Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: ሕጊ ንስኒትን ዕቤትን-ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 21 April 2017

April 21, 2017

I.ኣኽባር ሕጊ

  • ·      .ብፖሊስ ንዝካየድ መርመራዊ ስራሓት ምቁጽጻር፡ ምምራሕን ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ መርመራዊ ስራሓት ፍጻመ ገበን ምክያድን፡
  • ·      .ብፖሊስ ዝካየዱ መርመራታት ገበንን ምቕያድ ጥርጡራትን ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሱ ምዃኖም ምርግጋጽ፡
  • ·      .ርጉጽ ምስ ዝኸውን መስርሕ ገበናዊ ፍርዲ ከም ዝብገስ ምግባር፡
  • ·      .ንሃገር ወኪልካ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብን ኣብ ይግባይ ኮነ ካልኦት ገበናዊ ጉዳያት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ንሃገር ወኪልካ ምቕራብን፡
  • ·      .ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መደበራት ፖሊስን ካልኦት መቐየዲ ቦታታትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ቅዩዳትን ምምርማር፡
  • ·      .ረብሓ ህዝብን መንግስትን ኣብ ዝትንክፉ ሲቪላዊ ጉዳያት ከም በዓል ጉዳይ ሲቪላዊ ክሲ ምምስራትን ኣብ ዝተመስረተ ክሲ ጣልቃ ኣቲኻ ምክርኻርን እጃም ወይ ከኣ ሓፈሻዊ ዕማም ኣኽበርቲ ሕጊ እዩ።

II.ኣብያተ ፍርዲ

  • ·      .ምክያድ መርመራ ቅድመ- መጋባእያ። ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከም ዝግባእ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ደንጊጉ ይርከብ። እዚ ከኣ ጥርጡር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርበሉ ህሞት ኮይኑ፡ ኣብዚ ምቕራብ’ዚ ቤት ፍርዲ ሕጋውነት ኣቀያይዳ ጥርጡር የረጋግጽን ንውሕስነት ብዝምልከት ይውስንን።
  • ·      .በይናዊ ስልጣን ምክያድ መስርሕ ፍርዲ። ዝኾነ ገበናዊ ፍጻመ ብዘይካ ብኣብያተ ፍርዲ ብዝኾነ ካልእ መንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ኣካል መስርሕ ፍርዲ ከም ዘይካየደሉ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽር። ስለዚ፡ ምክያድ መስርሕ ገበናዊ ፍርዲ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ዕማም ጥራይ ምዃኑ ድንጋገታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽሩ።
  • ·      .በይናዊ ስልጣን ምስማዕ መረረ ይግባይ። እዚ’ውን ብተመሳሳሊ መረረ ይግባይ ናይ ምስማዕ ስልጣን ናይ ኣብያተ ፍርዲ ጥራይ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።
  • ·      .በይናዊ ስልጣን ፍሉይ ዳግመ ምርኣይ ፍርዲ። ኣቐዲሙ ተወሲኑ ዝሓደረ ጉዳይ ዳግም ክረኣየሉ ዝኽእል ኩነታት ድንጋገታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ኣነጺሮም ይርከቡ። ብመሰረት’ዚ ኩነታት ተወሲኑ ንዝሓደረ ጉዳይ ዳግም ናይ ምርኣይ ስልጣን’ምበኣር ናይ ኣብያተ ፍርዲ ጥራይ ምዃኑ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽር።
  • ·      .ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መደበራት ፖሊስን ካልኦት ቦታታት ቀይድን ዘሎ ኩነታት ምክትታልን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ዝርከቡ እሱራትን ቅዩዳትን ብግቡእን ሰብኣዊ ብዝኾነ ኣገባብን ከም ዝተታሕዙ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ትእዛዛት ምሃብ።
  • ·      .መጋባእያ ግቡእ ንጥፈታቱ ንኸካይድን ስርዓት መጋባእያ ንምዕቃብን ዘድሊ ትእዛዛት ምሃብ፡
  • ·      ስልጣንን ሓፈሻዊ ዕማምን ኣብያተ ፍርዲ ምዃኑ ድንጋገታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽሩ።

III.ኣብያተ ማእሰርትን ተሃድሶን

  • ·      .ብትእዛዝን ፍርድን ኣብያተ ፍርዲ ንዝቐርቡ እሱራት ምቕባልን ሕጊ ተኸቲልካ ትእዛዝ ወይ ፍርዲ ኣብያተ ፍርዲ ምፍጻምን፤
  • ·      .እሱራት መቕጻዕቶም ብግቡእ ዝፍጽምሉን ተሃዲሶም ተማእዘዝቲ ሕግን ኣበርከትቲ ዜጋታትን ዝኾኑሉ ኩነታት ምፍጣርን ከኣ ሓፈሻዊ ዕማም ኣብያተ ማእሰርትን ተሃድሶን እዩ።
  • ·      እዚ ብሓፈሻ ተዘርዚሩ ዘሎ ዕማማት ኣካላት ስርዓት ገ
    በናዊ ፍትሒ ብዝርዝር ንምርኣዩ፣

