Date: Sunday, 07 May 2017
ሓዳስ ኤርትራ 5 ግንቦት 2017 - ገጽ 5 መበል 26 ዓመት ቁ.212 |
ተፍትሽ፡ ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክትግበር ዝኾነ ሕጊ ኣይፈቅድን። |
1.3.ተፍትሽን ምሓዝ መርትዖን ኣብ መስርሕ መርመራዊ ስራሓት ኮይኑ ብመሰረት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ብክልተ ኣገባባት ይፍጸም። ብመሰረቱ ተፍትሽ፡ ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክትግበር ዝኾነ ሕጊ ኣይፈቅድን። ምኽንያቱ ተፍትሽ ነቲ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ዝኾነ ኣካላቱ ወይ ገዝኡ ብካልእ ሰብ ከይገሃስ ሓለዋ ዝገብር “መሰል ብሕትውና” ዝግህስ ስለዝኾነ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ኮነ ኣብ መንበሪ ቤቱን ካልእ ዝውንኖም ነገራትን ብዘይፍቓዱ ምእታው፡ ምትንኻፍ ኮነ ምፍታሽ ክብሩ ምትንካፍ ስለዝኾነ ሕጊ ሓለዋ ይገብረሉ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣንጻር ጥርጡር ገበነኛ ዝውዕል መርትዖ ምእካብ ንርግኣትን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ግድነታዊ ሓለዋ ስለዝኾነ ሕጊ ተኸቲልካ ተፍትሽ ምፍጻም ምኽኑይ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ መፈተሺ ፍቓድ ተፍትሽ ዝፍቀደሉ ኩነታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዘርዚሩ ይርከብ። ብተፍትሽ ዝርከብ መርትዖ ወይ ገበን ኣብ ምፍጻም ከም መሳርሒ ዝተዘውተረ ወይ ከኣ ገበን ብምፍጻም ዝተረኽበ ክኸውን ይኽእል። እዚ መርትዖ’ዚ ከኣ ድሕሪ ፍጻመ ገበን ወይ ቅድሚኡ ኣብ ኣካላት ጥርጡር ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ተሓቢኡ ክርከብ ይከኣል። ነዚ መርትዖ’ዚ ንምሓዝን ብኤግዚቪት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ንምግባርን ፖሊስ ክኽተሎ ዝግባእ ኣገባብ ሕጊ ገበናዊ........... |