Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ሕጊ፡ ንስኒትን ዕቤትን፣ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ- ሳልሳይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 02 April 2017

ሕጊ፡ ንስኒትን ዕቤትን፣ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ

 ሳልሳይ ክፋል
ሰንበት ማዝያ ዕለት 2, 2017 ዓም (ብፈረንጂ)
ሰንበት መጋቢት  ዕለት 24, 2009 ዓም (ብግዕዝ)

 ምርግጋጽ ንጽህና፡ ብመሰረት መትከልዚ፡ ድንጋገታት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ወይ ከኣ ዝኾነ ካልእ ሕጊ ብኣንጻሩ እንተዘይደንጊጎም፡ ዝኾነ ክሱስ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ንጽህናኡ ዘረጋግጸሉ መርትዖ ከቕርብ ክሕተት ከምዘይግባእ ድንጋገታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽሩ። እዚ መትከልዚ፡ ክሱስ ገበነኛ ምዃኑ ኪኖ ምኽኑይ ምጥርጣር ሓሊፉ ዘረጋግጽ መርትዖ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ናይ ኣኽባር ሕጊ ምዃኑ የነጽር። እዚ ማለት ከኣ ኣኽባር ሕጊ ክሲ ቅድሚ ምምስራቱ ኣንጻር ክሱስ ዝውዕል እኹል መርትዖ ከምዝተኣከበ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ ማለት እዩ። ኣኽባር ሕጊ ኪኖ ምኽኑይ ምጥርጣር ሓሊፉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከይሓዘ ክሲ ምስዝምስርት፡ ክሱስ ንጹህ ምዃኑ (ገበነኛ ዘይምዃኑ) ዘረድእ መርትዖ ምቕራብ ከየድለዮ ንጹህ ተባሂሉ ብነጻ ክሰናበት እዚ መትከል የገድድ። እዚ ማለት ግን ክሱስ ካብ ገበን ነጻ ንክበሃል ፈጺሙ መርትዖ ናይ ምቕራብ ግዴታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ደያኑ ነቲ ብኣኽባር ሕጊ ዝቐረበ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማር ክሱስ ንዝቐረበሉ ክሲ ውዒልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ እንተበጺሖም፡ ክሱስ ንዑኡ ዝድግፍ መርትዖ (መከላኸሊ መርትዖ) ብምቕራብ ክከላኸል ግዴታኡ እዩ። እዚ ኣብዚ ደረጃ ብክሱስ ዝቐርብ መርትዖ ንጽህናኡ ብቀጥታዊ መገዲ ዘረጋግጽ ክኸውን ወይውን ነቲ ብኣኽባር ሕጊ ዝቐረበ መርትዖታት ሕጋውነቱን ተኣማንነቱን ዝብድህ ወይ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘውድቕ፡ ሚዛኑ ዘጉድልን እንተኾይኑውን ናጻ ተባሂሉ ንክልቀቕ ዘኽእል ይኸውን።

1. መትከል ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፡ እዚ መትከል ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ገበናዊ ሕጊ ማዕረ ምዃኑን ድንጋገታት ገበናዊ ሕጊ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ ተፈጻምነት ከምዘለዎምን እዩ ዘውሕስ። ገበናዊ ሕጊ ኣብ ዓሌት፡ መበቆል፡ ቋንቋ፡ ሕብሪ፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ስንክልና፡ ዕድመ፡ ቁጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ጽፍሒ ተመርኲሱ ብኣፈላላይ ዝፍጸም ከምዘይኮነ ከኣ የረጋግጽ።............................
 
..............*ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኹም።
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events