1.ገበናዊ መርመራ ብመንጽር ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ

መስርሕ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ብምቕባል ወይ ብምርካብ ሓበሬታ ገበን ከም ዝጅምር ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ የነጽር። ሓበሬታ ገበን ፈለማዊ መድረኽ መስርሕ መርመራ ገበን ኮይኑ፣ ሓደ ገበን ከም እተፈጸመ ወይ ይፍጸም ከምዘሎ ወይ ንምፍጻም ኣብ ምቅርራብ ከምዘሎ ዝእምት ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ብጽሑፍ፡ ብቓል፡ ብኤሌክትሮኒካዊ መራኸቢታት …ወዘተ ክቐርብ ዝኽእል ኮይኑ ሓቅነቱ ኣብ መስርሕ መርመራን ፍርድን ብዝገሃድ መርትዖታት ዝረጋገጽ ጸብጻብ’ዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ወይ ኣብ ምፍጻም ዝርከብ ወይ ከኣ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ገበን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ ኣቓልቦ’ዞም ኣካላት ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ (ብፍላይ ከኣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊን ፖሊስን) ምስ ዝበጽሕ መስርሕ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ይጅምር።

ብመሰረት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ሓበሬታ ገበን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከቕርብ መሰል ኣለዎ። ሓበሬታ ገበን ንሓደ መርመራ ገበን ከካይድ ስልጣን ናብ ዘይለበሰ ሰብ ወይ ኣካል ምስ ዝቐርብ፡ እቲ ብሕጊ ስልጣን ዘይተዋህቦ ሰብ ወይ ኣካል ንዝበጽሖ ሓበሬታ ገበን ናብ ፖሊስ ወይ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከም ዝበጽሕ ክገብር ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ግዴታ የሰክም። ሓበሬታ ገበን ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ምስ ዝቐርብ ከኣ እቲ ቤት ጽሕፈት ባዕሉ መርመራ ከካይድ ወይ ከኣ መርመራ ንኽካየድ ናብ ዝምልከቶ ፖሊስ ክልእኮ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ግዴታ የሰክሞ።

ሓበሬታ ገበን ዝቐረበሉ ፖሊስ ወይ ከኣ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ብካልእ ኣገባብ ንዝበጽሖ ሓበሬታ ናብ ጽሑፍ ብምቕያር “ዝከኣል እንተኾይኑ” ነቲ ሓበሬታ ዘቕረበ ሰብ ከፈርሞ ከምዝግባእ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ይድንግግ። ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ “ዝከኣል እንተኾይኑ” ዝብል ሓረግ ዘእተወሉ ምኽንያት፣ ሓበሬታ ገበን ብኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብቴሌፎን፣ ብፖስታ፣ ብኢ-መይልን ካልኦት ኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ መራኸቢታትን ኣብ ኣቓልቦ ኣካላት ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ብኣካል ዘይቀርቡ ሓበሬታ ገበን ናብ ጽሑፍ ድሕሪ ምስፋር ነቲ ሓበሬታ ዘቕረበ ሰብ ምፍራም ከየድለየ መስርሕ መርመራ ክብገስ ከምዝከኣል ንምሕባርን እዩ።

እዞም ዝምልከቶም ኣካላት ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ኣብ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ተመርኲሶም ገበን ተፈጺሙ ክኸውን፡ ኣብ ምፍጻም ክህሉ ወይ ከኣ ኣብ መጻኢ ክፍጸም ይኽእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምስዝበጽሑ፡ መርመራዊ ስራሓት ከካይዱ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ግዴታ የሰክሞም። ይኹን’ምበር፡ መርማሪ ፖሊስ፡ ዝቐረበሉ ሓበሬታ መርመራዊ ስራሓት ንምክያድ እኹል መበገሲ የብሉን ናብ ዝብል መደምደምታ እንተበጺሑ፡ ወይ ከኣ መርመራዊ ስራሓት እንዳ’ካየደ እንከሎ ኣንጻር ጥርጡር ክሲ ንምምስራት ዘኽእል ምኽኑይ መበገሲ የለን ናብ ዝብል መደምደምታ እንተበጺሑ፡ ነቲ ሓበሬታ ሒዙ ዝቐረበ ሰብ እዚ መደምደምታን ናብዚ መደምደምታ ንክበጽሕ ዝደረኾ ምኽንያትን ክሕብሮን ተቓውሞ እንተለዎ ናብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከቕርብ ምስ ስምን ምሉእ ኣድራሻን ናይ’ቲ ዝምልከቶ ኣኽባር ሕጊ ኣሰንዩ ክሰዶን ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ግዴታ የሰክሞ።

