Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: ጉዳይ ታሪፍ ታክሲ ናበይ ገጹ. . .? ..ወነንቲ ታክሲ ንዝርአ ዘሎ ገለ ገለ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ብህዝቢ ንዝርአ ዘሎ ንሕጊ ዘይምጥባቕን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 22 April 2017

ጉዳይ ታሪፍ ታክሲ ናበይ ገጹ. . .? ..ወነንቲ ታክሲ ንዝርአ ዘሎ ገለ ገለ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ብህዝቢ ንዝርአ ዘሎ ንሕጊ ዘይምጥባቕን

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2017 – ገጽ 3 መበል 26 ዓመት ቁ.200

በዓል መዚ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ንተገልገልቲ ብዘርብሕን ንወነንቲ ተሽከርከርቲ ድማ ብዘይጐድእን መገዲ፡ ሓዲሽ ታሪፍ ናይ ኵለን ዓበይቲን ናእሽቱን ተንቀሳቐስቲ መካይን ኣውጺኡ ካብ ዝሰርሕ፡ ድሮ ሓያለ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ። በዚ ከኣ፡ ንርእዮ ዘለና ምጥሓስ ሕጊ ገዲፍካ፡ ህዝቢ ደሓን ዝዀነ ክፍሊት እናኸፈለ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ክኢሉ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። በዚ ኣጋጣሚ፡ ንሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ብሓፈሻ፡ ንበዓል መዚ መጓዓዝያ ምድሪ ድማ ብፍላይ፡ ስለ’ቲ ንኣዋጅ ሓድሽ ታሪፍ ተሽከርከርቲ አመስግን።

ወነንቲ ታክሲ፡ ሓደ ኣካል ናይ’ዚ ብመንግስቲ ንተሽከርከርቲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓዲሽ ታሪፍ’ዮም። ኣብ ታክሲ ተሰሊዑ ዘሎ ታሪፍ መንግስቲ ድማ፡ ምስቲ ቅድሚኡ ወነንቲ ታክሲ ንህዝቢ ዘኽፍልዎ ዝነበሩ መጠን ክፍሊት ክነጻጸር ከሎ፡ ዝወዳደር ኣይኰነን ኢልካ ምሕላፍ ይቐልል። ብመሰረ እዚ መንግስቲ ንወነንቲ ታክሲ ነዳዲ ብሕሱር ዋጋ እናሃበ፡ ንህዝቢ ብምጡን ክፍሊት ኣገልግሎት ከምዝህቡ ተገይሩ ዘሎ ኣገባብ፡ ተገልግልቲ ታክሲ ደሓን ዝዀነ ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለዉ ክበሃል ይከኣል – ብወነንቲ ታክሲ ንዝርአ ዘሎ ገለ ገለ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ብህዝቢ ንዝርአ ዘሎ ንሕጊ ዘይምጥባቕን ገዲፍካ ማለት’ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ወነንቲ ታክሲ፡ ንሓደ ሊትሮ ናፍታ ብ20 ናቕፋ፣ ንሓደ ሊትሮ በንዚን ድማ ብ30 ናቕፋ እናኸፈሉ ካብ መንግስቲ ነዳዲ ክዕድጉ ዘፍቅድ ምዃኑ ኣብቲ ዝወጸ ኣዋጅ ብንጹር ተገሊጹ እዩ። ብመሰረት መምርሒ ኪሎ ሜትር ከኣ፡ ነቶም ኣብ ተራ ጕዕዞ – ካብን ናብን ኣስመራ – ዝጕዓዙ ተገልገልቲ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ፣ ነቶም ብኮንትራት ዝጕዓዙ ከኣ፡ 70 ናቕፋ ከኽፍሉ ከምዝሰልዐ ይፍለጥ። ነዚ ከኣ ኵሉ ዜጋ – ተገልጋሊን ወነንቲ ታክሲን – ብማዕረ ዝፈልጥዎ’ዩ። ነዚ መግንስቲ ንህዝቢን ንወነንቲ ታክሲን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዘውጽኦ ታሪፍ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብሕጊ ናይቲ ዝወጸ ኣዋጅ ተቐይዱ ሓላፍነታዊ ብዝዀነ መገዲ ስሩዕ ስራሑ ንኸሰላስል ደኣ’ምበር፡ ኣዋጅ ደድሕሪ ምውጽኡ መንግስቲ ካብን ናብን እናተንቀሳቐሰ ንትግባረ’ቲ ኣዋጅ ክከታተል ከምዘይኰነ ርዱእ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኣዋጅ የውጽእ፣ ህዝቢ ድማ ብሕጊ ናይቲ ዝወጸ ኣዋጅ ተቐይዱ ይንቀሳቐስ ስለዝዀነ።

