Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ/ቪድዮ) ሰበ ስልጣን ሊብያ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 06 May 2017

VOA Tigrigna    ቀዳም 6 ግንቦት 2017


Image result for foto african migrants in libya

ሰበ ስልጣን ሊብያ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም

ሰበስልጣን ጸጥታ ሊብያ ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 200 ስደተኛታት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብምዕራብ ኣብ ትርኸብ ዛውያ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ምኳኖም ሰበስልጣን ሊብያ ወሲኾም አረዲኦም።

ካብቶም ስደተኛታት 160 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ ከለው አስታት 40 ዝኾና ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን ተፈሊጡ’ሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ሳንዱቕ ተዓጽዮም ካብ’ታ ከተማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወጹ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም
ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ አስታት 4,000 ስደተኛታት ብጣልያን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ይፍለጥ።
ሃገራት ምዕራብ ኣብ ሊብያ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ንዘይሕጋዊያን አስርገቲ ሰባት ምቹእ ኩነታት ኮይንሎም ኣሎ ክብሉ’ውን ይነቕፉ።
ተወሳኺ ሓበሬታ http://tigrigna.voanews.com ተኸታተሉ።

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events