ፖሊስ ኮነ ኣኽባር ሕጊ ብከምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ኣብ ዝቐረበሎም ሓበሬታ ገበን ተመርኲሶም መርመራ ንዘይምክያድ ምስ ዝውስኑ ከኣ እቲ ሓበሬታ ሒዙ ዝቐረበ ሰብ ብስልጣን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣኽባር ሕጊ ናብ ዝርከብ ካልእ ኣኽባር ሕጊ ናይ ተቓውሞ ጥርዓኑ ከቕርብ ይኽእል። እዚ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ዝቐረበሉ ኣኽባር ሕጊ መርመራዊ ስራሓት ንምክያድ እኹል መበገሲ ባይታ ኣሎ ናብ ዝብል መደምደምታ ምስ ዝበጽሕ፡ ባዕሉ መርመራዊ ስራሓት ከካይድ ወይ ከኣ ንከምኡ ዕላማ ናብ ዝምልከቶ ፖሊስ ክመርሖ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ግዴታ የሰክሞ። እዚ ኣብ መወዳእታ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ዝቐረበሉ ኣኽባር ሕጊ ሕጂ’ውን ከምቲ ብስልጣን ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ኣኽባር ሕግን ፖሊስን ዝወሰንዎ ተመሳሳሊ ውሳነ ምስ ዝህብ ግን፡ እቲ ሓበሬታ ሒዙ ዝቐረበ ሰብ ናይ ይግባይ መሰሉ ይጽንቀቕ።

ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ናብ ኣፍልጦ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ወይ ፖሊስ ዝበጽሕ ሓበሬታ ገበን ብኡ ንብኡ መስርሕ ገበናዊ መርመራ የጀምር ማለት ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ የድሊ። ብመሰረት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ምጅማር ገበናዊ መርመራ ኣብ ክልተ ነጥብታት ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ ቀዳማይ ንውልቃዊ ገበናት ብዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ንህዝባዊ ገበናት ብዝምልከት እዩ።

ውልቃዊ ገበናት ዝበሃሉ፡ ካብ’ቲ ግዳይ ናይ’ቲ ፍጻመ ገበን ሓሊፎም ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢ ጉድኣት ዘየስዕቡ ወይ ከኣ ንሰላምን ስርዓትን ሕብረተሰብ ስግኣት ዘይፈጥሩ ቀለልቲ ገበናት ከም ጸርፊ፡ ጸለመ፡ ዝሙት፡ ቀሊል ማህረምቲ ወዘተ… ክኾኑ እንከለዉ፡ ህዝባዊ ገበናት ዝበሃሉ ግን ሰላምን ስርዓትን ሕብረተሰብ ክዘርጉን ንኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሕብረተሰብ ዕንቅፋት ክኾኑን ዝኽእሉ ከበድቲ ገበናት ከም ብልሽውና፡ ስርቂ፡ ምትላል፡ ከትሪ፡ ስልጣንካ ተጠቒምካ ረብሓኻ ወይ ረብሓ ካልእ ሰብ ምኽዕባት፡ ምስናዕ ሰነዳት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ ርክብ ምስ ትሕቲ ዕድመ፡ እምባጋሮ፡ ቅትለት፡ ኣካል ምጉዳል …ወዘተ ዝኣመሰሉ እዮም።

ኣብ ውልቃዊ ገበናት፣ ብዱል ወግዓዊ ክሲ ክሳብ ዘየቕረበ (ነቲ ጥርጡር ክኸሶ ድሌት ከም ዘለዎ ብወግዒ ክሳብ ዘይሓበረ ማለት እዩ) ዋላ እቲ ፍጻመ ገበን ናብ ኣፍልጦ ፖሊስ ወይ ኣኽባር ሕጊ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይብጻሕ፡ መስርሕ ገበናዊ መርመራ ኣይጅምርን። ኣብ ህዝባዊ ገበናት ግን ዋላ ብተበዳሊ ወግዓዊ ክሲ ኣይቕረብ (ወይ’ውን ዋላ በቲ ገበን ብቐጥታ ዝተበደለ ውልቀ ሰብ ኣይሃሉ)፡ ሓበሬታ ገበን ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ኣብ ኣቓልቦ’ዞም ዝምልከቶም ኣካላት ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ምስ ዝበጽሕ’ሞ መርመራዊ ስራሓት ንምክያድ መበገሲ ባይታ ኣሎ ዘብል ምኽንያት ምስ ዝህሉ፡ መስርሕ ገበናዊ መርመራ ክጅምር ግዴታ እዩ።