ኣብ መጽናዕቲ ተሞርኵስካ ምዝራብ ዝሓሸ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ቲ ፈለማ፡ ወነንቲ ታክሲ ብመሰረት ናይቲ ዝወጸ ታሪፍ ናይ ሓዲሽ ኣዋጅ ተቐይዶም ክሰርሑ ጀሚሮም ነይሮም ዝብል ውልቃዊ ትዕዝብቲ’ዩ ዘለኒ። ምስ ግዜ ግን፡ ወነንቲ ታክሲ (ዝበዝሑ ክዀኑ ይኽእሉ) ብፍላይ ኣብ ናይ ኮትራትን ኣብ ነዋሕቲ መስመራትን (ንኣብነት፡ ካብ ካቴድራለ ክሳብ ሰምበል) ልዕሊ’ቲ ዝተሰልዓሎም ታሪፍ ከኽፍሉ ይረኣዩን ምስ ዝኣበዩዎም ተገልገልቲ ዘየድሊ ዘረባታትን ጸርፊን ክሰናደዉን ይስምዑ ኣለዉ። ድሕሪ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ኸኣ’ሞ፡ ዳርጋ ኵለን ሽዑ ዝሰርሓ ታክሲ ካብ 20 ናቕፋ ዘይውሕድ’የን ዘኽፍላ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። እቲ ምኽንያት እንተሓተትካ’ውን ስለዝመሰየን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ደው ስለዝበላ ዝብል መልሲ’ዩ ዝወሃበካ። ታሪፍ ናይ ታክሲ፡ ሰዓታት ዝፈሊ ኣይኰነን – ኣብ ውሽጢ ኣስመራ 10 ናቕፋ ምዃኑ ዝሕብር። ማዕረ ማዕሪኡ’ውን ታክሲ ፌርማታ ሰለዘይብለን ካብን ናብን ሓደ መስመር 10 ናቕፋ ጥራይ ከኽፍላ’ዩ ዝግበኣን። ንኣብነት ካብ ሰምበል ንከተማ ኣብ እትኸደሉ እቲ መስመር ነዊሕ’ኳ እንተዀነ፡ እታ ታሪፍ 10 ናቕፋ’ያ። እንተዀነ፡ ካብ ሰምበል ክሳብ ኤክስፖ፡ ካብኡ ድማ ክሳብ ከተማ እናበሉ ክልተ ግዜ ክትከፍል ዘገድዱ ወነንቲ ታክሲ ኣይተሳእኑን። ካልእ፡ ዝበዝሑ ወነንቲ ታክሲ፡ ኣብ’ተን ቀረባ መስመራት – ቲራቮሎ፡ ኣኽርያ፡ ማይ-ተመናይ፡ ፓራዲዞ. . .ሓቢሮም ዕንክሊል ክብሉ’ዮም ዝረኣዩ። ካብ ከተማ ርሕቕ ኢለን ኣብ ዘለዋ፡ ከም ዓዲ ኣበይቶ፡ ሰምበል፡ ጎዳይፍ፡ ዓዲ ሰግዶ… ግን፡ ካብ ሰዓት 8:00 ናይ ምሸት ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ኣብ ግዜ ቀትሪ’ውን፡ ኣብ መጸበዪ ቦታ ጥር ትብል ታክሲ ከምዘይረኽቡ’ዮም ተገልገልቲ ዘማርሩ። እንተረኸቡ’ውን ወይ ኮንትራት ወይ ‘መምለሲ ስለዘይንረክብ’ ብዝብል ምስምስ ንሓደ ጕዕዞ ካብ 20 ናቕፋ ዘይውሕድ ከም ዘኽፍልዎም ይገልጹ። እቲ ዘለዎስ ከፈለ፡ እቲ ዘይብሉ ግን ከኣ ብስራሕ ዘምሲ ሰብ ደኣ እንታይ ይኹን?

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ሓላፊ ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል ኣቶ በየነ ተስፋማርያም፡ ብዛዕባ ወነንቲ ታክሲ ከማልእዎ ዝግብኦም ሕጊ ታሪፍ ብዝርዝር ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ ነይሩ። ኣቶ በየነ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ንዅሉ ዕለታዊ ንጥፈታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወነንቲ ታክሲ ነቲ ሕጊ ታሪፍ ክትግብሩዎ ናይ ቃል መጠንቀቕታኡ ሂቡ’ዩ። ወነንቲ ታክሲ ግን (ዝበዝሑ ክዀኑ ይኽእሉ) ነዚ ጸማም እዝኒ ሂቦም ካብ ምስራሕ ኣይተቖጠቡን ዘለዉ። ነዚ፡ ብፍላይ ማሕበር ወነንቲ ታክሲ ብዕቱብ ጠሚቱ ኣባላቱ ብሕጊ ተማእዚኖም ዝኸድሉ ባይታ ክፈጥር ሓላፍነቱ’ዩ። ኣብ’ዚ ንናይ ታክሲ ታሪፍ ወይ ክፍሊት ዝምልከት፡ ኣባላት በዓል መዚ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ንዅልና ንጹር መታን ክኸውን ተወሳኺ መብርሂ እንተዝህቡና ጽቡቕ ምዀነ በሃላይ’የ።

