ሰበ ስልጣን ሊብያ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም
ሰበስልጣን ጸጥታ ሊብያ ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 200 ስደተኛታት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብምዕራብ ኣብ ትርኸብ ዛውያ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ምኳኖም ሰበስልጣን ሊብያ ወሲኾም አረዲኦም።
ካብቶም ስደተኛታት 160 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ ከለው አስታት 40 ዝኾና ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን ተፈሊጡ’ሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ሳንዱቕ ተዓጽዮም ካብ’ታ ከተማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወጹ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም
ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ አስታት 4,000 ስደተኛታት ብጣልያን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ይፍለጥ።
ሃገራት ምዕራብ ኣብ ሊብያ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ንዘይሕጋዊያን አስርገቲ ሰባት ምቹእ ኩነታት ኮይንሎም ኣሎ ክብሉ’ውን ይነቕፉ።