ደቂቕ በጺሑ፡ ንልዕሊ 40 ኪሎ ሜተር ጸወታ ብኸምኡ ቀጺሉ።

ጸወታ ልዕሊ 80 ኪሎሜተር ተላዒልዎ፣  ክዛዘም 90 ኪሎ ሜተር ተረፎ።

መትከል እዮብ ካብ ቀዳመይቲ ጕጅለ ክሃድም'ኳ ፈቲኑ እንተነበረ፡ ነዊሕ ከይሰጐመ ብዓል ቢንያም ግርማይ ሮታኡ [ጭራኡ] ስለዝሓዝዎ ክቕጽል ኣይክኣለን።

ጸወታ 10 ዙርያ  (100 ኪሎ ሜተር) ተላዒልዎ፡ 7 ዙርያ  (70 ኪሎሜተር) ክተርፎ፡ ኣብ መንጐ ቀዳመይትን [ናትናኤልን መርሃውን] ካልኣይቲ ጕጅለን [ዝተረፉ ኵሎም ተቐዳደምቲ]  ዝነበረ ፍልልይ ተዓቒቡ፡ ተረርቲ ርጋጽ - ስካቶታት - ዘይተራእዮ ጸወታ ይቕጽል።

ጸወታ ኣርባዕተ ዙርያ ኣብ ዝተረፈሉ ቢንያም ግርማይ፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ምሉብርሃንን ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ብምፍላይ ካልእ ጕጅለ ፈጠሩ። ነዊሕ ከይከዱ ግን፡ እቶም ምህዳም እዞም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ከምዘየዋጽኦም ዝተረድኡ ተጻወትቲ ውሽጢ ሃገር ተሪር ስካቶ ብምፍናው፡ ነታ ጕጅለ ክውሕጥዋ ክኣሉ።

ጸወታ ክዛዘም ትሕቲ 40 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ቅድሚት፡ ካልኣይቲ ጕጅለ ብዝተፈላለየ ፈተነታት ምምላቝ ትሕቈን።

ኣብ ቅድሚት፡ መርሃዊ ቅዱስ ንናትናኤል ከብርዮ’ኳ ምልክት እንተገበረሉ፡ ናትናኤል ናብ ቅድሚት ስለዘይወጽአ ግን መርሃዊ ቅዱስ’ዩ ንነዊሕ ኪሎሜተራት ክመርሕ ተራእዩ።

ጸወታ ክዛዘም 11 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣብ መንጐ ቀዳመይትን ካልኣይትን ጕጅለ ዝነበረ ፍልልይ ናብ ኣስታት 10 ካልኢት ክወርድ እንከሎ፡ ዝተፈላለያ ጕጅለታት ክምስረታ’ውን ክኢለን።

ጸወታ ሓደ ዙር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ዳዊት የማነ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ካልኦትን እናተበራረዩ ንመርሃውን ናትናኤልን ንምርካብ ኣብ ዝተረባረብሉ፡ ናትናኤል ንመርሃዊ ቅዱስ ብምብራይ ንቕድሚት ክውንጨፍ ተራእዩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ጸወታ ትሕቲ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ  ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ጸወታኡ ኣቋሪጹ።

ኣብ መዛዘሚ፡ መርሃውን ናትናኤልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፡ ብጭውነት ጸወታ፡ 'ብፈይር ፕለይ'፡ ናትናኤል ነቲ ንዝነወሐ ርሕቀት ኣብ ቅደሚት ኰይኑ ክመርሕ ዝውዓለ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንተዓዛባይ ዘሐጐሰ ስፖርታዊ ጨውነት ኣርእዩ።

ንዕኦም ስዒቡ ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝሃደመ ንያት ርእሶም ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ንያት ርእሶም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸላሚ ወርቒ ክኸውን በቒዑ።

ኣብ ምድብ ኤሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ


ተቐዳዳሚት ጋንታ ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ፡ ካብ መቐዳድምታ ሃዲማ ብምውዓል ብልዕሊ 8 ኪሎሜተር ተፈንቲታ ብምእታው፡ ብዘተኣማምን ውጽኢት ተዓዋቲት ክልተ ወርቂ መዳልያ ኰይና።

ጓል 19 ዓመት ሞናሊዛ፡ ጸወታ ድሕሪ ምዝዛማ ምስ ኤሪቲቪ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ 60 ኪሎሜተር ንበይና ክትስሕብ ከቢድ ምንባሩ ብምግላጽ፡ እዚ ዘመዝገበቶ ዓወት ነቲ ብምብልሻው ብሽክለታ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዝኸሰረቶ ዓወት፡ ዝድብስ ምዃኑ ገሊጻ።

ምድብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ


ተቐዳዳሚት ጋንታ ዓራግ ሩማና ጉዕሽ ኣብ ምድብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኰይና፡ ሩማና ንጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ዝተመደበለን 31 ኪሎ ሜተር ብ1 ሰዓት፡ 54 ደቂቕን 19 ካልኢት ብምዝዛም እያ ቀዳመይቲ ኰይና።

ንሩማና ጉዕሽ ተኸቲለን፡ ተቐዳዳሚት ጋንታ ደንደን ራሄል ዘርእሰናይን ተቐዳዳሚት ጋንታ ሰራየር ሳዋ ራሄል ነጋስን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።


ኣቐዲሞም ሻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ ተቐዳደምቲ

2021፡ ዳዊት የማነ

2020፡ ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን

2019: ናትናኤል ብርሃነ

2018: መርሃዊ ቅዱስ

2017: ሜሮን ብርሃነ

2016: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2015: ናትናኤል ብርሃነ

2014: ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር

2013: ሜሮን ተሾመ

2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ

24 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር


ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ 24 ሰነ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ግዜ ቅድድም ብሽክለታ - ሻምፒዮን ኤርትራ 2022 - ተቐዳዳማይ በልጂማዊት ክለብ ኢንተርማርሽ ዋንት ጎመርት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ናይ ወልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ኣብ ምድብ ትሕቲ 23 ዓመትን ምድብ ኤሊትን ተዓዋቲ ክልተ ወርቂ ሜዳልያታት ምዃኑ ይዝከር።

ንቢንያም ስዒቦም ዝተዓወቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ወልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሻምፕዮን ዝዀነ መርሃዊ ቅዱስ ካልኣይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ከኣ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ቢንያም ግርማይ ን36 ኪሎ ሜትር ብ 43 ደቂቕን 36 ካልኢትን ክዛዝሞ እንከሎ፡ መርሃዊ ቅዱስ 15 ካልኢት ድሒሩ'ዩ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

በዚ መሰረት፡ ቢንያም ንዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝዀነ ዘካይዶ ናይ ግዜ ውድድራት ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ'ዩ ክቀዳደም።

ኣብ ውድድራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ተቐዳዳሚት ክለብ ደንደን ዳናይት ፍጹም፡ ን18 ኪሎ ሜትር ብ25 ደቂቕን 30 ካልኢትን ብምዝዛም ኣብ መደብ ትሕቲ 23 ዓመትን ኤሊትን ብምዕዋት፡ ብተመሳሳሊ ተሸላሚት ክልተ ወርቂ መዳልያታት ክትከውን እንከላ፡ ኣርሴማ ወልደሚካኤል ሻምፕዮን ውድድር ግዜ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኰይና። 

ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤሪቴል ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ን18 ኪሎ ሜትር ብ21 ደቂቕን 40 ካልኢትን ብምዝዛም፡ ዝበለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ፡ ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ ኰይኑ።





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events