Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ሕጊ ንስኒትን ዕቤትን-ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ 4ይ ክፋልን መወዳእታን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 11 April 2017

ራብዓይን መወዳእታን ክፋል

1.ማእሰርቲ፡
ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዝድንግጎ ዝወሓደ ደረት ግዜ ማእሰርቲ ሓደ ወርሒ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝለዓለ ደረት ግዜ ማእሰርቲ ከኣ 27 ዓመት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ማእሰርቲ ንሕልፈትውን ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ደንጊግዎ ዘሎ ዓይነት መቕጻዕቲ ከምዝኾነ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እቲ ዝፈኾሰ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ንሕብረተሰብ ኣዝዮም ሓደገኛታት ብዘይኮኑ ገበነኛታት ኣብ ዝተፈጸሙ ፈኮስቲ ገበናት ክዝውተር ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ይድንግግ። ከበድቲ ገበናት ዝውሰን ዝተሓተ ደረት ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ  ሓደ ዓመት ክኸውን ከሎ እቲ ዝለዓለ ገደብ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከኣ 27 (ዕስራን ሸውዓተን) ዓመት ኮይኑ ተደንጊጉ ዘሎ። መጠን ወይ ንውሓት ናይ ማእሰርቲ ከከም ደረጃ ክብደት ዝተፈጸመ ገበን ዝተሰርዐ ኮይኑ፡ ገበነኛ ንምቕጻዑን ንምህዳሱን ጥራይ ዘይኮነ ብመንገዲ ማእሰርቲ ንሕብረተሰብ ካብ ስግኣት ነጻ ንምግባርውን ዝዓለመ እዩ። ናይ ሕልፈት ማእሰርቲውን ብተመሳሳሊ ንኣዝዮም ሓደገኛ ገበናዊ ዝምባለ ዘለዎም ገበነኛታት ዝውሰን ፍርዲ ኮይኑ፡ ብዘይካ ንተሃድሶ ነቶም ካልኦት ሰለስተ ዕላማታት መቕጻዕቲ የገልግል.................

................ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ።

ብርሃነ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events