Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ሓርበኛ ስዉእ... ገብርሂወት ሓምቢር.............

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 07 April 2017

ሓርበኛ ስዉእ... ገብርሂወት ሓምቢር.............
 
 
April 7, 2017

ወዲ ሓምቢር ኣብ ከባቢ 1949 ኣቢሉ ኣብ ኳዜን ካርነሽም ዝተወልደ ደርባዊ ቦታኡ ድማ ሓረስታይ ምዃኑ እዩ።ኣብ 1971 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ ተዋዛዪ ሕርኽርኽ ዝብሎ ነገር ዘይሓብእ፡ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ቃልሱ ብ 1971 ጀሚሩ ኣብ ዛዛሚ ኲናት ግምባር ደቀምሓረ ብደረጃ መራሕ ብርጌድ እናዋግአን እናተዋጋአን ከሎ ናጽነት ኤርትራ ሰለስተ ማዓልቲ ጥራይ ክተርፋ ከሎ ብዕለት 21/05/1991 ዝተሰውአ ሓርበኛ በዓል ገዚፍ ውዕለት ህዝቢ ኤርትራ ኣዩ።ኣብ ሜዳ ምርዑው ሓንቲ ጓል ከም ዝነበረቶ'ውን ሰሚዐ ኔረ፡፡ኣጣሊለ ዝፈልጦ ጉዳይ ግን የብለይን።ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ህዝባዊ ግምባር ዝተፈላለየ መውጋእቲ የጋጥሞ ኔሩ'ዩ ወዲ ሓምቢር። ብ1975 ኣብ ከባቢ ርእሲ ዓዲ ሓንቲ ዓይኑ ስለዝተመንጠለት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓንቲ ዓይኑ'ዩ ዛዚምዎ። ወዲ ሓምቢር ብ1973 ክልተ ሓይልታት ህዝባዊ ሓይልታት ንከበሳ ደይበን ኣብ ዝነበራሉ ምስአን ነበረ።ኣብ ገምገም ሰሜናዊ ባሕሪ ብጾትና ነቦይ ሓምቢር ወላዲኡ ምስ ረኸብዎ ንሱ ድማ ታሕቲ ከባቢ ሰሎሙና ስለ ዝነበረ ነቦይ ሓምቢር ብሬድዮ ምስ ወድኻ ገብርሂወት ከነራኽበካ ቤልዎ። እንተኾነ ኣይኣመኖምን። #ሰካ! መጻወቲ ክገብራኒ'የን ደልየን እዘን ቆልዑ እናበለ፡ ደዊሎም ርኸቦ በልዎ። ሰላም ኣቦ ! ደሓንዶ ኣሎኻ ? ከመይ`ከ ኣለኹም ብሓፈሻ በሎ። ንስኻ ገብርሂወት ዲኻ ብሓቂ! እወ ኣቦ ገብርሂወት እየ። ብሓቂ ገብርሂወት እንተኾንካ ኣቡዑርና መነመን ይባሃሉ? እገለን እገለን ምስ በሎ፡ ኣማን ብኣማን ገብርሂወት ወደይ ኢኻ ኢሎሞ ኣብ ጉዳይ ስድራቤት ኣትዮም ኣዕለሉ። ብ1975 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኲናት ዝተኻየደሉ ቦታታት ደርጊ ዓድታት የንድድ ነበረ። ኣብ ድሕሪት ኳዜን ሰለስተ መዓልቲ ተዋጊእና ጸላኢ ስልዝደፋኣና ንዃዜን ምስ ኩሉ ውቁብ ህድሞታታ ኣንዲዶማ።ኣብ ሳልስቱ ኣቦይ ሓምቢር ዝነደደ ገዝኦም ንምቕባጽ ንዓዲ ካኣትዉ ጎፍ በሉና። ኣቦይ ሓምቢር ናበይ ደሊኹም? ንዓዲ። ንዓዲ ደኣ ጸላኢ ከሎ እንታይ ክትገብሩ ክቐትለኩም እዩ፣ ኣይፋልኩምን ንብሎም ኣነን ካልኣየይ ስዉእ ተኽላይ ክብሮምን ።ስምዑ ተጋድሎ፡ ኳዜንን ሓድሽ ኣበባን ብሓደ እየን ተፈጢረን። ኳዜን ነዲዳ ሓድሽ ኣበባ ድማ ኬድኩም ተንድድዋ። ኣነ ግን ኣይምለስን እየ ኢሎሙና ንዓዶም ኣምርሑ። ርብዒ ስዓት ምስ ከዱ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክሳድ ጸኒሖም ጦር ሰራዊት ''ቁም'' በልዎም። ኣቦይ ሓምቢር ኣላታን የብላን ነታ በትሮም ሸንጒጎም ምስ ገደፍዋ ወዮ ጦር ሰራዊት ገለ ደርብዮምልና ኢሎም በጥ በሉ። ሰብኣይ ብእግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም ተመልሱ። ጥያይቲ ሰሚዕና እንተጽናጸና እናላህልሁ ህሩግ በሉና። ኣጥፊኦሙኒ ነይሮም እዞም ርጉማት። ሕርቃን ዘይገብሮ የብሉን ሚኪኤል ኣለኻ ኢሉኒ ኣነኹልኩም ወጺአ በሉና። በቲ ትብዓቶም ግን ተገሪምና ኢና። ''ደፋርን ትክን መውጽኢ ኣይስእኑን እዮም''ድማ በልና።

