Dehai News

EriGazette.org: "ንስለ ክብሪ ጻዕሪ ጀጋኑ….....” ..”እዚ ዝመሽመሸ ሓሳባት ናይ ተወልደ…

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 08 March 2017

*ሪሕነት ህባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ እዋን ህዝባውን ሓርነታውን ሰውራውን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሳሕል...................

https://encrypted-tbn2.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcS2U1MeEM5oqc5MLuuVuLdPVDx_qPZj5mtYzZH0h85d1HYWxLueKAhttps://i0.wp.com/awazetribune.com/wp-content/uploads/2016/12/Eritrean-Cabinet-Ministers.jpg?resize=525%2C295&ssl=1

*............... ኣባላት መንግስቲ ኤርትራ

መጋቢት ዕለት 08, 2017

ክብሪ ዘይብሉ ሰብ ነቶም ክብሪ ዝግብኦም ክብሪ ክህብ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። “ሕሱር ሰብ የሕስረካ ከም ነብሱ፣ ኩቡር ሰብ ድማ የኽብረካ መጠን ነብሱ” ከምዝብሃል ተወልደብርሃን ዘይዛመድ ክለሳሓሳባዊ ፍልስፍና ተጠምጢሙ ንጀጋኑን ነቶም ህይወቶምን ንእስነቶምን  በጃ ከፊሎም ክሳብ ሕጂ ንሃገሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባትን ትካላትን ከባጩ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ናይ ሓንጎል ምምሽማሽ ከምዘለዎ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል። ሰብ እንዳ ዓበየ ክኸይድ እንከሎ ናይ ዕድመ ባዓል ጸጋ ስለዝኾነ ተሞክርኡ ይዓቢ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ጭንቀትን ዘይዕግበትን እንተሃልዩ ናይ ሓንጎል ብርሰት የኸትለሉ። ብርግጽ ድማ ናይ’ዚ ብናይ ሓሶት ሽም ዝጽሕፍ ተወልደብርሃን ዝብሃል ብርሰትን ናይ ሓንጎል ኣጋጢምዎ ከይከውን ፈተውቱን ስድራቤቱን ማይጨሎት እንተዘሕጽብዎ ጽቡቅ እዩ።

መስከረም ንተወልደብርሃን ከም ዋርሳይ ጌርኩም ኣቅሪብክምዎ ኣለኹም። እዚ ሰብ’ዚ ግን ባዕሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ጹሑፋቱ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ናይ ባንክ ሰራሕተኛ ምንባሩ ሓቢሩ ኣሎ ብኸመይ እዩ ዋርሳይ ክኸውን?

እቲ ዝዓበየ በደል ብኣፍልጦ እትገብሮ በደል እዩ። እዚ ዝመሽመሸ ሓሳባት ናይ ተወልደ ድማ ንገለ የዋሃት ሰባት ከጋጊ ወይ ከደናግር ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ኣብ ጉዕዙኡን ሂወቱን መንግስቲ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ስለዝርዳእ ጃህራ ናይ ሓከልትን ሓንከርትን ካብ ገጽ ኢንተርነት ኣይሓልፍን እዩ።

ንተዓዘቦ እሞ “ቑጠባ መንግስቲ ኤርትራ ቁጠባ ምስፋር ሓርጭ” እዪ ምባል ምስ ምንታይ ይቁጸር? ሓርጭ ምስፋርን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ንህላወን ቀጻልነትን ኤርትራ ዘረጋገጹ ንሰውራ ኣብ ዓወት ዘብጽሑ ሓያል ምሕደራ ዘድልዮም መንገዲ ዓወትና እዮም። ተመስገን ፈጣሪ ኤርትራ ሃገርና ካብተን ብጥምየትን ድርቅን ግርጭትን ዝሳቀያ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኪኑኡን ተዘርጊሔን ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻ ምኻና ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ወድባትን ምስክርነት ይዋሃብ ኣሎ። ብዓቢኡ ድማ ባዕልና ንዕዘቦ ኣሎና። ሓይሊ “ምሕደራ ሓርጭ” ኣናኣኢስካ ዝርኤ ኣይኮንን።

ተወልደብርሃን ሕሉፍ ዕጥራኑ  ብመንግስትን ህዝብን ዝትግበሩ ዝህነጹን ዘለው ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መንግስቲ ሓንቲ ሳንቲም ኣየውጽእሎምን ዝተሰርሑ ከም ናይ ማይ መዐደሊ ከምዘይሰርሑን ዝዓነዉን እዮም እንዳበለ ሑሱር ምስክርነቱ ክህብ ጸኒሑ። ነዚ ናቱ ሓሶት ዘጋልጽ ባይቶ ዞባ ማእከል ናይዘን መዐደሊ ማይ ኣገልግሎት ብኑጽር ብዛዕባ ኣገልግሎተን ገሊጹ ኣሎ። ትካላት ነበርቲ ኣይኮኑን። ገለ ክባላሾን ምድንጓያት ኣብ ምትዕርራይ ክዳናጎይ ይትረፍ ኣብ ከም ኤርትራ ኣብተን ሃብታማት ሃገራት’ውን ዘሎን ዝነበረን እዩ።ብዝኾነ ልዕሊ ኩሉ ንዝረኸብካዮ ጸጋታት ኣብ ማዓላ ምውዓል እቲ ዝዓበየ ሕድሪ ሰማእታት እዩ። ካብ “ጁባኻ” ሓንቲ ከየውጻእካ ክንድ’ዚ ዝኣክል ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትካላት ምህናጽ ድማ ብቅዓት መሪሕነትና ዘነጽር እምበር ድኻም ዘመልክት ኣይኮነን።

ዋሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞሉ ከምዝብሃል እዚ ሰብ’ዚ ናብ ዕብዳን ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሃገረ ኤርትራ መንግስቲ የብላን ኣብ ምባል ብጺሑ ኣሎ። መንድኣ እዛ ሃገር የማሃድራ ኣሎ? ከመይ ጌራ ቆይማ ኣላ? ካን ከም ባዓል ሶማል መንግስቲ ኣልቦ ዲና? እስከ ኣብ’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ባዕሉ ዝጸሓፎ “ንስለ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ…” ዝብል ዘስፈሮ ጽሑፍ ንተዓዘብ፣

  • “ብወገነይ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ድኽመት ከምዘለዎ ፈጺሙ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ከምቲ ንብዙሓት ዝርድኦም ፈጺሙ ዝደኸመ ሓይሊ ኣይኮነን። ካብ ሓያል ጎኑ ንኣብነት ንምጥቃስ…”
  • “መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝነበሮ ናይ ሓድነት ታሪኽ ክዕቕብ ኪኢሉ እዩ…”
  • “….መንግስቲ ኤርትራ ንባህላዊ ቡዝሕነት ህዝብታት ኤርትራ ምስ ሓድነት ኣጠዓዒሙ ዝኸደን ዝኸይድ ዘሎን እዩ….”
  • “…መንግስቲ ኤርትራ ናብ ገጠር ዝጠመተ ፖሊሲ ኣለዎ።… መንግስቲ መበገሲ ዝኸውን ትሕተ ቅርጻታት ዓሚሙ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ሕርሻ፣መራከቢታትን..”
  • “… መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ሓደ ሓያል ናይ ምክልኻል ሰራዊት በቲ ካልእ ዘረጋገጸ መንግስቲ እዩ።..”

እዋእ ሎሚ ድኣ እንታይ ተረኺቡ ምስፋር ሓርጭን መንግስቲ የለን ምባል እንታይ ኣምጽኦ? ካን ግምጥል ከም ዝሓረረ ቅጫ። ኣብ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ክትፋላለ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ንክብሪ ተጋደልትን ህዝብን መንግስትን ምግሃስ ግን ገበን እዩ። ካብቶም ሰውራ ናይ ሸፋቱ እዩ ነይሩ ዝብሉ ዘለዉ ካብኦም ብምንታይ ክንፈልየካ።

እወ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ካብ ህዝብና ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር እዩ። ኣድህቦ መንግስቲ ድማ ኣብ ገጠር ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ማለት ግን ከተማን ሓውሲ ከተማን ፈጺሙ ክርሳዕ ማለት ኣይኮነን። ሃገራዊ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር መሰረት ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመርኮሰ ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተወልደ ጠቂስዎ ዘሎ ዝገልጽ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ገጠርን ከተማን ኣብ መንጎ ሩኹባትን ሱኡናትን ዘሎ ጋግ ዘጽብብ ኩሉ ዜጋ ሃብቲ ሃገር ብማዕረ ዝጥቀመሉን ህዝቢ ብስኒትን ሓድነትን ከም ዝነብር ምግባር እዩ።ሰብ ክይሰርሐ ምህርቲ ኣይሓፍስን እዩ። ምህርቲ ምስ ተረኽበ ድማ ሓርጭን ካልእን ይርከብ፣ ቁጠባ ይሕይል ካብ ተመጽዋትነትን ሸመተን ትገላገል።

ታሪኽ ብሓፋሽ እምበር ብውልቀሰባት ኣይስራሕን እዩ። ግደ ውልቀሰባት ግን ኣብ ታሪኽ ዓቢ ግደ ኣለዎ። ሓያልን ቀላስን መሪሕነት መሰረት ዓወት ሓፋሽ እዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ኩሉ ዝስራሕ ስርሓት መሰረቱ ሓያልን ዉሁድን መሪሕነት እዩ፣ ብዘይ ዉሁድ መሪሕ ፍረ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኩሉ መደባት መንግስቲ ኤርትራ ብውሁድ ስራሕ ዝትግበር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

* Bildergebnis für EPLF photos ዓወት ንሓፋሽ!!

ግርማይ የማነ

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events