Date: Saturday, 29 April 2017
መሓሪ ዑቑባሚካኤል( ጠዊል) ሓደ ካብ መንጎ ኣብ ኣፋዊ ያታታት ጸቒጦም ዝሰርሑ ዘለዉ ስነ-ጥበባውያን ኤርትራ`ዩ።
ካብ ወሎደታት እናተሰጋገረ ዝመጸ ባህልን ልምድን ብፍላይ ድማ ኣፋዊ ያታታት ትግርኛ ክዕቀብን ቀጻልነቱ ክረጋገጽን ይሰርሕ።
ኣብ ባህላዊ ደርፋታት ንዝነጠፉን ዝግደሱን ዘየምቲ ዓቢይ ናይ ግጥምን ዜማን ኮይኑ ጸኒሑ`ሎ።
ምስ ጠዊል ዝተኻየደ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ኽቀርብ'ዩ።
https://tigrigna.voanews.com/a/3830338.html
*****************************************************************************ኣብ ኤርትራ ዝርጋሐ ሕማም ዓሶ ብ90 ሚእታዊት ምጉዳሉ ተሓቢሩ
ኣብ ኤርትራ ሕማም ዓሶ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ለውጢ የርእይ ምህላው ብፍላይ ድሕሪ ኣብ 1998 ዓ.ም ዝተራእየ መጠነ ሰፊሕ ለበዳ፡ መልከፍትን ሞትን እቲ ሕማም ኣብ መላእ እታ ሃገር ብ90ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብ ኤርትራ ሓላፊ ምኽልኻል ዓሶ አቶ ሰላም ምሕረት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።
ብዛዕባ መጠንን ሕማም ዓሶን ዝምልከት ምስ አቶ ሰላም ምህረት ሓላፊ አሃዱ ምክልኻል ዓሶ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።