Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: ውጽኢት ኣኼባ ባይቶ ዞባ ማእከል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 25 February 2017

ውጽኢት ኣኼባ ባይቶ ዞባ ማእከል
 
ወርሒ ለካቲት 25, 2017
 
ንህዝቢ በብእዋኑ ምንቃሕን ምውዳብን ኣብ ህንጸት ስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብቐሊሉ ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።

ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ሓያል ቁጠባ፡ ብልዑል ኣፍራይነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ መበል 16 ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓርቢ 17 ጥሪ 2017 ብዓወት ኣቃኒዑ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ዝተቓንዐ ኣኼባ ባይቶ ዞባ ማእከል - ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ኣቦ መንበር ህግደፍ ዞባ፡ ወኪል ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ፈጸምቲ ኣካላት ዞባ፡ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ወከልቲ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ፖሊስ፡ ጸጥታን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ተሳቲፎምዎ።

ባይቶ ኣብ ፈለማ ንጥፈታት ዓመተ 2016’ዩ ተመልኪቱ። ብመሰረት’ቲ ብኣቦ መንበር ባይቶ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ልሙድ ምምሕዳራዊ ንጥፈታትን ስርሓትን፣ መምርሒታት መንግስቲ ንምትግባር ብርክት ዝበሉ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጐስጓሳትን ከም እተሰላሰሉ ኣነጺሩ።

ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ዞባ፡ ብመሰረት ብሽማግለታትን ህዝቢን ዝርከብ ሓበሬታ ተደሚሩ ከም ዝቐርብ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ በብእዋኑ ዝቐርቡ ጠለባት ህዝቢ ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ባይቶ ቀሪቦም መፍትሒ ክጠልቡ ዝጸንሑ ጕዳያት፡ ዝበዝሑ ምላሽ ክረኽቡ ምጽንሖምን ምህላዎምን ኣነጺሩ። ዝተረፉ ድማ ኣብ መስርሕ ተፈጻምነት ከም ዝረኽቡ ኣቶ ኣብርሃም ኣረዲኡ።
 
  • ኣብ ልምዓት ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ምህርቲ እቶት ክብ ናይ ምባል ቀንዲ ዕማም ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ባይቶ መሬት ሕርሻ ኣብ እዋኑ ምሕራስ፡ ምዝራእን ምእካብ ምህርትን ምእንቲ ክከኣል፡ ንሕርሻዊ ንጥፈታት ዘገልግሉ ናውቲ ትራክተራት፡ ኮምፓይነራት፡ ምሩጽ ዘርኢ፡ ድኹዒን መድሃኒትን ኣብ እዋኑ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ ብዕቱብ ዘትይሉ።  ኣብ ጕዳይ መለሳ መሬት ብዝምልከት፡ ባይቶ ንሓዋሩ ውሑስ ምሕደራ መሬት ክተኣታቶ ዝካየድ ዘሎ ምድልዳል መሬት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ ተጠቀምቲ ብዝዓግብሉ መንገዲ ክፍጸም ተራ ምምሕዳራት ክዓዝዝን፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ጠለብቲ ተሰሚዑ ኣብ እዋኑ ግቡእ ምላሽ ክወሃቦም ኣዘኻኺሩ።  ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይ ኣስመራን ከባቢኣን ንነዊሕ እዋን ጸገም ኰይኑ ብምህላዉ፡ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ መንግስቲ ዓብዪ ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሓሉ ኣሎ። ዝጸንሐ ጸገም ቀረብ ነዳዲን ዋጋ ታሪፍ መጓዕዝያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ማይ ኣብ ዝዕድላ ቦጣት ማይ ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህባ ሓያል ቁጽጽርን ክትትልን ክገብር ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
  • መሬት ጤሳ ሓደ ካብ’ቶም ባይቶ ብዕምቆት ዝዘተየሎም’ዩ። ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ብሰሪ መንበሪ ገዛ ሓዳርን ናብራን ኣብ ምምስራት ይጽገሙ ብምህላዎም ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደ፣ ጎኒ ጎኑ ቀረብ ናውቲ ህንጻን ፍቓድ መስርሒ ኣባይቲ ክዳሎ ባይቶ ይጠልብ።  ኣብ መዳይ ቀረብን ጠለብን ጸዓት ብዝምልከት፡ ባይቶ ላምባ፡ ጋዝን ዕትሮን ኣብ’ዚ እዋን ሰሓቦ ጉተቶ ተሪፉ ብመንገዲ ምምሕዳራት ብብሎካት ተወዲቡ ይስርሓሉ ብምህላዉ ከምኡ ድማ፡ ኣብ ህዝቢ ብግቡእ ይባጻሕ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ዝተረፋ ዘይበጽሐን ስድራ ቤታታት ከም ዝበጽሐን ክግበር ዝያዳ ስራሕ ከም ዘድሊ ገምጊሙ።  ኣብ መዳይ መስመር ቴለፎን፡ መንግስቲ ኣብ ጕዳይ ዘመናዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ሸፈነ ከም ዝህሉ ንምግባር ይስርሓሉ ምህላዉ ባይቶ ይኣምን። እቲ ሓቂ ንሱ ይኹን’ምበር፡ ብዙሓት ናይ ገዛ፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ጎደናታት ቴለፎናት፡ ሓንሳእ ምብልሻው ምስ ኣጋጠመን ጽገና ከይተገብረለን ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጸንሓ ጸገማት ይፍጠር ስለ ዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ጕዳይ ኣቓልቦ ክህቦ ጸዊዑ። 
  • ኣብ ጕዳይ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ጠንቂ ናህሪ ዋጋታት ኮይኑ ብምህላዉ፡ ንምግትኡ ሕጋዊ ኣገባብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክበራበር ተማሕጺኑ። ፍቓድ ዋኒን ዘለወን ትካላት ዓይነት ዋኒናተን ክልውጣን ካብኡ ሓሊፈን ደው ክብላን ይርኣያ ኣለዋ። እዚ ተርእዮ ብዘይካ’ቲ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘስዕቦ ጽልዋ፡ ንኣታዊታት ግብሪ መንግስቲ’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝገብር መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረሉ ባይቶ ኣዘኻኺሩ። ....................
ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦብብ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ብሙልኡ ኣምብብዎ።
ብርሃነ ሃብተማርያም
ውጽኢት ኣኼባ ባይቶ ዞባ ማእከል.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events