እዚ ኵሉ ግን ኣብ ምንቲ ምንታይ? ከም ሓደ ዜጋ መጠን በቲ ዝወጽኣልና ኣዋጅ ተቐይድና ዘይንሰርሕን ዘይነኽፍልን? ልዕሊ ዝተሰልዓልካ ታሪፍ ንተገልጋሊ ምኽፋል ከም ንቡር ክርአ ስለምንታይ’ዩ? ኣብ መንጎና ኰይኑ ዝዳንየና ሕጊዶ ኸ ኣይኰነን? ንሕጊ እንተዘይ ተማእዚዝና ደኣ ከመይ ገይርና ብሰላም ንጥፈታትና ከነሰላስል? ብእንውንኖም ብሉጻት ክብሪታት እንሕበን፡ ኣይኰነን ንሕግና፡ ንሕልናና ተማእዚዝና ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ብዙሕ ጽቡቕን ሰናይን ነገራት እንገብርዶ ኸ ኣይኰናን? ኣብ’ዚ ምስ ንግድን ቢዝነስን ኣብ ዝተኣሳሰር ጕዳያት በጺሕና ደኣ ንምንታይ ስስዐ ከነርኢን፡ ካብ ህዝቢ ክንሽምጥጥን ንርከብ ኣለና? ከይሳዕረረና ከሎ ልጓም ክንገብረሉ’ዩ ዘለና።

ምጥሓስ ሕጊ ብንእሽቶ ነገር ጀሚሩ ናብ ዝዓበየ ምጥሓስ ዝሰግር ምዃኑ ዝጠፍኣና ኣይኰነን። ሓንሳብ ያዕ እንተዘይኢልናዮ ከም ሕማም ተላባዓይ፡ ከም ወልፊ ድማ ግዙእ ዝገብር ስለዝዀነ፡ ክሳብ ብገበን ተሓተትቲ ኰይንና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንኣቱ ዘይገድፈና’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ሂወትና ዘይተደልየ ሳዕቤን ዘኸትል ካብ ኮነ ብሸለልትነት ኣብ ዓዘቕቲ ኣይንእቶ። መንግስታዊ ኣዋጅ ታሪፍ መጓዓዝያ ምድሪ ጥሒስካ ተገልገልቲ ልዕሊ ሕጊ ከምዝኸፍሉ ምግባር ማለት፡ ብዓይኒ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ብላዕሊ ኣኽፊልካ ዝጥመት ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕጊ ዘለካ ሸለልትነት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ክንግዘቦ ይግባእ።

ምኽሪ ሓዘል ርእይቶይን ወቐሳይን ግን ንወነንቲ ታክሲ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ ተገልገልቲ’ውን ቅሬታ ዘለዎ ትዕዝብቲ ኣለኒ። እቲ ምንታይ፡ ውሑዳት ዘይኰንና ተገልገልቲ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕጋዊ ታሪፍ ምኽባር፡ “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ብዝዓይነቱ – ገንዘብ ስለዘለዎም እውን ክዀኑ ይኽእሉ፡ “ካብ ምጽባይ…” ብዝብል ምስምስ፡ ንዝወጸ ታሪፍ ብዝጥሕስ ኣገባብ ገንዘብ ክንከፍል ንረአ ኣለና። ሽሕ ግዜ ገንዘብ ይሃልወና፡ ሕጊ ብዝጥሕስን ንወነንቲ ታክሲ ሕማቕ ዝምህርን ተግባራት ክንገብር ዘፍቅድ የለን። እቲ ሕጊ እናፈለጥናዮ፡ ኣብ ክንዲ ዓገብ እንብል ዘዝተባሃልናዮ ከፊልና ንወርድ ተገልገልቲ’ውን ዘየለና ኣይኰናን። ሕጊ ምስ መኽበሪ ሕጊ ዝውግን ካብ ኰነ ግን፡ ነቲ ሕጊ ክንጣበቐሉ ዝግባእና ባዕላትና ኢና።

ስለዚ፡ ሃየ ደኣ ከም ኢድን ጓንቲን ሓቢርና ሕግና ነኽብርን ብሕጊ ተማእዚዝና ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንስራሕን። “ካብ እቶቱ በረኸቱ” ከም ዝተባህለ፡ ብሕጊ ተማእዚዝካ ዝርከብ እቶት፡ ውጽኢቱ ሕልናዊ ሩፍታን ቅሳነትን ሂቡ፡ ዋሕስ ናይ’ታ ብገንዘብ ዘይትትመን ጥዕናና እዩ። ሕጊ ጥሒስና ንገብሮ ዘበለ ግን፡ ሕጋዊ ሳዕቤኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጥዕናዊ ሳዕቤኑ እውን ንኹልና ርዱእ ስለዝዀነ መልሱ ናባኹም እገድፎ።

ስለዚ፡ መንግስቲ ንወነንቲ ታክሲ ሕጋዊ ልቸንሳ ሂቡዎም ዘሎ፡ ብሕጋዊ ኣካይዳ ህዝቢ መታን ከገልግሉ ክሳብ ዝዀነ፡ ጕዳይ ታሪፍ ታክሲ ናበይ ገጹ ይኸድ ኣሎ. . . ብኣጋኡ ሓቢርና ንግትኣዮን ምቁጽጻር ንግበረሉን።

ዮናስ እዮብ – ኣስመራ

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events