 

1976 ናቕፋ ኣብ ከበባ ኣትያ ዘረጥረጥ እናበለት ከላ ደርጊ ሰራዊቱ ካብ ምድምሳስ ንምድሓን ኣየርወለድ ብፓራሹት ናብ ጎልጎል ናሮ ኣውረደ፣ ሽዑ ኣብ ከባቢ ናቕፋ ካብ ዝነበራ ሓይልታትን፡ ከምኡ'ውን ካብ ደጀን ክፍልታት ተዋጺኦም ንሓይሊ ኣየርወለድ ደምሲሶም ዝማረኽ እውን ተማረኸ። ናይቲ ግምባር ኣዛዚ ዝነበረ ዓሊ ስይድ ዓብደላ ንወዲ ሓምቢር ከመይ ዛኣምሰሉ እዮም እቶም ምሳኻ ዘለዉ ምሩኻት በሎ፣ ወዲ ሓምቢር እቲ ሓደ ብዓል ቆጽሊ ከማኻ እዩ፡ናይ ሚእቲ ሓለቓ ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ፡እቶም ክልተ ግን ከማይ ድብኦታት እዮም ክብል መለሰሉ። ኣብ ህዝባዊ ግምባር ድብኦ ከም መግለጺ ዘይትተማህረ ሰብ መጭረቒ ኮይና ዘገልገለት ካብ ተረካብ ዘረባታት ወዲ ሓምቢር ነበረት።

ኣበድ ተስፋይ

=====================

#ዓለም_ጨካን......

ንዒስራ ዓመት ዝኣክል ምእንቲ ሓርነት ህዝቡ ዝተቓለሰ፡፡ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ምረት ናይ ገድሊ ኤርትራ የሕሊፋ፡ ንጩራ ናጽነት ኤርትራ ሪእዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ድርኩኺት ኣፈፌታ ምስ በጽሐ ብዕለት 21 ግንቦት 1991 ዝተሰውአ ፡፡ 


ን7300 መዓልታት ንስለ ናጽነት ኤርትራ ምረት ገድሊን ገድሊ ዝጠልቦ መስዋእትን ከምዘይተጸመመን ዘሕለፈን፡ ናጽነት ኤርትራ 3 ማዓልቲ ጥራይ ምስ ተረፎ ናብቶም ቀዲሞሞ ስለናጽነት ኤርትራ ዝሓለፉ የሕዋቱ ሲዒቡ ገብሪሂወት ሓምቢር፡፡ 
በቃ ተሰዊኡ! ናይ ብሓቂ ዓለም ጨካን!

ኣቦ ታሪኽ ጎይታ ጅግንነት
ሕውስ ምስ ኩሉ ብሕውነት
ዋዛ ሰሓቕ ዝኣመሉ
ቆራጽ ጅግና'ዩ ኔሩ
ጋንታ ወዲ ሓምቢር
ብሕክያ ተደሪራ ትሓድር
ሰሚዐ እናበሉ ከዕልሉ
ታሪኽካ ኣውዒሉ ኣሕዲሩ
መወዳእታ'ኳ ዘይብሉ
ተስፋ ራኢ ዝሓዘለ
ኣብ ሓዊ ኮይኑ ዝደበለ
ንድሕሪት እኳ ግልጽ ዘይበለ
ዓወት ንሓፋሽ ምስ በለ
ንስለ ናጽነት ሂወቱ ዝኸፈለ፡፡

ሓርበኛ ኣይነብርን'ዩ ታሪኹ'ዩ ዝውረስ!!!
ዘላኣለማዊ ዝኽር ክብርን ንስዋኣትና፡፡

ዓወት ንሓፋሽ!!!

