Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን-ተፍትሽ፡ ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክትግበር ዝኾነ ሕጊ ኣይፈቅድን።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 07 May 2017


ሓዳስ ኤርትራ 5 ግንቦት 2017 - ገጽ 5 መበል 26 ዓመት ቁ.212
ተፍትሽ፡ ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክትግበር ዝኾነ ሕጊ ኣይፈቅድን።

1.3.ተፍትሽን ምሓዝ መርትዖን

ኣብ መስርሕ መርመራዊ ስራሓት ኮይኑ ብመሰረት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ብክልተ ኣገባባት ይፍጸም። ብመሰረቱ ተፍትሽ፡ ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክትግበር ዝኾነ ሕጊ ኣይፈቅድን። ምኽንያቱ ተፍትሽ ነቲ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ዝኾነ ኣካላቱ ወይ ገዝኡ ብካልእ ሰብ ከይገሃስ ሓለዋ ዝገብር “መሰል ብሕትውና” ዝግህስ ስለዝኾነ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ኮነ ኣብ መንበሪ ቤቱን ካልእ ዝውንኖም ነገራትን ብዘይፍቓዱ ምእታው፡ ምትንኻፍ ኮነ ምፍታሽ ክብሩ ምትንካፍ ስለዝኾነ ሕጊ ሓለዋ ይገብረሉ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣንጻር ጥርጡር ገበነኛ ዝውዕል መርትዖ ምእካብ ንርግኣትን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ግድነታዊ ሓለዋ ስለዝኾነ ሕጊ ተኸቲልካ ተፍትሽ ምፍጻም ምኽኑይ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ልክዕ ከም ቀይዲ፡ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ መፈተሺ ፍቓድ ተፍትሽ ዝፍቀደሉ ኩነታት ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዘርዚሩ ይርከብ። ብተፍትሽ ዝርከብ መርትዖ ወይ ገበን ኣብ ምፍጻም ከም መሳርሒ ዝተዘውተረ ወይ ከኣ ገበን ብምፍጻም ዝተረኽበ ክኸውን ይኽእል። እዚ መርትዖ’ዚ ከኣ ድሕሪ ፍጻመ ገበን ወይ ቅድሚኡ ኣብ ኣካላት ጥርጡር ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ተሓቢኡ ክርከብ ይከኣል። ነዚ መርትዖ’ዚ ንምሓዝን ብኤግዚቪት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ንምግባርን ፖሊስ ክኽተሎ ዝግባእ ኣገባብ ሕጊ ገበናዊ...........


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events