ኣብ ህዝባዊ ገበናት፡ ከሳሲ እቲ ብዱል (ብቐጥታ ዝተበደለ ሰብ እንተድኣ ሃልዩ) ዘይኮነስ፡ መንግስቲ እዩ። ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ከኣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኣብ ገበናዊ ጉዳያት ንመንግስቲ ወኪሉ ክሲ ከቕርብን ክሳብ መወዳእታ ክከታተልን ስልጣን ዝለበሰ መንግስታዊ ኣካል እዩ። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ገበናት እቲ ብዱል ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰሉ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ገበናዊ ፍርዲ ግን፡ ምናልባት ምስክር ኴንካ ናይ ምቕራብ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኢድ የብሉን። ስለዚ፡ ኣብ ውልቃዊ ገበናት ብዱል ወግዓዊ ክሲ ብምቕራብ ናይ ምኽሳስ ድሌቱ ምስ ገለጸ ጥራይ መስርሕ ገበናዊ መርመራ ዝጅምር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ህዝባዊ ገበናት ግን ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ወይ ከኣ ፖሊስ ሓበሬታ ምስ በጸሖ ጥራይ መስርሕ ገበናዊ መርመራ ከም ዝጅምር ኮይኑ ኣብ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ተደንጊጉ ይርከብ።

ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ደንጊግዎ ዘሎ ካልእ ኣገባብ ምጅማር መስርሕ ገበናዊ መርመራ፡ ጥርጡር ገበን ምስ ፈጸመ፡ ወይ እንዳፈጸመ እንከሎ ወይ ክፍጽም ምዃኑ ምስተፈልጠ ብውዕዩ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ምስ ዝውዕል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክሲ ወይ ምልክታ ምቕራብ ከየድለየ መስርሕ ገበናዊ መርመራ ብኡ ንብኡ ከም ዝጅምር ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ይድንግግ። ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ግን፡ እቲ ዝተፈጸመ፡ ወይ ዝፍጸም ዝነበረ፡ ወይ ኣብ ቀረባ መጻኢ ክፍጸም ዝተመደበ ገበን ውልቃዊ ገበን (ብድሌት ብዱል መስርሕ መርመራ ገበን ዘጀምርን ዘቕጽዕን ገበን) ምስዝኸውን፡ ብዱል ብውሑዱ ብቃል ናይ ምኽሳስ ድሌቱ ኣነጺሩ ክሳብ ዘይገለጸ መስርሕ መርመራ ኣይጅምርን ጥራይ ዘይኮነ ጥርጡር’ውን ዋላ ብውዕዩ እንተተታሕዘ ኣብ ቀይዲ ኣይኣትውን። ዋላ’ኳ ቀንዲ ዕላማ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ፍጻመታት ገበን ብምክልኻል ስርዓትን ሰላምን ምውሓስ እንተኾነ፡ ብኣንጻሩ ግን ኣብቶም ብኽሲ ውልቀ-ተበዳሊ ጥራይ ዘኽስሱን ዘቕጽዑን ገበናት ስርዓትን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝዘርጉ ብዘይምዃኖም ብዘይ ግሉጽ ዊንታ ብዱል ቀጥታዊ ቀይዲ ኣይፍጸምን።

ስለዚ፡ ብመሰረት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ መስርሕ መርመራ ገበን ብምቕባል ሓበሬታ ገበንን ጥርጡር ብውዑዩ ምስ ዝተሓዝን ይጅምር። ገበናዊ መርመራ ግን እንታይ ዓይነት ሕጋዊ ንጥፈታት እዩ ዘጠቓልል?

መርመራዊ ስራሓት ብዘይካ ናብ ቦታ ፍጻመ ገበን ተንቀሳቒስካ ዝግበር ምእካብ መርትዖታት ምቕያድ ጥርጡር፡ ቃለ መርመራ ጥርጡር፡ ምቕባል ቃል ምስክርነት፡ ኣካላውን ከባብያውን ተፍትሽ፡ ምሓዝ ንመርትዖ ዝኾኑ ነገራት …ወዘተ የጠቓልል። እዞም መርመራዊ ንጥፈታት ሕጊ ተኸቲሎም ክፍጸሙ ከም ዘለዎም ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ይድንግግ። ቀጺልና’ምበኣር እዞም ድንጋገታት ብዛዕባ’ዞም ዝተጠቕሱ መርመራዊ ንጥፈታት ዝድንግግዎ ክንርኢ ኢና።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events