========================

ወዲ-ሓንቢር ውሑዳት ደቓይቕ ቅድሚ መስዋእቱ
ዕለት 19/05/91 ክ/ሰራዊት 85 ኣብ መጥቃዕቲ ዛዛሚ ኩናት ደቀምሓረ ካብ ድፍዓት እንዳደቆ ንጸጋም ዝነበረ ድፍዓት ጸላኢ ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ህ/ሰራዊት ብምውህሃድ ዝጀመሮ በርቃዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ኣፍደገ ኣስመራ ኣዝዮም ብዙሓት ብሉጻት ብጾት እዩ መስዋእቲ ከፊሉ ። ሓደ ካብኦም ኣብ 1971 ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ብጻይ ገብሪሂወት ሓንቢር ፡ ክ/ስ 85 ቅድሚ ናይ ደቀምሓረ ዛዛሚ ኩናት ግንባር ደቀምሓረ ካብ ሰርሒት ፈንቅል ክሳብ መጥቃዕቲ ደቀምሓረ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ጽርግያ ኣስመራ ባጽዕ ብምዕጻው ምስ ጸላኢ ኣብ ምትሕንናቅ እዩ ኔሩ። ጸላኢ ባጽዕ ንምምላስ ዘይተኣደነ ሰብን ኣጽዋርን ኣክቲቱ ኣዝዩ መሪር ህልቂት ዝመልኦ ውግእ`ኳ እንተካየደ ብመኸተ ተባዓት ተጋደልቲ በርዒኑ ። ጸላኢ ተዳኪሙ ኣብ ምክልካል ስለዝኣተወ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ተዛማዲ ዕረፍቲ እዩ ኔሩ።


ወዲ ሓንቢር ዝርከቦም ብዙሓት ሓለፍቲ ብደረጃ ክ/ሰራዊት ወዲ ሓንቢር ጠርኒፍዎም ካብ ድፋዓት ወሪዶም ኣካዳምያዊ ዓቅሞም ክብ ንምባል ፍሉያት መምሃራን ተመዲቦምሎም ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣሃዱና ንመጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረ ተበጊሱ ። ክ/ሰራዊት ትምህርቶም ክከታተሉ`ኳ መምሪሒ እንተሃቦም ፡ ወዲ ሓንቢር ግን ምስቲ ዝነበሮ ሃንቀውታ ናጽነትን ወኒ ናይ ውግእን ኣሃድኡ ኣብ ውግእ እንከሎ ንኩሎም ምስኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሒዙ ክመሃር ሕልንኡ ስለዘይተቀበሎ ንኩሎም ኣብ ትምህርቲ ዝነበሩ ሓለፍትን መምሃራንን ጠርኒፉ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ድኣ ተራእየ ። ኣሃዱና ዕለት 19/05/91 ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ድፍዓት እንዳደቆ ብከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ኣፍሪሱ ካልኣይ. ሳልሳይ ድፋዓት ጸላኢ ደምሲሱ ኣብ ድፋዓት ዓዲ-ሃርም ናይ ተሓናነቕ ውግእ ኣካይዱ። ጸልማት ስለዘርከበ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ሃርም ሓዲሩ ። ንጽባሒቱ ዕለት 20/05/91 ወጋሕታ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ጸላኢ ጸራሪጉ ብክሳድ ዓዲ-ሃርም ብምውራድ ንጎላጉል ከባቢ ጉራዕን ጀራዲን እንዳ ጋሎን ተጸጊዑ። መካናይዝድ ታንኪታት ንኩሉ ተቃውሞታት ሰጊረን ቀልጢፈን ብኪሳድ ዓዲ- ሃርም ንጎላጉል ስለዝወረዳ ። ኣጋር ሰራዊትን ታንኪታትን ብምውህሃድ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ሓይልና ጽርግያ ደቀምሓረ- ጉራዕ ቆሪጽና ኣምሁር ተቆጻጺርና ብወገን የማን ዝነበሩ ውን ንጸላኢ ደፊኦም ንበረኽቲ ቦታታት ሃዳሙን ከባቢኡን ስለዝተቆጻጸሩ ጸላኢ ተበታቲኑ ንደቀምሓረ ገዲፍዋ ንድሕሪት ሃዲሙ ደቀምሓረ ዕለት 20/05/91 ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽርና ኣትያ ። ሓይልና መዓስከራት ጸላኢ ብምቁጽጻር ኣብ ከባቢ ብሎኮ ደቀምሓረ መገዲ ኣስመራ (መዓስከር ጸላኢ ዝነበረ) ዓበይቲ ኣኻውሕ ፋሕ ኢልና ኣመት ዕጥቅን ስንቅን ክንገብርን ንስራሕ ኣብ ምድላውን እንከለና ወዲ-ሓንቢርን ካልኦት ሓለፍትን ዝርከብዎም በቲ ዝነበርክዎ ቦታ ክሓልፉ ጎፍ ንጎፍ ተራኪብና ብጭርቃን ተቀቢሉኒ፡ ሰላምታ ተለዋዊጥና `እዚ ከርናፍ ደቀምሓረ ኣግዲፍናዮ ነፈርቲ የዕገርግራ ስለዘለዋ ሓደ ሰብ ክጎድለና የብሉን ኣብዚ ኣኻውሕ ፋሕ ኣብልዎም` ኢሉኒ ፡ ነፈርቲ እንዳዕገርገራ ድኣ ናበይ ደሊኩም ሓንሳእ ዘይትጸንሑ ኢለዮ። ንሰራዊት ንቅድሚት መእተዊ መገዲ ክንርእየሉ ኢሉኒ ተፈላሊና`።
ይቕጽል.........

ምንጪ Eritrean Home


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events