Dehai News

ECSS-Online.com: መጽሓፍ-"ናቕፋ መስከረም 1976-መጋቢት 1988"

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 13 May 2017

መቕድም

ቅድሚ 40 ዓመታት፡ 22 መጋቢት 1977፡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጽኑዕ ከበባ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ርእሰ ከተማ ኣውራጃ ሳሕል ንዝነበረት ናቕፋ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ መግዛእቲ ሓራ ዘውጽእሉ ዕለት ነበረ። ሓርነት ናቕፋ፡ ፍናን መላእ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ብምብራኽ፡ ተስፋ ናጽነት ኣድሚቑ ዘርኣየ፡ ነቲ ስዒቡ ብልዑል ናህሪ ንሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ ሓራ ዝገበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት መድረኽ 1977-1978 ባብ ዝኸፈተን ዓቢ ድርኺት ዝፈጠረን እዩ። ብኣጋጣሚ ናይዚ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ጉሉሕ ዝዀነ ፍጻመ’ዚ ኣሕተምቲ ሕድሪ ምስ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ካልኦትን ብምትሕብባር፡ መቐጸልታ ናይተን ቅድሚ ሕጂ ዝተሓትማ መጻሕፍቲ (ሽዱሽተ ቅጺታት ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ) 7ይ ቅጺ፡ “ናቕፋ” ብዝብል ኣርእስቲ የሕትም ኣሎ።.................

 

ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኹም።

ብርሃነ

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events